እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣርጀንቲና ነቲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣብ ልዕሊ እንግሊዝ ዘመዝገበቶ ዓወት ዓመታዊ ክበዓል ወሲና
ሃገራዊ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኣርጀንቲና፡ ነቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ብ15 ሓምለ ኣብ ልዕሊ ዓዲ እንግሊዝ ዓወት ዘመዝገበትላ ዕለት ዓመታዊ "መዓልቲ ሃገራዊት ጋንታ" ኰይና ክትብዓል ወሲኑ።
እታ ንዋንጫ ዓለም ኣብ 1966 ሓንሳብ ጥራይ ዝተዓወተት ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብቲ ምስ ኣርጀንቲና ዘካየደቶ ጸወታ ፍርቂ ፍጻመ ኣብ መበል 55 ደቂቕ ብመንገዲ ኣንቶኒ ጎርዶን ሸቶ ኣመዝጊባ ብምምራሕ ዓወታ ዳርጋ ርጉጽ'ያ ወሲዳቶ ነይራ።
ኣስልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ቶማስ ቱኸል ነታ ጋንታኡ ዘመዝገባታ ሓንቲ ሸቶ ዓቂቡ ክወጽእ ብምሕላን ኣብ ምክልኻል ኣድሂቡ ክጻወት ብምውሳኑ ከኣ ኣርጀንቲና ካብ ድሕሪት ተበጊሳ ኣብ መበል 85 ከምኡ ከኣ 92 ደቂቕ ኣከታቲላ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ነታ ድሕሪ 60 ዓመታት ናብ ፍጻመ ክትበጽሕ ተቓሪባ ዝነበረት ዓዲ እንግሊዝ ክልተ ንሓደ ብምስዓር ሕልማ ኣበርዒናቶ።
ኣርጀንቲና ቅድሚ ኣርባዓ ዓመታት'ውን ኣብ 1986'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ርብዒ ፍጻም በታ ኣካታዒት እትብሃል ጸወታ [ብወርቃዊት ኢድ ትፍለጥ - ማራዶና ብኢዱ ኣብ ልዕሊ እንግሊዝ ሸቶ ዘመዝገበላ ኣጋጣሚ] ነታ ጋንታ ገሊፋታ ምንባራ ይዝከር።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዓወት ኣርጀንቲና ኣብ ልዕሊ እንግሊዝ፡ ጽሕሪ ጸወታ ገለ ተጻወተቲ ኣርጀንቲና "Las Malvinas son Argentinas" ዝብል ዝተጸሓፎ ታቤላ ሒዞም ሓጐሶም ክጽንብሉ ምስ ተራኣዩ፡ እቲ ጽንብሎም ፖለቲካዊ መልክዕ ሒዙ ነይሩ።
ፎክላንድስ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ወይ ደቡባዊ ምብራቕ ኣርጀንቲና ዝርከባ ናብ ኣርጀንቲና ዝቐረባ ደሴታት ኰይነን ኣካል ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ'የን።
ክሳብ ሕጂ ከኣ ኣብ ጉዳይ ዋንነተን ጠንቂ ወጥሪ ኣርጀንቲናን ዓባይ ብሪጣንያን ኰይነን ይቕጽላ ኣለዋ።
ኣብቲ እዋን ብጀነራል ሊዮፖልዶ ጋልቲየሪ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ጁንታ እትምራሕ ዝነበረት ኣርጀንቲና፡ ነተን ካብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ኣርጀንቲና 300 ማይልስ ርሒቐን ዝርከባ ደሴታት ኣብ 1982 ወሪራተን።
እዚ ከኣ ኣብ ሞንጎ ዓዲ እንግሊዝን ኣርጀንቲና ውግእ ንኽልዓል ምኽንያት ኰይኑ።
እቲ ኣብ መንጎ ሚያዝያን ሰነን 1982 ን74 መዓልታት ዝቐጸለ ኲናት፡ 655 ኣርጀንቲናውያንን 255 ብሪጣንያውያንን ሰራዊት ሞት ኣስዒቡ። ካብ ነበርቲ እተን ደሴታት'ውን ሰለስተ ሰባት ሞይቶም።
ኣብ 2013 ኣብ ዝተኻየደ ረፈረንደም 99.8% ደቂ ደሴታት ፎክላንድ ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ ኰይኖም ክቕጽሉ ኣድሚጾም።
ኣርጀንቲና ኣብ ፍጻመ 2026 ብስጳኛ 1ብ0 ክትስዓር ከላ፡ እንግሊዝ ድማ ንፈረንሳ 6 ብ 4 ብምስዓር ሳልሳይ ደረጃ ክትሕዝ ምኽኣላ ዝዝከር'ዩ።
