ኣብ ድራር ዋይት ሃውስ ዝተጠጅአ ሽርሒ፡ ተዅሲ ዝኸፈተ ጥርጡር ተፈሊጡ

ምንጪ ስእሊ, @REALDONALD TRUMP / TRUTHSOCIAL
ዋይት ሃውስ ብቐዳም ምሸት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘዳለዎ እንግዶት ድራር፡ ኣብቲ ሆቴል ተዅሲ ብምኽፋቱ ዝተታሕዘ ውልቀሰብ፡ ወዲ 31 ዓመት ኮል ቶማስ ኣለን ዝበሃል ምዃኑ ሰበስልጣን ጸጥታ ኣፍሊጦም።
እቲ ጥርጡር ካብ ቶራንስ - ሎስ ኣንጀለስ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሲቢኤስ፡ እቲ ጥርጡር ኣብ ውሽጢ ሆቴል ዋሽንግተን ሂልተን ብወከልቲ ጸጥታ ድሕሪ ምትሓዙ፡ ዕላማኡ ንሰበስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ንምቕንጻል ምዃኑ ተዛሪቡ።
ግዝያዊ ዓቃቢ ሕጊ ኣመሪካ ቶድ ብላንሸ ንኤንቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ተዅሲ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከምኡ'ውን ሰበስልጣን ምምሕዳሩ ዝዓለመ ምንባሩ፡ "መባእታዊ" መርመራታት ከም ዘመልክቱ ገሊጹ።
መርመርቲ ከም ዝሓበሩዎ፡ እቲ ውልቀሰብ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመሉ ብረት ኣብ ውሽጢ እቲ ሆቴል ከም ዘገጣጠሞ ይጠቕሱ።
ቶድ ብላንሸ፡ እቲ ጥርጡር ካብ ሎስ ኣንጀለስ ናብ ቺካጎ፣ ካብኡ ድማ ናብ ዋሽንግተን ብባቡር ከም ዝተጓዕዘን ኣብቲ ሆቴል ግን "ብዙሕ ርሕቀት ከይከደ" ከም ዝተታሕዘን ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብቲ ፍጻመ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸሞንተ ዝኸውን ጠያዪቲ ከም ዝተተኰሰ ሲቢኤስ ይሕብር።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ሲሲቲቪ ምስሊ፡ ሓደ ሰብ ካብ ወከልቲ ጸጥታ ኣምሊጡ ክሃድም ከሎ፡ ንሳቶም ድማ ክስዕቡዎ የርኢ።
ግዝያዊ ሓላፊ ፖሊስ ዋሽንግተን ጀፈሪ ካሮል ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ጥርጡር ብተዅሲ ኣይተሃረመን፣ ንተወሳኺ ምርመራ ግን ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ኣሎ።
እቲ ጥርጡር ኣብቲ ሆቴል ከም ጋሻ ተመዝጊቡ ዝነበረ ኰይኑ፡ "ሓደ ሽጉጥ፡ ሓደ ግንጽልን ከምኡ'ውን ብዙሓት ካራሩን፡" ዓጢቑ ከም ዝነበረ ፖሊስ ኣረጋጊጾም።
ዛጊት ብዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብውልቀ ሰብ ዝተፈጸመ ደኣ'ምበር ምስ ጕጅለ ዝተሓሓዝ ከም ዘይመስል ተገሊጹ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ ድሕረ-ባይታ ናይቲ ጥርጡር ንምፍላጥ ኣብ ዘካየዶ ናይ ኢንተርነት ዳህሳስ፡ ኮል ቶማስ ኣለን ኣብ መዝገብ መረጻ ሎስ ኣንጀለስ ንዝዀነ ፖለቲካዊ ውድብ ከም ዘይመረጸ የርኢ።
እንተዀነ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2024 ንጐስጓስ መረጻ ካማላ ሃሪስ 25 ዶላር ከም ዝለገሰ ሰነዳት ፈደራል የመልክቱ፣ ነቲ ወፈያ ብመንገዲ 'ActBlue' ዝተባህለ ናይ ገንዘብ መተኣኻኸቢ እዩ ፈጺሙዎ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓደ ሰብ ጥራይ ዝባኑን ኣእዳዉ ንድሕሪት ተኣሲሩን ኣብ መሬት ወዲቑ፡ ወከልቲ ጸጥታ ድማ ከቢቦሞ ዘርኢ ስእሊ ድሒሩ ዘርጊሑ።
ብተወሳኺ፡ ወከልቲ ኤፍቢኣይን ፖሊስን ምስቲ ጥርጡር ምትእስሳር ኣለዎ ተባሂሉ ዝእመነሉ ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከብ ቦታ ክፍትሹ ከለዉ ዘርኢ ኣሳእል ወጺኡ ኣሎ።
ኣለን ናይ ሊንክድ-ኢን መዝገቡ፡ ከም መካኒካል ኢንጅነር፡ መሃዚ ጸወታታትን መምህርን ገሊጹ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, LinkedIn / Cole Tomas Allen
ብመሰረት ፕሮፋይሉ፡ ኣብቲ ኣዝዩ ልዑል ውድድር ዝካየደሉ ካሊፎርንያ ኢንስቲትዩት ኦፍ ቴክኖሎጂ (Caltech) መካኒካል ኢንጂነሪን ዘጽነዐ ኰይኑ፡ ኣብኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ ኣባል ክርስትያናዊ ሕብረት ነይሩ።
ኣብ 2025 ካብ ካሊፎርንያ ስቴት ዩኒቨርሲቲ ብኮምፒዩተር ሳይንስ ማስተርስ ተመሪቑ። ልብሲ ምረቓኡ ተኸዲኑ ድማ ስእሊ ኣካፊሉ ኣሎ።
ብተወሳኺ 'Bohrdom' ዝተሰምየት ናይ ኮምፒዩተር ጸወታ ኣዳልዩ ኣብ 'ስትሪም' ዘርጊሑ እዩ።
ኣብ ፈይስቡክ ዝተረኽቡ ኣሳእሉ ድማ - ቢቢሲ ምስቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝተታሕዘሉ ስእሊ ኣመሳሲሉ ከም ዘረጋገጾ - ኣብ እዋን ልደትን ምርቓን ምስ ስድራኡ ፍሽኽ ኢሉ ይርአ።
ብመሰረት ናይቲ ትካል ናይ ፈይስቡክ ጽሑፍ፡ እቲ ጥርጡር ኣብ ታሕሳስ 2024 በቲ ንተምሃሮ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ዝህብ 'C2 Education' ዝተባህለ ትካል 'ናይ ወርሒ ምሩጽ መምህር' ተባሂሉ ተሸሊሙ ነይሩ።
ካብ 2020 ጀሚሩ ኣብ ትርፊ ግዜኡ ኣብኡ መምህር ኰይኑ ከም ዝሰርሐ ፕሮፋይሉ ይሕብር።
ዓቃቢት ሕጊ ዋሽንግተን ጃኒን ፒሮ፡ እቲ ጥርጡር ብገበን ዓመጽ ብረትን ንብዓል ስልጣን ፈደራል ብሓደገኛ ብረት ብምጥቃዕን ክልተ ከቢድ ክስታት ተመስሪቱዎ ከም ዘሎ ገሊጻ።
እቲ ውልቀሰብ ሰኑይ ኣብ መጋባኣያ ፈደራላዊ ቤትፍርዲ ቀሪቡ ብወግዒ ክሕተት እዩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


