ትራምፕን ንጉስ ቻርለስን ናብ ኤርትራ ዝሰደድዎ መልእኽቲ እንታይ ይብል?

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ገጹ "ናብ ኤርትራን ቀይሕባሕሪን መሊሱ" ዝበሃለሉ ዘሎ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብምኽንያት መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ንህዝብን መንግስትን እታ ሃገር ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽቲ ሰዲዱ ክብል ሻባይት ኣፍሊጡ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ መልእኽቱ፡ "ንሓያል መንፈስ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን እቲ ህዝቢ ንሃገራዊ ልዑላውነቱ ዘለዎ ተወፋይነት ከም ዘኽብርን ከም ዘድንቕን" ገሊጹ - ይብል እቲ ኣብ ሻባይት - መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ።
ብተወሳኺ ትራምፕ፡ "ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝለኣኾ መልእኽቲ ብዝሳነ ስምዒት"፡ ንምዕባለን ሓባራዊ ሰላምን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ሓቢርካ ንምስራሕን ንቕድሚት ምስጓምን እዋናዊ ጉዳይ ምዃኑ እምነቱ ከም ዝገለጸ፡ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ብ30 ሓምለ 2025፡ "ዋሽንግተን ምስ ኣስመራ ምክብባር ዘለዎ ሃናጺ ዝምድና ዳግማይ ክምስርታ ምምሕዳሩ ቅሩብ ምዃኑ" ገሊጹ ክብል ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ናይ ሽዑ መልእኽቲ፡ "እቲ ኣብ ቅንዕናን ምክብባርን ዝተመስረተ [ዝምድና] ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ዘሎ ናይ ሰላምን ብልጽግናን ዕድላት ዘመሓይሽ'ዩ" ከም ዝበለ'ውን ኣቶ የማነ ጠቒሱ ነይሩ።
ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ድማ፡ ክልቲአን ሃገራት ፍንትት ኢሉ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ከቀራርባ ምንቅስቓሳት የካይዳ ከምዘለዋ ክንገር ጸኒሑ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳዊ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ሓጐስ ድሕሪ ምሕላፍ፡ "ኤርትራ ኣብ ምዕቃብ ማይን ምሕላው ተፈጥሮኣዊ ጸጋታታን ዘለዋ ተመኩሮ፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ምስ ከባብያዊ ለውጢ ንኽሳነዩ ዘኽእል ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ፡" ክብል ከም ዝጠቐሰ እቲ ዜና ይሕብር።
ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ፡ ኣብ መወዳእታ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ናጻ ዝዀነትሉ 24 ግንቦት ንመበል 35 ግዜ ንምጽንባል ትዳሎ ከምዘላ ይፍለጥ።
በዚ ድማ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ማእከላይ ምብራቕን ኣውሮጳን ተመሳሳሊ መልእኽቲታት የመሓላልፉ ኣለዉ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


