እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዝለሓዀ ሰነድ ዘቃልዖ ምስጢር ሞስኮ፡ ኣብ ኵናት ዩክረይን ዝሃለቑ ወተሃደራት ሩስያ ክንደይ በጺሖም?
ሩስያ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ካብ እትጅምር ንነጀው፡ ብውሑዱ 490,334 ሩስያውያን ወተሃደራት ከም ዝሞቱ፡ ቢቢሲ ዝተንተኖ ናይ መንግስቲ ሩስያ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ የረድእ።
እቲ ካብ ሮስታት ዝለሓዀ ሰነድ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኣወጀቶ ምሉእ ኵናት ኣብ መዝገብ ሞት ዜጋታታ መሰረታዊ ለውጢ ከም ዘምጽአ ዘመልክት እዩ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሒደት መዓልታት ክፍጸም ተስፋ ገይሩሉ ዝነበረ እዚ ውግእ፡ ሕጂ ሓሙሽተ ዓመቱ ንምምላእ ውሑዳት ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ይርከብ። እቲ ኵናት እናተናወሐ ብዝኸደ መጠን ድማ እቲ ዝኽፈል ዘሎ ናይ ህይወት ዋጋ ብተመሳሳሊ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ቢቢሲ ሩስያ፡ ካብ 2021 ክሳዕ መስከረም 2026 ክሳዕ ዘሎ ልዕሊ 11 ሚልዮን መዝገባት ሞት ክረክብ ክኢሉ እዩ።
እዚ ሰነድ እዚ ክፍሊ ዝኸኣለ ድማ፡ "ቢዋይ ፖል" ብዝተባህሉ ናይ ቤላሩስ ሰርሰርትን "ሳይለንት ክሮው" ብዝተባህሉ ናይ ዩክረይን ሰርሰርትን ብዝተፈጸመ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ሩስያ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸማ እኳ እንተ ተኣመነት፡ ዝዀነ ተኣፋፊ ሓበሬታ ግን ከም ዘይተሰረቓ ገሊጻ።
ቢቢሲ ሩስያ ነቲ ዝተረኽበ መረዳእታ ምስቲ ኣቐዲሙ ኣብ ኵናት ዝሞቱ ወተሃደራት ሩስያ ንምዝጋብ ሒዝዎ ዝጸንሐ ዝርዝር ሓበሬታ ብምንጽጻር፡ 90 ሚእታዊት ምምስሳል ከም ዝረኸበሉ ኣፍሊጡ።
እቲ ጸብጻብ ከም ዘረድኦ፡ ኣብ 2025 ካብ ዝሞቱ ሩስያውያን ወተሃደራት፡ እቶም 65 ሚእታዊት ካብ 18 ክሳብ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም እዮም።
ካብቶም ካብ 25 ክሳዕ 34 ዝዕድሚኦም ድማ 59 ሚእታዊት ኣብቲ ውግእ ተቐቲሎም። ብተወሳኺ፡ ካብ 45 ክሳብ 54 ዝዕድሚኦም ብዙሓት ወተሃደራት ብሕማም ልብን ሰራውር ደምን ይሞቱ ከም ዝነበሩ እቲ ሰነድ ይሕብር።
እቲ ጸብጻብ፡ እቶም ወተሃደራት ኣበየናይ ቦታታትን ብኸመይ መጠንን ከም ዝሞቱ'ውን የነጽር እዩ።
ብመሰረት'ዚ፡ ቅድሚ ኵናት ብድምር 12,000 ነበርቲ ጥራይ ዝነበርወን 10 ቍሸታት ንምሓዝ፡ ኣስታት 20,000 ሩስያውያን ወተሃደራት ከም ዝተቐተሉ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብ ዞባ ዶኔትስክ፡ ብደቡባዊ ወገን ከተማ ባኽሙት እትርከብን ቅድሚ ውግእ 74 ነበርቲ ጥራይ ዝነበርዋን ኣንድሬቭካ እትበሃል ንእሽቶ ቍሸት ንምሓዝ ጥራይ፡ 1,122 ወተሃደራት ሩስያ ከም ዝሞቱ ኣብቲ ሰነድ ሰፊሩ ይርከብ።
እቲ ኵናት ኣብ ለካቲት 2022 ካብ ዝጅምር ንነጀው፡ መንግስቲ ሩስያ ቍጽሪ ናይቶም ኣብቲ ውግእ ዝሞቱላ ወተሃደራት ብወግዒ ኣይገለጸን።
እዚ 'ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን' ዝብል ቍጽሪ ብኸመይ ተቐሚሩ?
