ኣብ እንግዶት ድራር ንትራምፕ ዒላማ ዝገበረ ተዅሲ፡ ኣብታ ቦታ ካብ ዝነበረ ጋዜጠኛ ቢቢሲ

ኣባላት ሲክሬት ሰርቪስ (ሚስጢራዊ ኣገልግሎት ሓለዋ)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ዋሽንግተን ሂልተን ዝተመገብኩሉ ካራን ፋርኬታን ኣቐሚጠ ነይረ።

ኣብ ቅድመይ ብኣንፈት ቀንዲ መእተዊ ናይቲ ሆቴል ዝርከብ ኣዳራሽ ዝመጽአ ዝነበረ ድምጺ ተዅሲ ዳርጋ ኣየስተብሃልኩን ነይረ።

ጽን ኢለ ክሰምዕ ፈተንኩ።

ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ፡ ይመስለኒ – ሓውስ ኣውቶማቲክ ኣጽዋር ዘውጽእዎ ትሑት ድምፂ እዩ ነይሩ።

ከም ሓደ መጠን ዓይነ-ስዉር፡ ኣብ ድምጽታት እየ ዘተኩር።

ብርጭቆ ክስበር ድማ ሰሚዐ።

ሽዑ እቲ ከዛርቦ ዝጸናሕኩ መሳርሕተይ ዳንኤል፡ ብጥቓይ ክሓልፍ ከሎ ተሰሚዑኒ፤ ናብ መሬት ተደፊኡ ይድቅስ ከምዘሎ ድማ ተረዳእኹ።

ኣነ'ውን ከምኡ ገይረ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ትሕቲ እቲ ጨርቂ ጠረጴዛ ተንበርኪኸ ነይረ፤ ካልእ ቀዳም ምሸት፡ ካልእ ፕረዚደንታዊ ፍጻመ፡ ኣብ ማእከል ካልእ ተኹሲ ድማ ተረኺበ።

ኣብ ሓምለ 2024 ኣብ ባትለር ፐንሲልቫንያ ተዅሲ ክኽፈት እንከሎ፡ ኣነ ኣብኡ ነይረ፤ ኣብቲ እዋን ህይወት እቲ ፕረዚደንት [ትራመፕ] ንስለ [ንሕንጢጣ] እያ ተሪፋ።

ድሕሪኡ ዝነበረ ህሞታት ብዝጭርሩን ናብዝን ናብት ብዝጎዩ ሰባት ተመሊኡ።

እዚ ዳሕረዋይ እዋን ግን ካብኡ ዝተፈለየ እዩ፤ ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛ ኢና ተሓቢእና።

ካልእ መሳርሕተይ፡ እናተተኰሰ እንከሎ፡ ካብቲ ኣብ ደገ ዝነበረ ካንሸሎ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ናብቲ ኣዳራሽ ክጎዩ ከም ዝረኣየ ነጊሩኒ።

ኣብተን ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛ ዝጸናሕናለን ሓሙሽተ ወይ ዓሰርተ ደቓይቕ፡ ኩላትና ሓደ ዕጡቕ'ውን ናብቲ ክፍሊ ጎይዩ ኣትዩ ክትኩስ'ዶ ይዀን ኢልና ንጽበ ነይርና።

ሓንቲ መሳርሕተይ፡ ኣባላት ሲክሬት ሰርቪስ (ሚስጢራዊ ኣገልግሎት ሓለዋ) ናብ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ቀዳመይቲ እመቤት ሜላንያ ምክትል ፕረዚደንት ጄ ዲ ቫንስን ብኸመይ ከምዝተጓየዩ ነገራትኒ።

ካልኦት ኣባላት ድማ ቆቢዖምን ጥይት ዘየሕልፍ ሰደርያን ለቢሶም፡ ተወሳኺ ስግኣታት እንተሃልዩ ንምርኣይ፡ ሽጉጦም ናብ እቲ ህዝቢ ገጽ ዓሊሞም ይጥምቱ ነበሩ።

