ብድሆ ሩስያ ኣብ ማሊ፡ ካብ ዋግነር ናብ ኮርፕስ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ማሊ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ብተገንጸልትን እስላማውያን ዕጡቓትን ዝተወሃሃደ ተኸታታሊ መጥቃዕቲታት ተናዊጻ ኣላ።
ንወተሃደራዊ መንግስቲ ማሊ ንምሕጋዝ ኣብኡ ዓሪዱ ዝጸንሐ ሓይሊ - ኮርፕስ ኣፍሪቃ - ካብ ሰሜናዊት ከተማ ኪዳል ክወጽእ ከም ዝተገደደ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እዚ ስጕምቲ'ዚ፡ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ "ቫግነር" ናብዚ ሓድሽ መልክዑ ምስ ተቐየረ ዘጋጠማ ዓቢ ወተሃደራዊ ዕንቅፋት እዩ።
እቲ ብ'ኮርፕስ ኣፍሪቃ' ዝፍለጥ ሓይሊ ሩስያ፡ ምስ ሰራዊት ማሊ ብሓባር ካብ ኪዳል "ለቒቖም ከም ዝወጽኡ" ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ሰሜናዊ ዞባታት ማሊ ፈልዩ ናጻ ሃገር ንምምስራት ዝቃለስ ግንባር ሓርነት ኣዛዋድ (FLA) ብወገኑ፡ ነቲ ምስሓብ ሩስያውያን ከም ዓቢ ዓወት ብምውሳድ፡ ከተማ ኪዳል ካብ ወተሃደራዊ ግዝኣት "ናጻ" ምዃና ኣዊጁ።
እዚ ፍጻመ'ዚ፡ ሩስያ ኣብ ሰሜናዊ ማሊ ንዝነበራ ድልዱል ወተሃደራዊ ህላወ ዘዳኸመ ክስተት ኰይኑ ምህላዉ ድማ ይግለጽ።
እቲ ሓይሊ ሩስያ፡ ዝቘሰሉ ኣባላቱን ከበድቲ ኣጽዋሩን ካብታ ከተማ ከም ዘውጽአ ብምሕባር፡ "ኵነታት ሪፓብሊክ ማሊ ገና ዝተሓላለኸ እዩ፡" ክብል ኣብ ኤክስ ኤክስ ጸሒፉ።
ማሊ ንዓመታት ካብ ሰሜናውያን ተገንጸልቲ ሓይልታትን ምስ ኣልቃዒዳን ዳዕሽን ርክብ ዘለዎም ዕጡቓት ጕጅለታትን ዝመጽእ ናዕቢ ክገጥማ ጸኒሑ እዩ።
ዝሓለፈ ቀዳም፡ ንዋና ከተማ ባማኮ ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ከቢድ ደብዳብን ተዅስን ተሰሚዑ ነይሩ።
ኣብቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝለዓለ ክሳራ ዝበጽሐ ኣብ ከተማ ካቲ እዩ።
ኣብታ ዓቢ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝርከባ ከተማ፡ ምኒስተር ምክልኻል ማሊ ሳድዮ ካማራ ብርእሰ-ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ቦምባ ተቐቲሉ።
ሓድሽ ፈተና ውርሻ ቫግነር
መብዛሕትኦም ኣባላት 'ኮርፕስ ኣፍሪቃ'፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ውሩይ ወተሃደራዊ ጕጅለ "ቫግነር" ዝነበሩ እዮም።
ድሕሪ ሞት መራሒ ዋግነር የቭገኒ ፕሪጎዚን ኣብ 2023፡ መብዛሕትኡ ንጥፈታት እቲ ጕጅለ ብምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ተማእኪሉ ናብዚ ሕጂ ዘሎ "ኮርፕስ ኣፍሪቃ" ተቐይሩ።
እዚ ሓድሽ ሓይሊ'ዚ፡ ንመንግስታት ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ደገፍ ብምሃብ ህላወኡ ክረጋግጽ እንከሎ፡ ሩስያ ድማ ከም ኣምሳያኡ ወርቂ፡ ኣልማዝን ዩራኒዩምን ዝኣመሰሉ ክቡራት መዓድናት ትረክብ።
ይዅን እምበር፡ ልክዕ ከም ቫግነር፡ እዚ ሓድሽ ሓይሊ'ውን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ግህሰታት ፈጺሙ ብዝብል ክኽሰስ ጸኒሑ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


