ብዛዕባ ሹመኛታት ሞግዚት ምምሕዳር ትግራይ እንታይ ንፈልጥ?

Published
ንባብ: 7 ደቓይቕ

ኣብ ትግራይ ዳግም ኲናት ካብ ዝውላዕ ንነጀው ንብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ዝተቘፃፀረ መንግስቲ ፈደራል፡ ንዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንትግራይ ዝመርሕ ሞግዚት ምምሕዳር ከም ዘጣየሸ ብዓርቢ 06 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

መንግስቲ ፈደራል፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ መረፃ ናይ ምክያድ ትልሚ ከም ዘለዎን ቀንዲ ስራሕ እዚ ሓድሽ ምምሕዳር ከምዝኸውን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ዝተረጋግአ ኵነታት ምፍጣር፡ ዝፈረሱ መሓውራት መንግስቲ ዳግማይ ምዝርጋሕ ከምኡ'ውን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ ዝብሉ'ውን፡ ነዚ ሞግዚት ምምሕዳር ካብ ዝተውሃቡ ሓላፍነታት'ዮም።

እንተዀነ፡ እቲ ምምሕዳር፡ "ስትራቴጂያዊ ትርጕም ኣብ ዘለዎም ጉዳያት" ከም ዘይሰርሕ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ነቲ ሞግዚት ምምሕዳር ንኽመርሑ ንሽዱሽተ ሰባት ሸይሙ ኣሎ። እቶም ሓሙሽተ ውልቀሰባት ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ዋና ኣፈፀምትን ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ሓደ ድማ ከንቲባ ከተማ መቐለ እዩ።

ቢቢሲ ብዛዕባ መንነት እዞም ሽዱሽተ ሹመኛታት ዝምልከት ዝስዕብ ኣዋዲዱ ኣሎ።

ኣሰፋ ኣብርሃ

ዋና ኣፈፃሚ ምምሕዳርን ኣገልግሎት ህዝብን ኰይኑ ዝተሸመ ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ፡ ሓው እቲ ስሙይ ፖለቲከኛን ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ነበርን ስየ ኣብርሃ እዩ።

ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ዝገትአ ስምምዕ ፕሪቶርያ'ውን፡ ንህወሓት ካብ መንጎ ዝወከሉ ተዛተይቲ እዩ ነይሩ።

ናይ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያናይ ዲሞክራሲያዊ ግንባር (ኢህወደግ)፡ ኣብ ዘመነ መንግስቲ ስርዓት ደርግ ብማሕበርነታዊ ስነሓሳብ ይምራሕ ንዝነበረ ቍጠባ እታ ሃገር ንምኽፋት ኣብ ዝወሰዶም ስጕምቲታት ተሳትፎ ነይርዎ።

ካብ 1986 ክሳብ 1993 ዓ.ም. ኢትዮጵያ. ኣብ ትሕቲ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ንዝነበረ በዓል ስልጣን ቍፅፅር ትካላት ልምዓት ብሓላፍነት መሪሑ።

ኣብዚ ሓላፍነቱ፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝነበሩ ትካላት ናብ ውልቀ ንዝተመሓላለፍሉ ሓላፍነት መሪሑ።

ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ብዝተፈጠረ ምግምማዕ ኣርባዕቲኦም ኣሕዋት፡ ኣይተ ስየ፡ ኣይተ ኣሰፋ፡ ኣይተ ምሕረትኣብን ኣይተ ፍስሃን ብገበን ብልሽውና ተኸሲሶም ተኣሲሮም ነይሮም።

ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ፡ ንሸውዓተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ 2000 ዓ.ም. [ግ] እዩ ተፈቲሑ።

ንሱ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብመካኒካል ኢንጂነሪን ቀዳማይ ዲግሪ ረኺቡ። ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ካብ ዝርከብ ሲቲ ሴንት ጆርጅ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ለንደን ድማ ብኢንጂነሪን ማኔጅመንት ካልኣይ ዲግሪ ሒዙ።

ካብ ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ 'ራህዳን ኢንጂነሪን ኤንድ ሰፕላይ' ከምኡ'ውን 'ወለባ ቢዝነስ ኤንድ ኮንሰልታንሲ ሰርቪስ' ንዝተብሃሉ ብሕታዊ ትካላት መሪሑ። 'ኩሽ ኤንድ ኪ ኮንሰልታንሲ' ብዝበሃል ትካል ድማ ንመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብምምኻር ሰሪሑ።

ኣብ ከም ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራትን (ዩኤንዲፒ) ኢንተርናሽናል ፋይናንስ ኮርፖሬሽንን ዝበሉ ዓለምለኸ ትካላት'ውን ኣማኻሪ ኰይኑ ከም ዘገልገለ ሓበሬታት የመልክቱ።