ቅድሚ እቲ ስነስርዓት ድራር፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣዳራሽ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ክፍሊ ንጸሓፊ ጥዕና ኣር ኤፍ ኬ ጁንየር ረኺበዮ ነይረ።

ነቲ ፍጻመ ብሃንቀውታ ይጽበዮ እንተሃልዩ ሓተትክዎ፤ ንሱ ድማ ከምዝጠመየን ብቕልጡፍ ክውዳእ ከም ዝደሊን ነገረኒ። ብድሕረይ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ መኣዲ ኮፍ ኢሉ ነበረ።

ብድሕሬና ኣስታት 30 ሜትሮ ናብቲ ቀንዲ ማዕጾታት ገጹ፡ ዳይረክተር ኤፍ ቢ ኣይ ካሽ ፓቴል፡ ሓደ ኣባል ሚስጢራዊ ኣገልግሎት ንኽሕግዞ ነቲ ኣዳራሽ ሰጊሩ ክጎይይ እንከሎ፡ ንሱ ንኣፍቃሪቱ እናኸወለ ምስ ዝተረፍና ኣብ መሬት ነበረ።

ብኡንብኡ፡ ኣእምሮኻ ሕቶታት የልዕል፤ ስለምንታይን ብፍላይ ድማ ብከመይን ሓደ ዕጡቕ ናብቲ ፕረዚደንት ክጽጋዕ ክኢሉ? ንካልኣይ ግዜ?

ኣብቲ እንግዶት ድራር ተኹሲ ምስ ተሰምዐ ብዙሓት ኣጋይሽ ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛታት ተሓቢኦም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ እንግዶት ድራር ተኹሲ ምስ ተሰምዐ ብዙሓት ኣጋይሽ ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛታት ተሓቢኦም

ኣብ ዙርያ ሂልተን ዝርከቡ ኩሎም ጽርግያታት ንሰዓታት ተዓጽዮም እዮም ጸኒሖም። ኣብቲ ሆቴል ዝነበረ ጸጥታ ግን ክንድዚ ከቢድ ኣይነበረን።

እቲ ኣብ ደገ ኣብ ማዕጾ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ርሕቕ ዚሉ ናብ ትኬተይ ቁሊሕ ኢሉ ጥራይ እዩ ርእዩ ኣእትዩኒ።

ብሊፍት ናብቲ ኣዳራሽ ወረድና፤ ኣባል ሚስጢራዊ ኣገልግሎት ዳርጋ ፈቲሹኒ፡ ግን ብፍላይ እቲ ኣብ መፈተሺ መሳርሒ ድምጺ ዝፈጥር ዝነበረ ናይ ጁባይ ትሕዝቶ ኣይተገደሰን። ንብረተይ ኣውጺአ ከርእይ እውን ኣይተሓተትኩን።

ብሓጺሩ፡ እቲ መስርሕ ጸጥታ ከም ስሩዕ ድራር ዋይት ሃውስ ድራር ኮይኑ ክስማዓኒ እዩ ገይሩ።

ድሕሪ እቲ ተኹሲ ኣብቲ ኣዳራሽ ክንጸንሕ ምስ ተገበርና፡ ገለ ዜና ክንልእኽን ዝያዳ ክንፈልጥን ኣገልግሎት ሞባይል ክንረክብ ፈቲንና።

ብዛዕባ ስፍሓት ናይቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ብዙሕ ንዘይምሕሳብ ፈቲነ።

እንተዀነ፡ ኣእምሮ ብዛዕባ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ክሓስብ ግድን ነበረ።

ኣብ መወዳእታ ዕድልካ ንክውዳእ፡ ኣብዛ ሃገር ክንደይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፍጻመታት ክትሓልፍ ኣለካ?

ኣብ እንግዶት ድራር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images