ኢትዮጵያ፡ ዳግም ናብ ካልእ ሙሉእ-ኲናት ትህንደድ ኣላ ድያ?

ሰለስተ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ምስ ዕጥቆም
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ክልላዊ ሓይልታትን መንግስቲ እታ ሃገርን ዳግማይ ውግእ ይጓሃሃር ኣሎ።

ኣብ 2022 ደው ካብ ዝበለ ደማዊ ኲናት ገና ዕረፍቲ ዘይተሰምዖም ነበርቲ ትግራይ ምሉእ ኲናት ከይለዓል ኣብ ፍርሒ ይርከቡ።

ነበርቲ፡ ግጭት ከይጋደድ ብምስጋእ መሰረታዊ ሸቐጣት ንምዕዳግ ይጓየዩ ኣለዉ። ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ናይ ኢትዮ ተለኮም ኣገልግሎት ተለፎንን ኢንተርነትን ተቛሪጹ ኣሎ።

እዚ ድማ ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ኣገልግሎት ኤቲኤም ብምቁራጹ፡ ብዓቢኡ ጥረ ገንዘብ ስኢኑ ዝጸንሐ ሕብረተሰብ ብዲጂታላዊ መተግበሪታት ገንዘቡ ክረክብ ኣይክእልን ማለት እዩ።

ስለምንታይ እዩ ሕጂ ውግእ ተላዒሉ?

ኣብ መንጎ መንግስቲን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እናተበላሸ ዝሓደረ ዝምድና ስዒቡ እዩ ሕጂ ውግእ ዝለዓል ዘሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍረም ብምግባሩ እቲ ኲናት ዳርጋ ንኣርባዕተ ዓመት ደው ኢሉ ነይሩ። እንተኾነ ግን ወጥሪ ዘጋድዱ ሓያሎ ጉዳያት ከይተፈትሑ እዮም ጸኒሖም።

ኣብዚ ዓመት ድማ ክልቲኦም ወገናት ነንሕድሕዶም ክካሰሱ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ሰራዊቶም እውን ምድላዋት እናገበሩ ነይሮም።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ትግራይ፡ ዝተልዓለ ጎንፂ፤ ኣብ ሓፂር እዋን እዩ፡ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ተዘርጊሖም ኣለዉ።

እዚ ዳሕረዋይ ምዕባለ መን ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ክልቲኦም ወገናት ኣይሰማምዑን።

ህወሓት ንመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሓዊሱ ንፌደራላዊ መጥቃዕቲ ምላሽ ከምዝሃበ እንትገልጽ፡ መንግስቲ ብወገኑ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ምቁፅፃሮም መጥቃዕቲ ከምዝጀመሩ ይወቅስ።

ንምንታይ እዩ እቲ ስምምዕ ሰላም ዘይሰመረ?

ኣርባዕተ ቁልፊ ጉዳያት ኣለው፤ ካብዚኦም እቶም ክልተ ድማ ንልሙዕ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ይምልከቱ።

ኣብ መጀመርታ እቲ ኲናት፡ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኰይኖም ዝዋግኡ ዝነበሩ ሓይልታት ኣምሓራ ነዚ መሬት ተቖጻጺሮምዎ።

ብዙሓት ኣብ ኣምሓራ፡ ኣብ 1991 ወተሃደራዊ ስርዓት ምስተወገደ፡ ክልላዊ ዶባት ዳግም ክጣየሽ እንከሎ፡ ግዝኣት ምዕራብ ትግራይ ናብ ትግራይ ክሕወስ ፈፂሙ ኣይነበሮን ዝብል እምነት ኣለዎም።

ኣብቲ እዋን ኲናት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ካብቲ ካበቢ ተባሪሮም፡ ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ሕጂ ኣብ ትግራይን ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ መዓስከራት ይነብሩ ኣለዉ።

ህወሓት፡ ምዕራብ ትግራይ ክምለስን ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ድሌት ኣለዎ። መንግስቲ ድማ መጻኢ ናይቲ ግዝኣት ብረፈረንደም ክውሰን ኣለዎ እዩ ዝብል።

