ስም ዝሰኣኑን ሕጋዊ መንነት ዝተሓረሞምን ህጻናት ሱዳን

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

መጠንቀቕታ፤ እዚ ጸብጻብ'ዚ ንገሊኦም ኣንበብቲ ዘጨንቕ ዝርዝር ትሕዝቶታት ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ሓንቲ ጓል 17 ዓመት ሱዳናዊት ንህጻን ወዳ ሓቝፋ፡ ካብ ዕድመኣ ንላዕሊ ዝኸበደ ናይ ጭንቀት ስምዒት ይርኣያ። "እዚ ወደይ ኣቦ የብሉን፡ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ይዅን ሃገራዊ ቍጽሪ መለለዪ ድማ የብሉን፡" ትብል ኣሚራ (ንድሕንነታ ተባሂሉ ስማ ዝተቐየረ) ንቢቢሲ ኣብ ዝተዛረበቶ።

እቲ ዘጋጠማ ግፍዒ ገና ክትኣምኖ ዝጸገማ ብዝመስል ህድእ ዝበለ ኣዘራርባ፡ ነቲ ካብ ምያዝያ 2023 ጀሚሩ ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ዘስዓበላ መከራ ተካፍል።

ካብ ከበባ ናብ ጭውያ

ኣሚራን ስድራቤታን ኣብ ምብራቓዊ ዞባታት ኣል-ፋሸር ይነብሩ ነይሮም።

እታ ከተማ ብዕጡቓት "ዳዕመ-ሰሪዕ" ተኸቢባ ዝነበረት ኰይና፡ እዚ ጕጅለ'ዚ ምስ ሰራዊት ሱዳን ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ ደማዊ ኲናት ኣካይዱ እዩ።

ንኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብታ ከተማ ተዓጽዮም ዝነበሩ ሰባት፡ ብሰንኪ ቀጻሊ ደብዳብ፡ ግጭታትን ዋሕዲ መግብን ኣብ ከቢድ ስቓይ እዮም ነይሮም።

ኣብ መጀመርታ 2025፡ ኣሚራን ስድራቤታን ካብታ ከተማ ሃዲሞም ናብ ዝሓሸ ቦታ ክሰግሩ ወሲኖም።

ይዅን'ምበር፡ ካብታ ከተማ ብወገን ደቡብ ምዕራብ ክወጽኡ እንከለዉ፡ ሰለስተ ዕጡቓት "ዳዕመ-ሰሪዕ" ጨውዮም ከም ዝወሰድዋ ትገልጽ።

"ኣዒንተይ ዓሚቶም ናብ ከባቢ ታቢት ወሲዶምኒ። ንኽልተ ኣዋርሕ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ዓጽዮምኒ፤ መዓልታዊ ድማ በብተራ ይዕምጹኒ ነይሮም፡" ክትብል ብትሑት ድምጺ ትገልጽ።

ድሕሪ ሰሙናት ጥንሲ ከም ዝሓዘትን ክትሓምም ከም ዝጀመረትን ትዛረብ። እቶም ዕጡቓት ክሰጕዋ ምስ ደለዩ፡ ኣብቲ ዝጨወዩዋ ከባቢ ደርብዮማ ከዱ።

ሕጋዊ መንነት ዝሰኣኑ ህጻናት

ብሓገዝ ካልኦት ተመዛበልቲ ናብ ሕክምና ዝበጽሐት ኣሚራ፡ ጸኒሓ ብሓገዝ ትካላት ረድኤት ምስ ስድራቤታ ክትራኸብ ክኢላ።

ይዅን'ምበር፡ ድሕሪ ሕርሳ ሕጂ'ውን ካልእ ጸገም ገጢምዋ ኣሎ። ወዳ ወዲ ሸሞንተ ወርሒ እኳ እንተዀነ፡ ክሳዕ ሕጂ ሕጋዊ መለለዪ ክትገብረሉ ኣይከኣለትን።

