ተይለር ስዊፍትን ትራቪስ ኬልሲን 'ናይዚ ዘመን ድግስ' ብዝተባህለሉ መርዓ፡ ቃል ኪዳኖም ኣሲሮም

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

እታ ዓለማዊ ተፈላጥነት ዘለዋ ድምጻዊት ተይለር ስዊፍትን ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ትራቪስ ኬልሲን፡ ብፍሉጥ ተዋሳኢ ኮሜድያን ኣዳም ሳንድለር ኣብ ዝተመርሐ፡ ሓያሎ ስሙያት ሰባት ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት መርዓ ቃል ኪዳኖም ኣሲሮም።

እቶም መርዓውቲ ክልቲኦም ኣብ ክንዲ'ቲ ልሙድ ክዳውንቲ መርዓ ኣብ 'ክሪስትያን ዲዮር' ዝተሰፍየ ፍሉይ ልብሲ ከም ዝተኸድኑ ኣፈኛ ስዊፍት ሓቢሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣክንዲ'ቲ ልሙድ ዓጀባ መርዓ (ኣዕሩኽን መሓዙትን) ድማ ሓው ተይለር ስዊፍት - ኦስቲን ስዊፍት - 'ናይ ክብሪ ዓጀባ' ክኸውን ከሎ፡ እቲ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ጄሰን ኬልሲ ድማ ቀዳማይ ዓርኪ ርእሲ ኰይኖም ውዒሎም።

እቲ ኣብ ኣደባባይ 'ማዲሰን ጋርደን' ዝተኻየደ ድሙቕ ጽንብል፡ ንሓደ ካብቶም ጽዑቓት ጐደናታት ማንሃተን ክዕጾ ገይሩ። ኣብቲ "ናይዚ ክፍለ-ዘመን ድግስ" ተባሂሉ ዝጥቀስ ዘሎ ስነ-ስርዓት ድማ ሓያሎ ስሙያት ሰበስልጣን ሆሊውድ ተረኺቦም ነይሮም።

ካብቶም ኣብቲ ቦታ ዝተራእዩ ድማ ተዋሳእቲ ሂው ግራንትን ጀሰን ሱዴይኪስን፡ ድምጻዊ ቤንሰን ቡንን ሞደል ጂጂ ሃዲድን ይርከብዎም።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣድነቕቲ እታ ድምጻዊት ካብ ዓርቢ ጀሚሮም ኣብ ደገ እቲ ኣደባባይ ተኣኪቦም ውዒሎም።

ገሊኦም ደርፍታት ስዊፍት እናደረፉን መለለዪ ምልክታት ኮንሰርታ እናተኸድኑን ክላሃዩ እንከለዉ፣ ገሊኦም ድማ ነቲ ጽንብል ብዝሓሸ ንምርኣይ ኣብ ዝባን ደርቢ ህንጻታት ተሰቒሎም ተዓዚቦምዎ።

እቲ ኣብቲ ኣደባባይ ማዲሰን ዝተኻየደ ጽንብል ካብ ሓሙስ እዩ ጀሚሩ። ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ ኣስታት 100 ሰባት ጥራይ ዝተረኽቡሉ ጽንብል "ቅድመ- ድግስ" ተባሂሉ ተሰይሙ ነይሩ።

ዓርቢ ድማ ዝዓበየ ጽንብል ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ኣብ ደገ እቲ ኣደባባይ ዝተተኸለ ቴንዳታት ድማ ዕጽፊ ዓብዩ ውዒሉ።

ቬትሮአን ዘጸለማ ሓያሎ መካይን በቲ መእተዊ እናሓለፋ ነቶም ኣጋይሽ ካብ ዓይን ሰብ ክኸውላ እንከለዋ፡ ጐደናታት ማእከላይ ማንሃተን ድማ ንመጓዓዝያ ተዓጽዮም ውዒሎም።

እታ ንነዊሕ እዋን ወኪል ተይለር ስዊፍት ትሪ ፔይን፡ እቶም መርዓውቲ ብዓርቢ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ቃል ኪዳን ከም ዝኣሰሩ ንቢቢሲ ኣረጋጊጻ፤ ብዛዕባ እቲ ስነ-ስርዓት ድማ ዝርዝር ሓበሬታ ሂባ።