ዝተፈላለየ ቀምሽ ዝተኸደና ደቂ ኣንስትዮ ካብ ድንኳናት እናዓደጋ
መግለጺ ስእሊ, ግጭት ከይጋደድ ብምስጋእ ነበርቲ መሰረታዊ ሸቐጣት ንምዕዳግ ይጓየዩ ከምዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ

ንመንግስቲ፡ ዓቢ ጉዳይ ክትዕ ምፍታሕ ኣጽዋር ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ህወሓት፡ ቀንዲ ሓይሉ ሓቢኡ ኣረጊት ኣጽዋር ጥራይ ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣረኪቡ ክብል ይወቅስ።

ክልቲኦም ወገናት ትግራይ ብኸመይ ክትመሓደር ከምዘለዋ እውን ኣብ ምትህልላኽ እዮም ፀኒሖም። ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እዩ ተመዚዙ።

ኣብይ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ጽልዋ ንምፍጣር ዝገበሮ ፈተነታት ግን ኣብ ውሽጢ ህወሓት ባዕሉ ምስሕሓብ ፈጢሩ፤ ካብቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር (ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ዝነበረ) ብመራሕቲ ህወሓት ካብ ዝእለ ንደሓር፡ ፖለቲካዊ ኵነታት ትግራይ፡ እናኸፍአ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ማለት ድማ ኣገልገልቲ መንግስቲ ንነዊሕ እዋን ደሞዝ ክወሃቦም ኣይጸንሐን፤ ካልኦት ኣገልግሎታት እውን እናተቛረጹ ቁጠባዊ ኩነታት ክጋደድ እዩ ጸኒሑ።

ህወሓት ብመን'ዩ ዝድገፍ ዘሎ?

ኣብ ኢትዮጵያ ብፖለቲካዊ መዳይ ተነጺሉ ዝነበረ ህወሓት፡ ሓያሎ ወሰንቲ መሻርኽቲ ክረክብ ዘኽኣለ ዓቢ ምዕባለ ኣሎ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙን፡ ምስ ኣምሓራ ፋኖ ምልሻን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝርከብዎም ካልኦት ሽዱሽተ ዕጡቓት ጉጅለታት ብምዃን፡ ኪዳን ንህልውና ዝብል ጥምረት ኣጣይሹ።

ኣባላት እቲ ሓድሽ ኪዳን ዝተፈላለየ ቅሬታ ኣለዎም፡ እንተኾነ ግን ብኣብይ ዝምራሕ መንግስቲ ካብ ስልጣን ምእላይ ሓባራዊ ዕላምኦም እዩ።

ስለዚ ሓይልታት ህወሓትን ፋኖን ኣብ እዋን ኩናት ሓድሕድ ኣብ ተፃረርቲ ጎኒ እንተነበሩን ክሳብ ሕዚ እውን ኣብ ዕጫ ምዕራብ ትግራይ ዘይሰማምዑ እንተዀኑን፡ ንግዚኡ ግን ፍልልያቶም ንጎኒ ገዲፎሞክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ኣለው።

ሰበስልጣን ህወሓት፡ እቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ከበባን ተነጽሎን ክደግሙ ከምዘይደልዩ ይዛረቡ።

ይኹን እምበር፡ ኣባላት እቲ ጥምረት ዝተፈላለየ ጠለብ ስለዘለዎም፡ እቲ ኪዳን ንምዕቃብ ኣጸጋሚ ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ የጠንቅቑ።

መርገጺ መንግስቲ እንታይ እዩ?

ህወሓት፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከም ዝጀመሮ ካብ ምውቃስ ሓሊፉ፡ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ነታ ሃገር ንምብታን ዝዓለመ ፈተነ ከምዝዀነ እዩ መንግስቲ ዝነቅፍ።

ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ዕጡቓት ጉጅለታት ትድግፍ ኣላ ኢላ'ውን ይኸስስ፡ እዚ ድማ ኣስመራ እትነጽጎ ጉዳይ እዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ፡ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይና ተዋጊኣ እኳ እንተነበረት፡ እተን ካብ ነዊሕ እዋን ዘይርጉእ ዝምድና ዝነበረን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት መሊሰን ናብ ወጥሪ ኣትየን ይርከባ።

ቀንዲ መበገሲ እቲ ወጥሪ ድማ ንቀይሕ ባሕርን ወደባቱን ዝምልከት እዩ።

ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ኣብ 1993 ምስ ተገንጸለት ኣፍደገ ባሕሪ ስኢና እያ። ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ንዋንነት ወደብ ዓሰብ ክደፍእ ጸኒሑ'ዩ፡ ብሓይሊ ክቆጻጸራ ዘለዎ ድሌት እውን ኣኣንፊቱ።

ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳባት እንታይ ንፈልጥ?

