ኤርትራዊ ሰመረ ገብረእግዚኣብሄር ድሕሪ ነዊሕ ማእሰርቲ ካብ ቀይዲ ኢሚግሬሽን ኣሜሪካ ወጺኡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ናብ ኤርትራ ክጥረዝ ብሰብ መዚ ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ሰመረ ገብረእግዚኣብሄር ድሕሪ ነዊሕ ሕጋዊ መስርሕ ካብ ማእሰርቲ ኢሚግሬሽን ኣሜሪካ ከም ዝተፈትሐ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣረጋጊጾም።
እዚ ሰመረ ዝተባህለ ወልቀሰብ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ካብ መዳጎኒ ማእከል ማክኩክ ነብራስካ ተፈቲሑ፡ ብተቘጻጻሪ ኣኽበርቲ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን እታ ሃገር ናብ ኢጋን፡ ሚነሶታ ተመሊሱ ኣሎ።
በርጌሳዊ ማሕበር ነብራስካ - ኣመሪካ፡ ማእሰርቲ ሰመረ፡ "ዘይሕጋዊ እዩ" ብምባል ብዘቕረቦ ክሲን ነዊሕ ምጕትን፡ እቲ ጉዳይ ብዘይተቓውሞ ክስረዝ ቤት ፍርዲ ፈደራል ዝሓለፈ ሓሙስ ወሲኑ።
ሰመረ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ 2016 ካብ ኤርትራ ሃዲሙ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኣተወ ኰይኑ፡ በቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ "ዘይሕጋውያን" ዝበሎም ስደተኛታት ዘሕለፎ ውሳነ መሰረት ናብ ኤርትራ ክጥረዝ እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ጸኒሑ።
ዳኛ ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ሰመረ ካብታ ሃገር ክስጎግ እኳ እንተኣዘዘ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ግን ንኣህጉራዊ ሕጊ ምርኩስ ብምግባር ንሓደ ካብ ሃገሩ ብሰንኪ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ወጺኡ ኣብ ሓንቲ ብኣህጉራዊ ውዕል ስደተኛታት 1951 እትቕየድ ሃገር ዕቝባ ድሕሪ ምሕታቱ ናብታ ዘምለጠላ ሃገር ክምለስ ከምዘይክእል ወሲኑ።
ሰብ መዚ ኢሚግሬሽን ኣብ ግንቦት 2025 ንሰመረ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም፡ ናብታ ዝመጽኣላ ካልኣይቲ ሃገረ ጀርመን ክጥረዝዎ እኳ ፈቲኖም እንተነበሩ፡ ንውሳነኦም ዘራጉድ ሕጋዊ ሰነዳት ስለዘይረኸቡ ግን ኣብ ዝተናውሐ ማእሰርቲ ጸኒሑ።
ጠበቓታቱ፡ "ሓደ ሓታቲ ዕቝባ ድሕሪ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ካብታ ዕቝባ ዝሓተተላ ሃገር ኣብ ግዚኡ ክጥረዝ እንተዘይክኢሉ፡ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሕ ይኽእል?" ዝድርት ዓንቀጽ ብምልዓል እዮም ክማጐቱ ጸኒሖም።
ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ቤት ፍርዲ ብዝሃቦ ትእዛዝ፡ ንሃለዋቱ ዝቈጻጸር ጂፒኤስ ሞኒተር ተገይሩሉ፡ ብቐጻሊ ናብ ሰብ መዚ ኢሚግሬሽን እናቐረበ ህላወኡ ንኸረጋግጽ ብምእዛዝ እዩ ተፈቲሑ።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ጸጥታ ዶባቱ ብምሕያልን ኣብ ውሽጢ ሃገር ሰፊሕ ተፍትሽ ብምክያድን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ስጕምቲ ክወስድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ዓዶምን ሳልሳይ ሃገራትን ብወተሃደራዊ ነፈርቲ ክስጐጉ ጸኒሖም እዮም።
ምምሕዳር ትራምፕ ሕጋዊ ሰነዳት ዘለዎም ዜጋታት ኤርትራን ሶማልያን ዝርከቡዎም ካብ 19 ሃገራት ዝመጽኡ ናይ መንበሪን ናይ ስራሕ ፍቓድን ሰነዳቶም ዳግማይ ክምርምሮን ክግምግሞን ምዃኑ'ውን ኣፍሊጡ'ዩ።
ኣብ ርእሲኡ ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ተወላዶ ኵለን ሃገራት ንዝቐርብ ሕቶ ዕቝባ ንዘይተወሰነ እዋን ደው ብምባል፡ ካብ "ሃገራት ሳልሳይ ዓለም" ንዝመጽኡ ስደተኛታት "ቀዋሚ እገዳ" ከምዝገበረ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፉኣድ ስዒድ ዓብደልቓድር ዝተባህለ ሓደ ኤርትራዊ፡ ኣብ ፔንስልቬንያ ፊሊፕስበርግ ኣብ ዝከርብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዓረፈ ይፍለጥ።
እቲ ወዲ 46 ዓመት ስደተኛ፡ ብ14 ታሕሳስ 2025 ኣብ ሞሻኖን ቫሊ ብኢሚግሬሽንን ኣኽበርቲ ጉምሩክን (ICE) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው እዩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ።
እቲ ግዳይ ን215 መዓልታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ጸኒሑ፡ ኣብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ፍትሒ ተታሒዙ፡ ዳግመ ግምት ኢሚግሬሽን መስርሕ ፍርዲ ይጽበ ነይሩ። ጠንቂ ሞቱ ከኣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምጽራይ ይርከብ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


