ናሳ፡ ናብ መሬት ዝወድቕ ዘሎ ተለስኮፕ ናብ ቦታኡ ንምምላስ ሓድሽ መንኮርኮር ወንጪፉ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ናሳ፡ ካብ ጠፈር ዝወድቕ ዘሎ ተለስኮፕ ሒዙ ዝመልስ ናይ ጠፈር መንኮርኮር ወንጪፉ ኣሎ።

'ስዊፍት ኦብዘርቫቶሪ' ዝተሰምየ ተለስኮፕ፡ ኣብ ኣድማስ ልዑል ነትጒ ቅድሚ ምኽሳቱ መጽናዕቲ ዝገብር ኰይኑ፡ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ግን ናብ መሬት ተወንጪፉ ብምውዳቕ ክጋጮ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ናሳ ናብ ጠፈር ዝለኣኾ 'ሊንክ' ዝተሰምየ መንኮርኮር፡ እቲ ንእሽቶ ተለስኮፕ ምስ መሬት ከይተጋጨወ ከሎ ዝሕዞ ክኸውን እዩ። እቲ መንኮርኮር ነቲ ሳተላይት ብናይ ሮቦት ኣእዳዉ ገይሩ ብምሓዝ ናብ ጠፈር ከም ዝመልሶ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ መንኮርኮር ትማሊ ዓርቢ ዝተወንጨፈ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ተመሳሳሊ ፈተነ ተገይሩ ኣይፈልጥን።

ስነፍልጠተኛ ጠፈር ዶክተር ሳይመን ባርበር፡ "እዚ ልዑል ሓደጋ ዘለዎ ስርሒት እዩ። እንተዀነ ናሳ፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ክውሰድ ወሲኑ ኣሎ። ካብቲ ተለስኮፕ ዘለዎ ክብርን ዋጋን ብምንቃል ድማ ስነፍልጠተኛታት ተስፋ ገይሮም ኣለዉ፡" ኢሉ።

እቲ ዝወድቕ ዘሎ ተለስኮፕ፡ ኣብ ኣድማስ ልዑል ዝዀነ ሓይሊ ነትጒ (high-energy phenomena) መጽናዕቲ ክገብር ዝጸንሐ እዩ። ዶክተር ሳይመን ከም ዝገለጾ፡ ነዚ ተርእዮ'ዚ ንምጽናዕ እዚ ተለስኮፕ እንኮ ኣማራጺ እዩ።

ስዊፍት ኦብዘርቫቶሪ ዝተሰምየ ሳተላይት፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ዋዒ ጸሓይ ካብ ከባቢ መሬት ብምስፋሑ ምውዳቕ ከም ዝጀመረ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ዙርያ መሬት ዝገብሮ ጕዕዞ ፍጥነቱ ብምቕናሱ ድማ ካብ ዝነበሮ ብራኸ ቀስ እናበለ ይወርድ ኣሎ።

እቲ ሳተላይት ክውንጨፍ ከሎ ኣብ 372 ማይል (600 ኪሎሜተር) ዝነበረ ኰይኑ፡ ሕጂ ግን ናብ 220 ማይል (360 ኪሎሜተር) ትሕት ኢሉ ኣሎ።

ቅድሚ ሕጂ ኵሉ ሳዕ ሳተላይታት ናብ መሬት ክቐርቡ ከለዉ ይነዱ ነይሮም እዮም። ስዊፍት ኦብዘርቫቶሪ ግን ብተመራመርቲ ኣዝዩ ዝፍቶ ብምዃኑ፡ እዚ ዕድል እዚ ከየጋጥሞ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ።

እዚ ክንዲ ዓባይ መኪና ዝግመት መጠን ዘለዎ ሳተላይት'ዚ፡ ሰለስተ ተለስኮፕ ተገጢምሉ ናብ ጠፈር ዝተላእከ ኣብ 2004 ነይሩ።

እቲ ተለስኮፕ ዝምርምሮ ኣብ ኣድማስ ዘጋጥም ልዑል ጸዓት ዘለዎ ሓይሊ ነትጒ፡ ዓበይቲ ከዋኽብት ክመቱ ወይ ክጠፍኡ ከለዉ ዝፍጠር እዩ። ኣብ ውሑዳት ካልኢታት ጥራይ ድማ ወርሒ ኣብ 10 ቢልዮን ዓመታት ካብ እትሰዶ ሓይሊ ምስ ዝመጣጠን ሓይሊ ዘመንጩ እዮ።

ናሳ ከም ዝገለጾ፡ ከም ስዊፍት ኦብዘርቫቶሪ ዝበለ ተለስኮፕ የሎን። ናይ ጠፈር መንኮርኮር ብምልኣኽ ንምድሓኑ ዝወሰነ እውን በዚ ምኽንያት እዩ።

እቲ መንኮርኮር 'ካታሊስት ስፔስ ቴክኖሎጂስ' ብዝተሰምየ ኣብ ኣሪዞና (ኣመሪካ) ዝርከብ ትካል እዩ ተሃኒጹ። እቲ ሳተላይት ናብ 186 ማይል (300 ኪሎሜተር) ከይወረደ ከሎ፡ ነቲ መንኮርኮር ንምውንጫፍ ሓደ ዓመት ነይርዎም።

ናብ ጠፈር ዝተላእከ መንኮርኮር፡ ኣብ ዝመጽእ ሳምንታት ካሜራኡ፡ ኣንፈት መመልከቲኡን ካልኦት ዘድልዩዎ ክፋላትን ክምርምርን ከበራትዕን እዩ። 'ሊንክ' ዝተሰምየ መንኮርኮር ናብቲ ተለስኮፕ ተጸጊዑ ካብ ዝተፈላለየ ሸነኻት ኣሳእል ዝረክብ ኰይኑ፡ ድሕሪኡ ነቲ ተለስኮፕ ክሕዞ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ተለስኮፕ ክተሓዝ ተባሂሉ ከም ዘይተሰርሐ ዝገለጸ ዶክተር ሳይመን ባርበር፡ "እቲ መንኮርኮር ብጥንቃቐ ርእሱ ምስቲ ሳተላይት ከላግብ እዩ፡" ክብል ኣረዲኡ።

ኣብ ዝመጽእ ክልተን ሰለስተን ኣዋርሕ ድማ ነቲ ሳተላይት ቀስ ብቐስ ናብ ዝነበሮ ቦታ ክመልሶ እዩ።