"ናይ ልደት መረዳእታ ንምውጻእ፡ እቶም ሕክምና ብዛዕባ'ቲ ኣቦ ክህቦም ዘይክእል ሓበሬታ እዮም ዝሓቱኒ፡" ትብል ኣሚራ።

ብዛዕባ ኣቦ እቲ ህጻን ዝዀነ ሓበሬታ ክትህብ ስለ ዘይትኽእል፡ እቲ ህጻን ሕጋዊ መንነት ክረክብ ኣይከኣለን። "ክትባት ክረክብ ኣይክእልን፡ ናብ ኣጸደ ህጻናት ይዅን ቤት ትምህርቲ ንምእታው ድማ ክኸብደኒ እዩ። ስለ መጻኢኡ እፈርሕ ኣለኹ፡" ትብል።

ከም ሓበሬታ ትካል 'ናዳ'፡ ታሪኽ ኣሚራ ውልቃዊ ጸገም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኵሉ ኲናት ዘለዎ ከባቢታት ሱዳን ዝደጋገም ዘሎ ክውንነት እዩ።

ሓላፊ መደባት ዕቝባ እቲ ትካል ኣቡበከር ዩሱፍ ያዕቆብ፡ "ኣቦ ብዘይምህላዉ ወይ መንነቱ ብዘይምፍላጡ፡ ህጻናት ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ክረኽቡ ኣዝዩ የጸግም፡" ይብል።

ኣብ ትሕቲ ነውርን ስግኣትን

ብዛዕባ እቶም ብሰንኪ ዓመጽ ዝውለዱ ህጻናት ልክዕ ቍጽሪ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

ዋና ዳይረክተር ትካል ናዳ ሻዛ ኣሕመድ፡ እዚ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ነውሪ ምዃኑ ትገልጽ።

"መብዛሕትአን ግዳያት ዝዀና ኣደታት ባዕለን ቈልዑ (ትሕቲ 18 ዓመት) እየን። ስለዚ፡ ምስ ሓላዊአን ኰይነን ጥርዓን ከቕርባ ስለ ዝፈርሓ፡ እቲ ቍጽሪ ተመዝጊቡ ኣይርከብን፡" ትብል።

90% ካብቲ ትካላ ዝመዝገቦ ጉዳያት፡ ስድራቤታት ነቲ ጥንሲ ዘስዓበ ጾታዊ ዓመጽ ወግዓዊ ጸብጻብ ከይቀርበሉ ከም ዝዓግታ ትሕብር።

"ከም ሱዳናዊት መጠን፡ እዞም ህጻናት ኣብ ትሕቲ ነውርን ስግኣትን ዝነብር ወለዶ ክዀኑ ምዃኖም ዓቢ ስግኣተይ እዩ፡" ክትብል ትገልጽ።

ኣብ መንጎ ሕግን ክውንነትን

ብመሰረት ሕጊ ሱዳን፡ ኵሉ ህጻን መንነት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።

ጠበቓ ማጂዳ እድሪስ ከም ዝገለጸቶ፡ ናይ 2010 ሕጊ ህጻናት፡ እተን ኣደታት ጥርዓን ምስ ዘቕርባ፡ እቲ ህጻን ብስም ኣደኡ ክምዝገብ ይፈቅድ እዩ።

እቲ ጉዳይ ናብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ቀሪቡ ምስ ተሰነደ፡ ናብ ስቪል መዝገብ ተመሓላሊፉ እቲ ህጻን ሕጋዊ ስም ክወሃቦ ይኽእል እዩ።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ነውርን ተቓውሞ ስድራቤትን፡ ሓያሎ ግዳያት ናብ ፍርዲ ከይከዳ ይዓግተን ኣሎ።

ኣሚራ፡ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠማ ጾታዊ ዓመጽን ዘለዋ ሕማቕ ቍጠባዊ ኵነታትን፡ ወዳ ከተሐክም ይዅን ክትኣሊ ዘለዋ ዓቕሚ ውሱን ኰይኑ ኣሎ።

"ዳግማይ ዓመጽ ከይወርደኒ ብምፍራሕ፡ ንስራሕ ክወጽእ እኳ ኣይክእልን እየ፡" ትብል ብምረት።

እዚ ጸገም'ዚ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ነውርን ስግኣትን ዝነብር ሓድሽ ወለዶ ይፍጠር ከም ዘሎ ዘመልክት ዓቢ ስግኣት ምዃኑ ሰብ ሞያ የጠንቅቑ።