ኣመሪካ ንእገዳ ኤርትራ ከተልዕሎ እያ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ጂኦ-ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ኣመሪካ ንእገዳ ኤርትራ ከተልዕሎ እያ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ጂኦ-ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣመሪካ ንእገዳ ኤርትራ ከተልዕሎ ምዃና፡ ሮይተርስ ዝረኣዮ ናይ ውሽጢ ሰነድ መንግስቲ ኣመሪካ ኣመልኪቱ።

እዚ ውሳነ፡ ምስቲ እታ ሃገር ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

እዚ ስጕምቲ'ዚ፡ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ርክብ ንምምሕያሽ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ኤርትራ ኣብ ስግር ስዑዲ ዓረብ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ሃገር ብምዃና ኣገዳሲት ይገብራ።

ብተወሳኺ፡ ጐረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ምስ እታ ናይ ነዊሕ እዋን መራጽምታ ዝዀነት ኤርትራ ናብ ውግእ ከይትኣቱ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝዓለመ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መጽሔት ዎል-ስትሪት-ጆርናል፡ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ዝምድናኣ ከተማሓይሽን እገዳ ከተልዕልን ምዃና ገሊጹ ምስ ምንባሩ፡ እዚ ሓበሬታ ንዓኡ ዝድርዕ እዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ኢራን ዘሎ ውግእን ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝን ንቐይሕ ባሕሪ ከም ኣገዳሲ መተሓላለፊ ንግዳዊ መስመር ማእከላይ ባሕርን እስያን ኣገዳስነቱ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።

ኵሉ ግዜ ቀይሕ ባሕሪ ንዓለማዊ ቍጠባ ወሳኒ እኳ እንተዀነ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ግን ብሰንኪ ውግእ ሱዳን፡ ምስሕሓብ ሶማልን ስግኣት ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዳኺሙ ምጽንሑ ይገልጽ።

ደገፍቲ ኢራን ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ የመን፡ ንመጻብቦ ባብ-ኤል-መንደብ ክዓጽውዎ ምዃኖም ኣብ ዘፈራርሕሉ ዘለዉ እዋን፡ ምስታ ልዕሊ 700 ማይልስ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ኤርትራ ዝምድና ምምሕያሽ እዋናዊ ስትራተጅያዊ ስጕምቲ ምዃኑ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።

ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን ንዓሰርተታት ዓመታት ዘሕቲሉዩ እዩ ጸኒሑ።

ብመሰረት ሮይተርስ ዝረኣዮ ሰነድ፡ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ መዘክር፡ ኣመሪካ ነቲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ 2021 ዝፈረመሉ እገዳ ዘንብር ኣዋጅ "ኣብ ከባቢ 4 ግንቦት" ክትስርዞ ምዃና ይገልጽ።

እቲ ኣብ 2021 ዝተነብረ እገዳ ሰፊሕ ኰይኑ፡ ንወተሃደራዊ ትካል ኤርትራ፡ ንገዛኢ ሰልፊ ህግደፍ፡ ከምኡ'ውን ንሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ኤርትራ ብ1993 ካብ ኢትዮጵያ ናጽነታ ካብ እትረክብ ጀሚራ፡ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ዞባውያን ምስሕሓባት ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለየ እገዳታት ክትጸንሕ ቀሲቡዋ እዩ።

ኣብ 2009 ኤርትራ ንዕጡቓት ኣልሸባብ ሶማልያ ትድግፍ እያ ብዝብል ክሲ - ደሓር መርትዖ ዘይተረኽቦ - ብሕቡራት ሃገራት እገዳ ተገይሩላ ነይሩ።

ኣብ 2021 ዝተነብረ እገዳ ድማ ምስቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝነበረ ውግእ ተተሓሒዙ ዝመጽአ እዩ።

