ኢማራት ንህወሓት ብምዅናን ንኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ኣረጋጊጻ

ምንጪ ስእሊ, Office Of the PM
ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓርቢ ምሸት ኣብ ወግዓዊ ማሕበራዊ ገጹ ብዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓትን መሓዙት ሓይልታት ጥምረትን ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ምቍጽጻሮምን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘካይድዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ግጭትን ብትሪ ኰኒኑ።
እዚ ተግባራት ንሓድነት፡ ልዑላዊነትን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑ ድማ ኣስሚሩሉ።
ካብ ረቡዕ 23 መስከረም ኣትሒዙ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኲናት ዳግም ዝተወልዐ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ውግኣት ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ።
ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ሰለስተ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ምቍጽጻሩ፡ ህወሓት ይዅን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንዝተፈጸመሎም መጥቃዕቲ ምላሽ ይህቡ ከምዘለዉ ብምግላጽ ነንሕድሕዶም ይወነጃጀሉ ኣለዉ።
ነዚ ስዒቡ ሓያሎ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ነቲ ግጭት ብምዅናን መግለጺታት ይህቡ ኣለዉ።
ምኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሸኽ ሻኽቡት ቢን ናህያን ኣል ናህያን፡ ሃገሩ ምስ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ደው ከም እትብል ብምግላጽ፡ ንቕዋማዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ብሓይሊ ወይ ብዕጥቃዊ ስጕምቲ ንምቕያር ዝግበር ዝዀነ ይዅን ፈተነ ከም ዘይትድግፍ ኣረጋጊጹ።
እቲ ምኒስተር፡ ግጭት ብህጹጽ ደው ክብል፡ ወጥሪ ክሃድእ፡ ንጹሃን ዜጋታት ክሕለዉ፡ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ክኽበርን ጸገማት ብዘተን ሰላማዊ መንገዲን ክፍታሕን ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኢማራት ቀንዲ መሻርኽቲ ኢትዮጵያ ኰይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ ወሳኒ ንዝነበረ ኣጽዋራት ቴክኖሎጂ ድሮን ብምቕራብ ስማ ክለዓል ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ጉዳይ ሱዳን እውን ገዚፍ ኢድ ዘለዋ ኢማራት፡ ኣብ ክልል በኒሻንጉል ጉምዝ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ዘገልግል መዓስከር ከም ዘቘመት፡ ንኢትዮጵያ ድማ ከም መትኒ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ትጥቀመላ ከም ዘላን ትኽሰስ፤ ክልቲአን ሃገራት ግን ነዚ ክሲ ይነጽጋኦ።
ኣብዚ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ተወሊዑ ኣሰካፊ ምዕባለታት ፈጢሩ ዘሉ ውግኣት ሰሜን ኢትዮጵያ ድማ፡ ኢማራት ደጋፋ ንኢትዮጵያ ትገልጽ ኣላ።
ብኻልእ ወገን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ኣመሪካን፡ ህወሓት ኣብ ጐረባብቲ ክልላትን ደቡብ ትግራይን ዝፈጸሞ መጥቃዕትን ኣብ ትግራይ መዓርፎ ነፈርቲ ምቍጽጻሩን ኰኒነን ኣለዋ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣመሪካ ዝዀነ አርቪን ማሲንጋ፡ ረቡዕ ብዛዕባ እቲ ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ኣመልኪቱ፡ መራሕቲ ህወሓት "ሰፊሕ መጥቃዕቲ ብምኽፋቶም" ወቒሱ።
ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን እውን ብሓሙስ 24 መስከረም ብዝሃበኦ በበይኑ መግለጺታት ንተግባራት ህወሓት ኰኒነን ኣለዋ።
ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ህወሓት ዝርከብ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብሓይልታት ፈደራል ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ እቶም ዕጡቓት ናይ ምክልኻል ስጕምትታት ክወስዱ ትእዛዝ ከምዝሃበን ኲናት ከምዝተለዓለን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣነጺሩ እዩ።
ድሕሪ መግለጺ ኣምባሳደር ኣመሪካ፡ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓትን ምክትል ፕረዚደንት እቲ ክልልን ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ መልሲ፡ እቲ ኣምባሳደር ብዝገለጾ ነቐፌታ ከምዝሓዘነ ኣመልኪቱ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣቶ ኣማኑኤል፡ ኣምባሳደር ኣመሪካን ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ትግራይ ንሰላማውያን ሰባት ዝጎድእ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ስቕ ኢሎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ዘቕረብዎ ዘለዉ ነቐፌታ "ዘይፍትሓዊ" ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ምክትል ፕረዚደንት ወሲኹ፡ "ብዛዕባ ዘይሻራዊነት ዲፕሎማሰኛታት ኣዝዩ ዘሰክፍ ካልእ ስክፍታታት ኣሎ" እውን ኢሉ።
ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ጸጥታዊ ኵነታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘስዕቦ ዘሎ ጽልዋን ከምዘሻቐሎ ገሊጹ።
እቲ ሕብረት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ወተሃደራዊ ረጽምታት ከምዘጋጠመ ዝሕብር ጸብጻባት፡ ከምኡ'ውን ኣብ መቐለ፡ ኣኽሱም፡ ሽረ (ትግራይ) መዕርፎ ነፈርቲ ብሓይልታት ህወሓት ብምሓዞም ስክፍታኡ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ሓያሎ መጥቃዕትታት ድሮን ብስክፍታ ክከታተሎ ከምዝጸንሐ ጠቒሱ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ በቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ወጥሪን ወተሃደራዊ ምትፍናንን "ብዕምቈት ከም ዘተሓሳሰቦም" ብምግላጽ፡ እቲ ግጭት "ብህጹጽ ደው ክብል" ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ንመንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውራድን መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛምን ዝዓለመ 'ምሕዝነት ንህልውና' ዝተሰምየ ልፍንቲ ዕጡቓት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ዕሽሽ ከም ዝበሎ ብምግላጽ ወቒሱ።
እዚ መግለጺ፡ ሓሙስ 24 መስከረም ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጽ ህወሓት ዝወጽአ ኰይኑ፡ እቲ ኣህጉራዊ ማሕበር ነዚ ምሕዝነት ከም ስግኣት ሰላምን ህድኣትን ገይሩ ብምቕራቡ ተቓውሞኡ ገሊጹ እዩ።
በዓል ስልጣን ልምዓት በይነ-መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ወጥሪ ምብኣሱ "ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦ" ዝገለጸ ክኸውን ከሎ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ እቲ ብቕልጡፍ ዝብእስ ዘሎ ኵነታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘሕድሮ ዘሎ ጽልዋን ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦ ኣፍሊጡ።
"እቲ ወጥሪ ብህጹጽ ክሃድእ ኣለዎ" ዝበለ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ክልቲኦም ኣካላት ነቲ ግጭት ብዘላቕነት ደው ንምባል ንዝተበጽሐ ስምምዕ ዳግም ቈራጽነቶም ከርእዩ ሓቲቱ፤ ነዚ ድማ "ግዜ ኣይረፈደን" ክብል ተማሕጺኑ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