ሓይልታት ፌደራል ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ካልኦት ወተሃደራዊ ስርሒታትን ክፍጽሙ ከምዝፀንሑ ፀብፃባት ይሕብሩ።

መንግስቲ ዝገለጾ መመኽነይታ፡ ንመጥቃዕቲ ምላሽ ብምሃብ ንፌደራላዊ መርገጺታትን ግዝኣታትን ክከላኸል ይፍትን ከምዘሎ ዝገልጽ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኵነታት ሓድሕድ መጥቃዕትታት፡ ብናጻ ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ እዩ።

ነበርቲ ሓንቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዒላማ ዝተገብረት ከተማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተሃረማ ክገልጹ እንከለዉ፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ድማ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ እዋን ኲናት ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ወተሃደራዊ መዓስከራት ዘገልግላ ከምዝነበራ ይዛረቡ።

እዚ ድማ መንግስቲ ፌደራል፡ ብሓይልታት ትግራይ ዳግማይ ንወተሃደራዊ ዕላማ ይውዕሉ ከምዘለዉ ክኣምን ከምዝኽእል ዘመለክት እዩ።

እዚ መጥቃዕቲ ዝፍጸም ዘሎ፡ ህወሓት መንእሰያት ብሓይሊ ክምልምል ጸኒሑ'ዩ ዝብሉ ጸብጻባት ኣብ ዝስማዕሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

እቲ ግጭት ደው ንኽብል እንታይ ይግበር ኣሎ?

እቲ ቀንዲ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ እዩ፤ እቲ ሕብረት፡ ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ክብልን ናብ ቀጥታዊ ዝርርብ ክምለስን ጸዊዑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ እቶም ውድባት ብህጹጽ ክዋስኡ ሓቲቱ ኣሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ፣ ሰፊሕን ኣዕናዊን ግጭት ከይፍጠር ድማ ኣጠንቂቑ።

ዞባዊ ውዳበ ኢጋድ እውን ግጭት ደው ኢሉ ዘተ ክጅምርን ጸዊዑ።

እቲ ፀገም ግን ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ትግራይን ዘሎ ምትእምማን ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ እዩ፣ ምቛም እቲ ሓዱሽ ዕጡቕ ኪዳን ድማ ነቲ ዅነታት ዝያዳ ዝተሓላለኸ ገይርዎ ኣሎ።

እቲ ግጭት ናብ ካልእ ከባቢታት ክዝርጋሕ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

እወ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ግጭት ክፍጠር ልዑል ሓደጋ ኣንጸላልዩ ኣሎ።

እቲ ውግእ ድሮ ዶባት ትግራይ ሓሊፉ ዝተሰጋገረ እንትኸውን፡ መንግስቲ ብሓንሳብ ምስ ካልኦት ክልላት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣምሓራን ኦሮምያን ዝተፈጠሩ ዕጥቃዊ ግጭታት እናተቓለሰ ይርከብ።

እዚ ሓድሽ ኪዳን ንሓያሎ ካብዞም ግጭታት ብፖለቲካውን ወተሃደራውን መዳይ ከራኽቦም ዝኽእል እዩ።

ኤርትራ እውን ዳግማይ ተሳሒባ ናብቲ ግጭት ክትኣቱ ትኽእል እያ ዝብል ግምት ኣሎ - ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ።

ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዝርከቡ ክልተ ወገናት እውን ምስ ትግራይ ዘለዎም ውግንና ተፃራሪ ስለዝኾነ፡ እቲ ጉዳይ ክተሓላለኽ ይኽእል እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ብፍሉይ ኵለን ጎረባብቲ ሃገራት ነቲ ቅልውላው ዝያዳ ከጋድድ ዝኽእል ስጉምቲ ከይወስዳ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።