ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ገዳም ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ "ድሮን" ክልተ መነኮሳት ከምዝተቐተላ ተገሊጹ

ዝነድዱ ጧፋት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣብ ዝርከብ "ገዳም ኣንድነት ኣባይ ፈለገ ግዮን ቅድስቲ ኣርሴማ" ብድሮን ከምዝተፈጸመ ብዝተገልጸ መጥቃዕቲ ክልተ መነኮሳት ከምዝተቐትላ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።

እንተኾነ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ካብዚ ዝዛይድ ከምዝዀነ ዝገልጹ እውን ኣለዉ።

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ ወሎ ዘገልግሉ ሃይማኖታዊ ኣቦ፡ እቲ መጥቃዕቲ ትማሊ ረቡዕ ከባቢ ሰዓት 4 ቅድሚ ቀትሪ ከምዝተፈጸመ ሓቢሮም።

እቲ ሃገረ ስብከት በጺሑኒ ዝበሎ ጸብጻብ መሰረት ብምግባር፡ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ መነኮሳት ዝነብራሉ ገዳም ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ክልተ መነኮሳት ብቕጽበት ከምዝሞታ ሓቢሩ።

እተን በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትላ ሰባት ኣብቲ ገዳም "ብሓባር ከምዝተቐበራ" እቶም ድሕነቶም ንምዕቃብ ስሞም ከይጥቀስን ብሰንኪ ህሉው ኩነታት ድምጾም ኣብ ኣየር ከይውዕልን ዝሓተቱ መራሒ ሃይማኖት ገሊጾም።

ብዘይካ ክልተ ግዳያት፡ 12 መነኮሳት ቆሲለን ሕክምና ይግበረለን ከምዘሎን፡ ሓንቲ ካብአን ብኸቢድ ቆሲላ ሎሚ ንሕክምና ካብ መካነ ሰላም ናብ ሆስፒታል ደሴ ተወሲዳ ከምዘላን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

እተን ዝተረፉ ዓሰርተ ሓደ፡ ካብ ንእሽቶ ክሳብ ማእኸላይ መጉዳእቲ ዝበጽሐን ኰይነን ኣብ ወረዳ ቦረና ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል መካነ ሰላም ሕክምና ይግበረለን ከምዘሎ ወሲኾም ሓቢሮም።

እቲ መጥቃዕቲ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዝተፈፀመ እውን ካብ ሆስፒታል እቲ ከባቢ ከምዘረጋገጹ ቶም ኣቦ ይዛረቡ። መን ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ምስ ተሓተቱ "መቸስ ድሮን ዘለዎ መን ምዃኑ ኣይጠፍኣካን" ክብሉ መሊሶም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኢትዮጵያ ሕዝባዊ አብዮታዊ ፓርቲ (ኢሕአፓ) ዝተባህለ ሰልፊ ብወገኑ፡ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዝሞታ መነኮሳት 7 ከምዝዀና እዩ ዝገልጽ።

እቲ ሰልፊ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ንምኹናን ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ትማሊ 15 ሓምለ 2018 (ግእዝ) ኣብ ገዳም ቅድስቲ ኣርሴማ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት መነኮሳት ህይወተን ከምዝሰኣናን ካልኦት 10 ድማ ብኸቢድ ከምዝቖሰላን ገሊጾም።

ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ካብ ኣገልግሎት መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ ወሎ ዘገልግሉ እቶም መራሒ ሃይማኖት፡ እቲ ሃገረ ስብከት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዘጋጠመ ጠቕላላ ጉድኣት ካብ ኣብያተ ክርስቲያናት ገዳምን ወረዳን ምሉእ ጸብጻብ ከምዝህብ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ስዒቡ ኣብ ሃይማኖታዊ ቦታታት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ምያዝያ 2015 ጀሚሩ ዝተወልዐ ግጭት፡ ንህይወት ብዙሓት ሰባት ካብ ምጥፋእ ሓሊፉ ማሕበራዊ ህይወት ህዝቢ ናብ ዘይምርግጋእ ኣእትዩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ክልል ብሰንኪ እቲ ግጭት ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ዕንወት ንብረትን ይፍጸም ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ክገልጻ ጸኒሐን እየን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ቢቡኝ፡ ፈተና ዛዚሞም ብመኪና ናብ ዓዶም ዝምለሱ ዝነበሩ ተመሃሮ 12 ክፍሊ ብዘጋጠሞም ናይ ተዅሲ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ተመሃሮ ምቝሳሎም ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።