ምስጢራዊ ዲፕሎማሲ

ኣቀማምጣ ቀይሕ ባሕሪ
መግለጺ ስእሊ, ኣቀማምጣ ቀይሕ ባሕሪ

ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ማሳድ ቡሎስ፡ ነዚ ጉዳይ ኣብ ምስላጥ ዓቢ ተራ ይጻወት ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቡሎስ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ካይሮ ተራኺቡ ሰፊሕ ዘተ ከም ዘካየደ ሮይተርስ ይገልጽ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2025 ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ "ነቲ ኣብ ናይ ባይደን ግዜ ኣቋሪጹ ዝነበረ ጽምዶና ኣሐዲስና ክንቅጽሎ ክንክእል ኣለና፣ ክንቅጽሎ ኢና፡" ክብል ድልውነቱ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ምስ ኣመሪካ ዝግበር ጽምዶ ድሕሪ 2026 ክጅምር ምዃኑ'ውን ጠቒሱ።

ትንተና ክኢላታትን ተቓውሞን

ዳይረክተር ፕሮግራም ኣፍሪቃ ኣብ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ሙሪቲ ሙቲጋ፡ "ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ማለት፡ ቀይሕ ባሕሪ ዝያዳ ውድድር ዝርኣየሉ ቦታ ክኸውን ማለት እዩ፤ እዚ ድማ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ዝለዓለ ተገዳስነት ከም እተርኢ ዘመልክት እዩ፡" ኢሉ።

እንተዀነ፡ እቲ ውሳነ ተቓውሞ'ውን ይገጥሞ ኣሎ።

ተጣባቒ ጕጅለ ፍሪደም ሃውስ፡ ንኤርትራ ከም ወተሃደራዊ መላኺት ሃገር ብምግላጽ፡ ምስ ሰሜን ኮርያ ብማዕረ ከም ዝሰርዓ ጠቒሱ።

ብዓል ስልጣን ስለያን ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካን ዝነበረ ካሜሮን ሃድሰን፡ "ኤርትራ ካብ 1993 ኣትሒዛ ዝተኸለቶ ዕስክርናን ምልካውነትን ሒዛ እያ ትቕጽል ዘላ፤ ስለዚ ኣመሪካ ነዚ እገዳ ብምቅላላ እንታይ እያ ክትረብሕ?" ክብል ይሓትት።

ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ጉዳያት ኣፍሪቃ ነበር ቲቦር ናዥ ብወገኑ፡ ኣመሪካ ምስ ሶማሊላንድ ዝምድና ክትምስርት ከም ዝሓይሽ ይማጐት።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እናተዛረበ

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed Ali/Facebook

መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንእትገብሮ ፈተነ ከም ዘይትቕበሎ እቲ ሰነድ ይገልጽ

ዞባዊ ጽልዋ

ዞባውያን ዲፕሎማሰኛታት ከም ዝገልጹዎ፡ እዚ ኣመሪካ ክትወስዶ እያ ዝበሃል ዘሎ ስጕምቲ፡ ዋሽንግተን ነቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ተርእዮ ዘላ ድሌት ከም ዘይትድግፍ ዘመልክት መልእኽቲ እዩ።

እቲ ሮይተርስ ዝተመልከቶ ሰነድ መንግስቲ ኣመሪካ፡ "ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዝግበር ዝዀነ ፈተነ ከም እንቃወም ንኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ገሊጽናላ ኢና፡" ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን እናኸፍአ ክመጽእ ዝጸንሐ ወጥሪ ናብ ካልእ ደማዊን ኣዕናዊን ኲናት ከየምርሕ ንህዝብታት እተን ሃገራትን እቲ ዞባን ዓቢ ስግኣት ኮይኑ'ሎ።

"ኢትዮጵያ እስርቲ ናይ ጆኦግራፊ ኮይና ኣይክትነብርን" ክብል ዝስማዕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ሃገሩ ተጠቃምነት ወደብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዞባ ብብዝሒ ህዝብን ቁጠባን ዝዓበየት ሃገር መጠን ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ኣለዋ ክብል'ዩ ዝምጉት።

መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ1993 ዝተፈጸመን ምእዋጅ ሓርነትን ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ክሳብ ምእታው በጺሖም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ይዅን ምኒስትሪ ፋይናንስ ኣመሪካ ብዛዕባ'ዚ ንዝቐረበሎም ሕቶ ዛጊት ምላሽ ኣይሃብሉን።

ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀልን ፕረስ ሰክረተሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ቢለነ ስዩምን እውን ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣይመለሱን።

እቲ እገዳ መዓስ ብወግዒ ከም ዝለዓል ዛጊት ኣይተፈልጠን።