ኣብ 2013 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ደማዊ ኲናት ትግራይ ምስ ተወልዐ፡ ኣብ ሃገራት ወፃኢ ኣብ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ተዋፊሩ ዝነበረ ኰይኑ፡ ነቲ ኲናት ንምግታእ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ'ውን ንትግራይ ካብ ዝወከሉ ተላዘብቲ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ እቲ ስምምዕ ኣብ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ'ውን ፍሉይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዀይኑ ኣገልጊሉ።

ኣብ መንጎ ኣቦመንበር ህወሓት (ዶ/ር) ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ ጌታቸው ረዳን ምግምማዕ ኣብ ዝተፈጠረሉ እዋን'ውን፡ ኣብ ጐድኒ እዚ ሕጂ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዀነ ጌታቸው ረዳ ነይሩ።

ካብ ህወሓት ዝተፈለዩ ፖለቲከኛታት፡ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካን ሲቪል ማሕበራትን፡ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘቘምዎ "ቤትምኽሪ ሰላምን ለውጥን ትግራይ" ድማ ኣባል መሪሕነት ካብ ዝነበሩ ፖለቲከኛታት ኣሰፋ ኣብርሃ ሓደ እዩ።

ብሓይሊ ስልጣን ንዝጨበጠ ብህወሓት ዝምራሕ ምምሕዳር ንምዕላው ክንቀሳቐስ ዝፀንሐ እዚ ቤትምኽሪ፡ ሞግዚት ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተመስረተ ዕላዊ ድሕሪ ምዃኑ፡ ድሕሪ ሕጂ "ብዝተጣየሸሉ ኣወዳድባ" ከም ዘይቅፅል ብዕሊ ኣፍሊጡ።

ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚአብሔር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ)

ኣብ መፋርቕ መስከረም ዳግማይ ዝተወልዐ ውግእ፡ ሓይሊ ሰላም ትግራይ፡ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ፈደራል ብምስላፍ ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ተዋጊኡ እዩ።

ቀንዲ መስራቲ ሓይሊ ሰላም ትግራይ ዝዀነ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ፡ ኣብ ሞግዚት ምምሕዳር ትግራይ ዋና ኣፈፃሚ ፀጥታን ሰላምን ኰይኑ ተሸይሙ ኣሎ።

ወዲ ኣንጥሩ ብዝብል ሳጓኡ ዝያዳ ዝፍለጥ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣንፃር ስርዓት ደርግ ይካየድ ናብ ዝነበረ ቃልሲ ኣብ 1974 ዓ.ም. ኢትዮጵያ'ዩ ተፀንቢሩ።

ኢህወደግ ስልጣን ምስ ተቘፃፀረ ድማ፡ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነት ኣገልጊሉ።

ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር፡ መራሒ ብርጌድ ከምኡ'ውን ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ኰይኑ ኣገልጊሉ።

ወዲ ኣንጥሩ፡ ኲናት ትግራይ ቅድሚ ምውልዑ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ'ውን ኣብ ኵሓ ዝመደበሩን ንምውላዕ እቲ ኲናት ቀንዲ ቀጥታዊ ምኽንያታት ካብ ዝነበሩን እዝ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምክትል ኣዛዚ ነይሩ።

እቲ ኲናት ቅድሚ ምውልዑ ሒደት ኣዋርሕ ኣቐዲሙ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብጥሮታ ዝተሰናበተ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር፡ ኲናት ምስ ተወልዐ ኣብ ጐድኒ ሓይልታት ትግራይ ተሰሊፉ።

እቲ ኲናት ካብ ዝተጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ጐድኒ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝነበሩ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ እዩ።

ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ) ኣብ ሓይልታት ትግራይ፡ መራሒ ኮር ከምኡ'ውን ኣዛዚ ኣርሚ ኰይኑ ኣገልጊሉ።

ወዲ ኣንጥሩ ዝመርሖ ዝነበረ ኣርሚ 50 ስሙያት ካብ ዝኾኑ ኣርሚታት ሓይልታት ትግራይ ከም ዝዀነ ይግለፅ።

ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝተፈጠረ ምግምማዕ ናብ ሓይልታት ትግራይ ድሕሪ ምልሓኹ፡ ኣብ ጥሪ 2017 ዓ.ም. [ግ]. 'ኮርን ልዕሊ ኮርን' ዝበሃሉ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ውግንንኦም ምስቲ ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ከም ዝኾነ ብወግዒ ኣብ ዘፍለጥሉ፡ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር ነዚ ውሳነ ካብ ዝተቓወሙ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሓደ ኰይኑ።

እዞም 'ኮርን ልዕሊ ኮርን' ብዝብል ዝፍለጡ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብቲ እዋን ጌታቸው ረዳ ካብ ስልጣኑ ንኽእለ ምስ ዝወሰነ ህወሓት ከም ዝውግኑ ኣፍሊጦም ነይሮም።

እዚ ውሳነ፡ መርገፂኡ ንኽቕይር ቀንዲ ምኽንያት ከም ዝኾነ ዝገልፅ ወዲ ኣንጥሩ ሓዊሱ፡ ልዕሊ 10 ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ካብ ሓይልታት ትግራይ ተፈልዮም።

ድሕሪ ሒደት እዋን ወዲ ኣንጥሩ፡ ካብ ሓይልታት ትግራይ ምስ ዝተፈለዩ መራሕትን ወተሃደራትን ብምዃን 'ሓራ መሬት' ብዝብል ዝፅዋዕ ዝነበረ ድሒሩ ድማ 'ትግራይ ሓይሊ ሰላም' ዝተሰመየ ሰራዊት ኣጣይሹ።

ኣብ ፈለማ ምስ ትግራይ መዳውብቲ ኣብ ዝኾነ ክልል ዓፋር ክንቀሳቐስ ዝፀንሐ እዚ ጕጅለ ደሓር ድማ ህላወኡ ኣብ ደቡብን ምዕራብን ትግራይ ናብ ዝርከቡ ከባቢታት ከምዘስፈሐ ይንገር።

ሓይሊ ሰላም ትግራይ ድሒሩ ሓሙሽተ ግንባራት ከም ዘለውዎ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ሰራዊት ንቢቢሲ ገሊፆም ነይሮም።

ሓይሊ ሰላም ትግራይ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ድማ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ፈደራል ብምስላፍ ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ይዋጋእ ኣሎ።

ኣዛዚ ሓይሊ ሰላም ትግራይ ዝዀነ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ) ኣብ ሞግዚት ምምሕዳር ትግራይ ዋና ኣፈፃሚ ዘፈር ሰላምን ፀጥታን ኰይኑ ክመርሕ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተሸይሙ።

ዶ/ር ቴዎድሮስ ኣረጋይ

ዋና ፈፃሚ ቍጠባን ዳግመ ህንፀትን ኰይኑ ዝተሸመ ዶ/ር ቴዎድሮስ ኣረጋይ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ከርና (ክንድ'ቲ) ዝፍለጥ ኣይኰነን።

ዶ/ር ቴዎድሮስ ኣረጋይ፡ ንፈለማ እዋን ናብ መድረኽ ፖለቲካ ዝመፅአ ኣብ 2013 ዓ.ም. ኢትዮጵያ. ኲናት ትግራይ ምስ ተወልዐ ኣብ ዝተጣየሸ ብዶ/ር ሙሉ ነጋ ዝምራሕ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቢሉ እዩ።

መንግስቲ ፈደራል፡ ኣብ ሰነ እቲ ዓመት ካብ ትግራይ ክሳብ ዝወፅእ ንሽረን ከባቢኡን ንዘጠቓልል ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ የመሓድር ነይሩ። ነዚ ሓላፍነት ድሕሪ ምሓዙ ናብ ውድብ ብልፅግና ብምፅንባር ንፈለማ እዋን ኣባል ውድብ ፖለቲካ ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብቲ እዋን መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበሩ ምስ መንግስቲ ፈደራል ካብ ትግራይ ምስ ወፅኡ፡ ካብ 2014 ክሳብ 2016 ዓ.ም [ግ] ናብ ሞያ መምህርነት ተመሊሱ።

ዶ/ር ቴዎድሮስ ብሞይኡ ምሁር ፊዚክስ ኰይኑ፡ ንኣገልግሎት ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክን ተሌፎናትን ዝውዕሉ ከም 'ሊትየም ኣዮን ባትሪ' ዝበሉ ከሚካላዊ ፍራያት ኣብ ዝምልከት ምርምር ዝካየደሉ 'ኣድቫንስድ ማቴሪያል ሪሰርች' ይሰርሕ።

ዶ/ር ቴዎድሮስ ኣረጋይ፡ ኣብ 1994 ዓ.ም. ኢትዮጵያ. ካብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ብፊዚክስ ቀዳማይ ዲግሪ ረኺቡ፡ ካልኣይ ዲግሪ'ውን ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ብ'ሶሊድ ስቴት ፊዚክስ' ረኺቡ። ኣብ 'ኣድቫንስድ ማቴሪያል ሪሰርች' ዘድሃበ ሳልሳይ ዲግሪኡ ድማ ኣብ ህንዲ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣንድራ ረኺቡ።

ካብ መስረትቲ ኣባላት ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ዝዀነ ዶ/ር ቴዎድሮስ ናብ ምምሕዳር መንግስቲ ክሳብ ዝመፀሉ ግዜ፡ ኣብዚ ላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ ዲን ኮሌጅ ከምኡ 'ውን መምህር ኰይኑ ይሰርሕ ነይሩ።

ድሕሪ እቲ ፈላማይ ግዝያዊ ምምሕዳር ክሳብ ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኣዲስ ኣበባ ከምኡ'ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ይምህር ነይሩ። ቀፂሉ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈታት ብሓላፍነት ሰሪሑ።

"ሕዚ ድማ እቲ እዋን በፂሑ መንግስቲ ናብ ትግራይ እንትምለስ ብዝተገበረለይ ፃውዒት ህዝበይ ንምግልጋል ኣብ ዝተውሃበኒ ልኡኽ ተዋፊረ" ብምባል ኣብ ሞግዚት ምምሕዳር ትግራይ ብዛዕባ ዝተውሃቦ ፈጻሚ ስራሕ ቍጠባን ዳግመ ህንፀትን ተዛሪቡ።

ረዳኢ ሓለፎም

ዋና ፈፃሚ ፖለቲካን ኣወዳድባ ህዝብን ኰይኑ ዝተሸመ ረዳኢ ሓለፎም፡ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ከምኡ'ውን ቅድሚ ኲናት ትግራይ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝነበረ እዩ።

ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ትግራይ ድማ፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ተሰሊፉ ነይሩ።

ስምምዕ ፕሪቶርያ ድሕሪ ምኽታሙ፡ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክቐውም እንከሎ ንርክብ ህዝብን መንግስትን እቲ ክልል መሪሑ።

ኣብ ህወሓት ዝተፈጠረ ምግምማዕ ስዒቡ ምስ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክወፅኡ ካብ ዝተገደዱ መራሕቲ እዩ።

ካብ ህወሓት ዝተገምዑ ላዕዎት ሰበስልጣን ኣብ ዝመስረትዎ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ኣብ ምምስራት፡ ዕዙዝ ግደ ከምዝነበሮ ይንገር።

ዶ/ር ሺሻይ ኣማረ

ብመንግስቲ ፈደራል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኰይኑ ዝተሸመ ዶ/ር ሺሻይ ኣማረ፡ ኣብ ውድብ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ተሳትፎ ኣለዎ። ኣባል ቤት ምኽሪ እቲ ውድብ ከም ዝኾነ ሓበሬታታት የመልክቱ።

ንዝተወለደላ ከተማ ከንቲባ ኰይኑ ክመርሕ ዝተሸመ ዶ/ር ሺሻይ፡ ኢንጂነሪን እዩ ኣፅኒዑ።

ኣብ 2000 ዓ.ም. [ግ] ካብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ብመካኒካል ኢንጂነሪን ተመሪቑ። ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ድማ ብማኑፋክቸሪን ኢንጂነሪን ካልኣይ ዲግሪ ረኺቡ።

ካብ ህንዲ 'ኢንዲያን ኢንስቲትዩት ኦፍ ቴክኖሎጂ ደልሂ' ድማ ብመካኒካል ኢንጂነሪን ሳልሳይ ዲግሪ ረኺቡ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ዝነበረ ዶ/ር ሺሻይ፡ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኢትዮጵያ. ንትምህርቲ ቢሮ ትግራይ'ውን መሪሑ እዩ።

ኣብ መወዳእታ 2018 ዓ.ም [ግ] ኣብ ውድብ ስምረት ኣብ መንጐ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕን ኮምሽን ኦዲትን ኢንስፔክሽንን ዝተፈጠረ ዘይምስምማዕ ስዒቡ፡ ኣብ መሪሕነት እቲ ውድብ ቅረታ ካብ ዘቕረቡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዶ/ር ሺሻይ ሓደ ከም ዝኾነ ምንጭታት ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ንኮምሽን ኦዲትን ኢንስፔክሽንን ብምድጋፍ ናብ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ቅረታ ዘቕረቡ ዶ/ር ሺሻይ ሓዊሱ ሸውዓተ ኣባላት ቤት ምኽሪ፡ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ካብ ደንቢ ስነምግባር እቲ ውድብን ካብ ሕጊ መረፃን ወፃኢ ተንቀሳቒሱ ዝብል ክሲ ኣቕሪቦም። ዝኾነ ዓይነት ኣኼባታትን ውድባዊ ምንቅስቓሳትን'ውን ክእገዱ ሓቲቶም ነይሮም።