እታ ኣብ 1978፡ 1986 ከምኡ ከኣ 2022 ንዋንጫ ዓለም ሰለስተ ግዜ ዝተዓወተትሉ ኣርጀንቲና ነታ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ኣብ ልዕሊ ዓዲ እንግሊዝ ዘመዝገበታ ዓወት፡ ዓመታዊ ክትብዓል ምውሳና፡ እቲ ብሰንኪ ደሴታት ፎክላንድ ኣብ ሞንጎ ኣርጀንቲናን ዓባይ ብሪጣንያን ዘሎ ወጥሪ ከምዘይሃድአ ዘርኢ'ዩ።
ኣርጀንቲና ኣብ 1978 ንኔዘርላንድ 3 ብ 1 ፡ ኣብ 1986 ንጀርመን 3 ብ 2 ከምኡ ኸአ ኣብ 2022 ምስ ፈረንሳ 3 ብ 3 ጸወታ ድሕሪ ምውድኡ ብፍጹም ቅላዕ ብምስዓር'ያ ሰለስተ ግዜ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ክትከውን ክኢላ።
ገለ ወሰንቲ ዓመታት ኣብ ታሪኽ ደሴታት ፎክላንድ
- 1690 - እንግሊዛዊ ካፕቴን ንመጀመርታ ግዜ ኣብተን ደሴታት እግሪ ኣንቢሩ
- 1764 - ፈረንሳዊ ዳህሳሳይ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እተን ደሴታት ነበርቲ ምህላዎም ኣረጋጊጹ
- 1765 - ብሪጣንያውያን ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ እተን ደሴታት ክነብሩ ጀሚሮም፡ ኣብ 1770 ብስጳኛውያን ተደፊኦም ወጺኦም፡ ኣብ 1971 ብሪጣንውያን ተመሊሶም ምስ ሓዙወን፡ ኣብ 1774 ስጳኛውያን ጠቕሊሎም ካብተን ደሴታት ወጺኦም
- 1820 - ኣርጀንቲና ነጻ ድሕሪ ምውጻኣ፡ ደሴታት ፎክላንድ ኣካል ግዝኣታ ምዃነን ኣዊጃ
- 1831 - ኣርጀንቲናውያን ሰለስተ ሲልስ [ዓሳ ዝምገቡ ኣብ ባሕርን ገማግሙን ዝርከቡ ዓይነታት እንስሳ] ዝገፋ ዝነበራ ሰለስተ መራኽብ ኣመሪካ ምስ ሓዘት፡ መራኽብ ውግእ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ደሴታት ፎክላንድ ዝነበሩ ዝነበሩ ኣርጀንቲናውያን ደብዳባት ፈጺመን
- 1833 - ብሪጣንያ ነቶም ኣብተን ደሴታት ዝነበሩ ኣርጀንቲናውያን ሰብ መዚ ብምስጓግ ነተን ደሴታት ዘመሓድር ገዛኢ መዚዛ፡ ኣርጀንቲና ከኣ ነቲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ እተን ደሴታት ዝፈጸመቶ ጎቦጣ ብቐጻሊ ትቃወሞ ነይራ።
- 1914 - ውግእ ፎክላንድስ፤ ኣብ እዋን ቀዳማይ ኲናት ዓለም ነተን ብጀርመናዊ ኣድሚራል ግራፍ ቮን ስፒ ዝምርሓ ዝነበራ ጭፍራ መራኽብ ውግእ ንምድምሳስ ክልተ ናይ እንግሊዝ መራኽብ ውግእ ናብ ፖርት ስታንሊ ተላኢኸን፣ ኣድሚራል ግራፍ ቮን ስፒ ንፖርት ስታንሊ ኣጥቂዑ ድሕሪኡ ግን ኣንሳሒቡ፤ ድሕሪኡ መብዛሕትአን መራኽቡ በተን ዝቐልጠፋ መራኽብ ውግእ እንግሊዝ ተሃዲነን ጥሒለን።
- 1965 - ሕቡራት ሃገራት፡ ኣርጀንቲናን ዓባይ ብሪጣንያን ንጉዳያተን ሰለማዊ ፍታሕ ከናድያሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ
- 1982 - ኣርጀንቲና ንደሴታት ፎክላንድ ተቖጻጺራተን፡ እቲዚ ከኣ ውግእ ፈክላንድስ ንክላዓል ምኽንያት ኰይኑ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሚያዝያን ሰነን 1982 ን74 መዓልታት ዝቐጸለ ኵናት ከኣ 655 ኣርጀንቲናውያንን 255 ብሪጣንያውያንን ሰራዊት ሞት ኣስዒቡ። ካብ ነበርቲ እተን ደሴታት'ውን ሰለስተ ሰባት ሞይቶም።
- 1990 - ኣርጀንቲናን ብሪጣንያን ነቲ ኣብ 1982 ዝተበተኸ ዲፕሎማስያዊ ርክባተን ናብ ንቡር መሊሰነኦ
- 2013 - ነበርቲ እተን ደሴታት ረፈረንደም ብምክያድ 99.8% ደቂ ደሴታት ፎክላንድ ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ ኮይኖም ክቕጽሉ ኣድሚጾም።