መረዳእታ ሮስታት፡ ኣስማት ናይቶም ዝተቐተሉ ወተሃደራት እኳ እንተ ዘይጠቐሰ፡ ዕድመ፡ ቦታ መንበሪ፡ ዝሞትሉ ቦታን ኵነታት ኣማውታኦምን ግን ብንጹር የቐምጥ።
ካብዚ ብምብጋስ፡ እቲ መረዳእታ መጀመርታ ብቦታ ሞት (ነቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ዶባዊ ዞባታት ብምልላይ) ተፈልዩ። ብመሰረት እዚ ድማ 425,174 ዝዀኑ ሰባት ሞቶም ብቐጥታ ምስቲ ኵናት ዝተኣሳሰር ኰይኑ ተረኺቡ።
እቲ ጸብጻብ ሞት ሰላማውያን ሰባት ከየጠቓልል ንምጥንቃቕ ድማ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ'ውን ትሕቲ 18ን ልዕሊ 65ን ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ ካብቲ ኣሃዝ ተወጊዶም እዮም።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ጸብጻብ 14,93 ወተሃደራት ዘይኰኑ ሰራሕተኛታትን፡ 51,67 ሰባት ድማ ብመሰረት ውሳነ ቤት ፍርዲ ከም ዝሞቱ ተመዝጊቦም ይርከቡ።
ሓደ ወተሃደር ኣብ ዞባ ውግእ ካብ ኣሃድኡ ተፈልዩ ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ደሃዩ ምስ ዝጠፍእን ሬሳኡ ምስ ዘይርከብን፡ ብቤት ፍርዲ ከም ዝሞተ ተገይሩ እዩ ኣብ መዝገብ ዝሰፍር።
ቢቢሲ ሩስያ ምስቲ ሜድያዞና ዝተባህለ ዘይሻራዊ ትካል ብምትሕብባር፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት፡ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ቍጽሪ ሓደስቲ መቓብርን ብምውካስ ከጽንዖ ኣብ ዝጸንሐ መዝገብ፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ሩስያውያን 290,012 በጺሑ ነይሩ እዩ።
ቢቢሲ ሩስያ ነቲ ልሒኹ ዝወጽአ ሰነድ ብምምርማር ከም ዘረጋገጾ፡ ኣብ መጀመርታ ዓመት ናይቲ ኵናት ማእከላይ ዕድመ ናይቶም ዝሞቱ ወተሃደራት ሩስያ 34 ዓመት ነይሩ። ኣብ 2025 ግን እሱራትን ብውዕል (ኮንትራት) ዝተመልመሉን ናብቲ ግንባር ምስ ተሰለፉ፡ ማእከላይ ዕድመ ናይቶም ዝሞቱ ናብ 40 ዓመት ክብ ኢሉ ኣሎ።
መብዛሕትኦም ዝሞቱ ወተሃደራት ሩስያ ካብተን ድኻታት ዝዀና ዞባታት ቱቫ፡ ቡርያትያን ዛባይካልስኪ ክራይን ዝመጽኡ እዮም። ካብዘን ዞባታት እዚኣተን ዝሞቱ ወተሃደራት ምስቶም ካብ ሞስኮን ሰይንት ፒተርስበርግን ዝመጽኡ ክነጻጸሩ ከለዉ፡ ብ20 ክሳብ 25 ዕጽፊ ዝለዓለ እዩ።
ካብቶም ዝሞቱ 5,017 ወጻእተኛታት ከም ዝርከብዎም ጸብጻብ ሮስታት ይሕብር። ካብዚኦም 1,031 ዜጋታት ኡዝበኪስታን፡ 720 ድማ ተወለድቲ ታጂኪስታን እዮም።
ቢቢሲ ብወገኑ፡ ናይ ሳተላይት ምስልታት፡ ወግዓውያን ፎቶግራፋትን ኣብ ፒዮንግያንግ ንዝኽሮም ዝተሃንጹ መቓብርን ብምውካስ፡ ኣብቲ ኵናት 2,304 ተወለድቲ ሰሜን ኮርያ ከም ዝተቐተሉ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።
እቲ ልሒኹ ዝወጽአ ጸብጻብ ምሉእ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ፤ እንተዀነ ምስቲ ቢቢሲ ሩስያ ከዋህልሎ ዝጸንሐ መረዳእታ ብምውህሃድ ናብ ሓቂ ዝቐረበ ስእሊ ይህብ።
ምስ መዝገባት ሞት ወተሃደራት ሩስያ ቅርበት ዘለዎም ወገናት፡ እቲ ቢቢሲ ሩስያ ዘረጋገጾ ናይ 290,012 ምዉታት ቍጽሪ፡ ካብቲ ናይ ሓቂ ሞት ካብ 45 ክሳብ 55 ሚእታዊት ጥራይ ዝውክል ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም ኣለዉ።
በዚ ቀመር መሰረት፡ እቲ ሓቀኛ ቍጽሪ ምዉታት ወተሃደራት ሩስያ ካብ 527,295 ክሳብ 644,471 ክበጽሕ ይኽእል እዩ።
ኣብዚ ኣርባዕተ ዓመትን 10 ወርሕን ኣቝጺሩ ዘሎ ኵናት ዝሞቱ ሩስያውያን ወተሃደራት፡ ምስቲ ኣብ 1989 ዝተዛዘመ ሕብረት ሶቭየት ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘካየደቶ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ኵናት ክነጻጸር ከሎ፡ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ።
ብወገን ዩክረይን ድማ ፕረዚደንት ቭሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ሓምለ 2026 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ዩክረይናውያን ወተሃደራት ኣስታት 50,000 ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ዝተመርኰሱ ካልኦት ጸብጻባትን ስሞም ዘይተጠቕሱ ምንጭታትን ከም ዘመልክትዎ፡ እቲ ቍጽሪ ብውሑዱ ኣስታት 115, 952 ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይሕብሩ።