እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማርኮ ሩብዮ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ሓይልታትን እንታይ ኢሉ?
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ እቲ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ ናብ ኲናት እንተኣምሪሑ ኣመና ክሰፍሕ ከምዝኽእል ብምጥንቃቐ መራሕቲ ግትኣት ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።
ማርኮ ሩብዮ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምንቅስቓስ ሰራዊት ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ዓሚቝ ስክፍታ ከምዝፈጠረሉ ብምግላጽ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዶባት ወተሃደራተን ብምጽጋዕ ናብ ኲናት ናይ ምእታው ተኽእሎአን ከምዘዕብዮ ኣጠንቂቑ።
ኣብቲ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝተኻየደ ኲናት፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ፈደራል ብምዃን ኣንጻር ሰራዊት ትግራይ ኢዶም ከምዝሓወሱ ዝዝከር ኰይኑ፤ ኲናት ትግራይ ብውዕል ፕሪቶርያ ድሕሪ ምኽታሙ ግን ኣብ መንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘይምቕዳው ክረአ ጀሚሩ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝርከቦም ሓያለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ፡ ብቕሉዕ ኣፍደገ ባሕሪ ከምዘድልዮምን "130 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋን ቍጠባኣ እናዓበየ ትኸይድ ዘላን ኢትዮጵያን ናይ ጆግራፍ እስርቲ ኰይና ኣይትነብርን'ያ" ክብሉ ስለዝጀመሩ፡ ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ከምዘሐርፈፎ'ዩ ብወገን ኤርትራ ዝግለጽ።
ብወገን ኢትዮጵያ ኸኣ ኤርትራ ምስ ህወሓትን ካልኦት ዕጡቓትን ሓይልታትን እታ ሃገር ብምሽራኽ ንኢትዮጵያ ንምብትታን ትሰርሕ ኣላ ዝብል ክሲ'ዩ ዝቐርብ።
ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ መንጎ ሰራዊት ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ቅሉዕ ኲናት ምስ ተወልዐ ድማ'የን ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት ክልቲአን ሃገራት ካብ 1 ጥቅምቲ ጀሚረን ዲፕሎማስያዊ ርክባተን ምሉእ ብምሉእ በቲኸን።
ካብ ደቡብ ትግራይ ዝተደፍኡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ዶብ ኤርትራ ገጾም ድሕሪ ምንስሓቦም ከኣ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ምትእኽኻብ ሰራዊት ኤርትራን ሰራዊት ፈደራልን ርኡይ ኰይኑ ኣሎ።
ማርኮ ሩብዮ ነዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ኣብ ዝምልከት ካብ ጋዜጠኛታት ሕቶ ኣብ ዝቐረበሉ "ብኽልቲኡ ሸነኽ ሰራዊት ናብ ዶብ ክውሕዙ ኢኻ ትርኢ፡ ኣብ ከምዚ ኵነታት ብክልቲኡ ሸነኽ ኣብ ዶብ ሰራዊት ክትርኢ እንከለኻ፡ ናብ ዝሰፍሐ ግጭት ክቕየር ከም ዝኽእል ኵሉ ግዜ ትጭነቕ" ድሕሪ ምባል "ብልቦናን ብልክዕነትን ክፍትሓሉ ዘለዎ ግዜ ሕጂ'ዩ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ነገር ከኣ ዓለምና ኣብዚ እዋን ካልእ ተወሳኺ ኲናት ኣየድልያን'ዩ" ኢሉ።
ኣመሪካ ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ገዛኢ ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን፡ ምስቲ ሰልፊ ዝተኣሳሰሩ ቍጠባዊ ትካላትን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ቍጠባዊ እገዳ ምሉእ ንምሉእ ከምዘልዓለት ዝዝከር'ዩ።
ቤት ጽሕፈት ምቍጽጻር ናይ ወጻኢ ንብረት (OFAC) ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ብ18 መስከረም 2026 ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ እቲ ብመሰረት ውሳነ ፈጻሚ ቍጽሪ 14046 (Executive Order 14046) ተኣዊጁ ዝነበረ ሃገራዊ ህጹጽ ኣዋጅ ግዜኡ ብምብቅዑ፡ እቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ውሳነ ተገዲቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ኣካላት ካብ መዝገብ እገዳ ምእላዮም ኣረጋጊጹ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ምልዓሉ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽልዋ ኣይህልዎንዶ ተባሂሉ ማርኮ ሩብዮ ኣብ ዝተሓተተሉ "እቲ ዝተለዓለ እገዳ ዝህልዎ ጽልዋ ኣዝዩ ንኡስ" ምዃኑ ብምሕባር "እቲ ዝዓበየ ነገር ምስ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ርክባትና ንኽሰፍሕ መስመር ዝኸፍት'ዩ" ብምባል ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ቀጥታዊ ዝዀነ ምዝርራባት ንምክያድ ኣመሪካ ከም መንጎኛ ኰይና ንኽትሰርሕ ቅርብቲ ምህላዉ ኣንጺሩ።
ማርኮ ሩብዮ ብምቕጻል "ምስ ክልቲኤን ሃገራት ብቐጥታ ከይተዘራረብካ ከኣ ናይ መንጐኛ ተራ ክትጻወት ኣይትኽእልን ኢኻ" ብምባል ኣብዘን ዝሓለፋ ቀረባ እዋናት ምስ ኤርትራ ዝጀመርዎ ርክባት መንጐኛታት ንክዀኑ ሓጋዚ ምዃኑ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
እታ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ዕጡቓት ተቓወምቲ ዘለውዋ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ወርሒ መስከረም ሸውዓት ዕጡቓት ጉጅለታት ነቲ ብቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝዓለመ፡ "ምሕዝነት ንህልውና" ዝተሰምየ ሓድሽ ጥምረት ከም ዝቘመ ድሕሪ ምግላጾም'ዮም እታ ሃገር ናብ ዝዓሞቐ ኲናት ሓድሕድ ከይትኣቱ ስግኣት ክፈጥር ጀሚሩ።
እቶም ብሓባር ብምዃን ጥምረት ዝፈጠሩ ዕጡቓት ሓይልታት ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ (ኣፋብን)፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ (ኦላ)፡ ግንባር ሃገራዊ ናጽነት ኦጋዴን (ኦብነግ)፡ ሰውራዊ ግንባር ብሄራዊ ሓድነት ዓፋር (ኡጉጉሞ)፡ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝብታት ቤኒሻንጉል ከምኡ'ውን ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉሙዝ እዮም።
ማርኮ ሩብዮ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ጸጥታ ብድሆታት ኣጋጢምዎ ምህላዉ ብምግላጽ፡ እቲ ኣንጻር ኣብይ ዝዋግኡ ዘለዉ 'ተገንጸልቲ ሓይልታት' ክብል ዝጸውዖም ሓይልታት ኣብ ጥቓ ኣዲስ ኣበባ ንወሰንቲ ትሕተ ቅርጽታት ዝዓለመ መጥቃዕቲ ድሮን ምፍጻሞም ሓቢሩ።
ማርኮ ሩብዮ፡ ኣመሪካ ንተግባራት ሽበራ ብጽኑዕ ከም እትቃወሞን ኢትዮጵያ ግዝኣታ ከተውሕስ ከምዘድልያ ከምዝርዳእን ኣብ ዘረጋገጸሉ እዋን፡ ኢትዮጵያ እትህቦ ወተሃደራዊ ግብረ መልሲ እቲ ግጭት ናብ ዝገፍሐ ዞባ ከይልሕም ብጥንቃቐ ክዕቀን ከምዘለዎ ኣጠንቂቑ።
ንዘረባ መግለጺ ማርኮ ሩብዮ ስዒቡ "ምሕዝነት ንህልውና" ትማሊ 18 ጥቅምቲ ኣብ ፌስ ቡክ ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒከሽን ትግራይ ኣብ ዝለጠፎ መግለጺ፡ ንመግለጺ ማርኮ ሩብዮ ዘለዎ ተቓውሞ ኣነጺሩ።
ኣብቲ መግለጺ፡ ምንቅስቓስ ምሕዝነት ንህልውና "ተገንጸልቲ' ኢልካ ምግላጹ ቅኑዕ ከምዘይኰነ ብምንጻር፡ እቲ እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረ ውዕልን ካልኦት መስርሓትን ምስ ተጠሓሱ እቲ ምሕዝነት ምፍጣር ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ዝተወሰደ ምዃኑ ተገሊጹ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ንወተደራውያን ዕላማታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ዝምልከት ከኣ፡ እቲ መጥቃዕቲ ከም ግብረ ሽበራዊ ተግባራት ክግለጽ "ብሕጊ ዘይቅኑዕ ብፖለቲካ ከኣ ዘይግቡእን'ዩ" ብምባል ንመግለጺ ማርኮ ሩብዮ ዘለዎም ተቓውሞ ኣነጺሮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራውያን ዕላማታት ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ብጻዕቒ ዝነብርሉ እንከይተረፈ ኣዝዮም ዝተራቐቑ ኣጽዋር ይጥቀም ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኣመሪካ እትህቦም መግለጺታት ሚዛኖም ዝሓለዉ ክዀኑ ከምዘለዎም ኣብ መግለጺ ምሕዝነት ንህልውና ሰፊሩ'ሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ሓድሽ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ኣብ ከም ከተማታት ኣላማጣ፡ ዓድዋ፡ መቐለ፡ ኣክሱም፡ ሽረን ካልኦት ከባቦታትን ናይ ድሮን መጥቃዕታት ከምዝፈጸመ ቢቢሲ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ብምዝርራብ ብቐጻሊ ክጽብጽቦ ጸኒሑ'ዩ።
ማርኮ ሩብዮ ብ14 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን፡ ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ወጥሪ ኣመልኪቱ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብቴሌፎን ከም ዝተዘራረበ ብምግላጽ እቲ ወጥሪ" ብዅሎም ወገናት ክሃድእ" ብምጽዋዕ "ንውሽጣዊ ይዅን ግዳማዊ ወጥሪ ዘላቒ ፍታሕ ዝዕወት ከምቲ ኣብ 2018 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመንገዲ ልዝብን ጽምዶን ጥራይ እዩ፡" ኢሉ ነይሩ'ዩ።
ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽቡቕ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ዘለዋ ሩስያ'ውን ንኤርትራን ኢትዮጵያን ንምሽምጋል ድሌት ከምዘለዋ ኣፍሊጣ ኣላ።
ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣሌክሳንደር ኣሊሞቭ ንጋዜጣ ኢዝቨስቲያ ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክልቲአን ሃገራት ፍቓደኛታት እንተኾይነን፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ፡ ንክልቲኤን ሃገራት ንምዝርራብ ድልውቲ ምዃና ገሊጹ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ህንዲ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ብሪክስ፡ ኣብቲ ኣብ ሞስኮ ዝካይድ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ንምስታፍ ካብ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንዝቐረበሉ ዕድመ ከምዝተቐበለ ተገሊጹ ኣሎ።
ናብ ሩስያ ተደጋጋሚ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ'ውን፡ ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፍ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዲሽ ወተሃደራዊ ወጥሪ ድሕሪ ምግጣሙ፡ መሓዛ ክልቲኤን ሃገራት ዝኾነት ሩስያ፡ ክልቲአን ሃገራት ናብ ግጭት ዘጋድዱ ስጉምቲታት ካብ ምውሳድ ክቑጠባን ፍልልያተን ብዘተ ክፈትሓን ጸዊዓ ምንባራ'ውን ይዝከር።