ኣብቲ ኣደባባይ መርዓ፡ ንኣስማት ተይለርን ትራቪስን ብምውካስ፡ "ቲ ቲ በቃ ተመርዕዮም" ዝብል ዓበይቲ ዝበርህ ምልክታት ክርአ ውዒሉ።

ፔይን ከም ዝገለጸቶ፡ ስዊፍትን ኬልሲን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተኸድንዎ ኣልባሳት፡ ብፈጠራዊ ዳይሬክተር ትካል ስፌት ዲዮር ጆናታን ኣንደርሰን ምስቶም መርዓውቲ ብምትሕብባር ዝተዳለወ እዩ።

"እዚ ድማ እቲ ዲዛይነር ንሓንቲ ዓለምለኻዊት ፍልጥቲ ሰብ ዘዳልዎ ናይ መጀመርታ ናይ መርዓ ኽዳን እዩ" ክትብል ፔይን ገሊጻ።

ብተወሳኺ፡ እቶም መርዓውቲ ብ 'ክሪስትያን ሉቡቲን' ብፍሉይ ዝተሰርሐ ጫማታት ክወድዩ እንከለዉ፡ እታ መርዓት ድማ ስልማት 'ካርቲየር' ተኸዲና ነይራ።

ኣብቲ ብርቱዕ ዋዒ - 37 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ዝነበሮ መዓልቲ፡ ኣብቲ ኸባቢ ዓቢ ስምዒት ታሕጓስ ከም ዝሰፈነን፡ ብሰንኪ ብዝሒ ህዝቢ ድማ ኣብቲ ቦታ ሓያል ሓለዋ ፖሊስ ተዋፊሩ ውዒሉ።

ነቶም ዕዱማት ኣጋይሽ ካብ ዓይኒ ጋዜጠኛታትን ኣድነቕትን ንምኽዋል መጋረጃታትን ቴንዳታትን ተተኺሎም እኳ እንተነበሩ፡ ሓያሎ ስሙያት ሰባት ካብ ሆቴላት ወጽዮም ናብቲ ቦታ ክበጽሑ እንከለዉ ግን ተራእዮም እዮም።

ንኣብነት፡ ሞደል ጂጂ ሃዲድ ድሙቕ ሮዛ ዝሕብሩ ክዳን ተኸዲና ምስ ፈታዊኣ ተዋሳኢ ብራድሊ ኩፐር ናብቲ ጽንብል ክትከይድ ተራእያ። ድምጻዊ ቤንሰን ቡንን ተዋሳኢት ዳኮታ ጆንሰንን እውን ስእሊ ክወስዱ ተራእዮም።

ተዋሳእቲ ሂው ግራንት፡ ኢታን ሆክ፡ ጄሰን ሱዴይኪስን ገለ ካብ ኣባላት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኬልሲን ናብቲ መርዓ ክበጽሑ ብግህዶ ክርኣዩ እንከለዉ፡ ካልኦት ላዕለዎት ኣጋይሽ ግን ንምስጢራውነቶም ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ እቲ ዓቢ ቴንዳ ካብ መካይኖም ክወርዱ ተገይሩ።

እቲ ፍሉጥ መደብ ተለቪዥን ቢቢሲ ዘቕርብ ግራሃም ኖርተን እውን ኣብቲ መርዓ ተራእዩ፤ ንሱ ስዊፍት ኣብ መደቡ ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን ወግዓዊ ዕድመ ከም ዝቐረበሉ ይፍለጥ።

'ስዊፍቲስ' ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ ዝተፈላለዩ ዕድመ ኣድነቕቲ እታ ድምጻዊት፡ ኣብ ዙርያ እቲ ኣደባባይ ዝርከቡ ጐደናታት መሊኦምዎ ውዒሎም።

ገሊኦም ድማ ግጥምታት ደርፍታታ እናደረፉ "ተይለር ነፍቅረኪ ኢና" እናበሉ ብዓውታ ክጭድሩ ውዒሎም። እቲ ስነ-ስርዓት ምስ ጀመረ ድማ፡ ሓያሎ ኣድነቕቲ ኣብ ልዕሊ መሳልልን ህንጻታትን ተሰቒሎም ነቲ ጽንብል ተኸታቲሎም።

ብሓሙስ እውን ተመሳሳሊ ጸለምቲ መካይን ናብቲ ቦታ ኣጋይሽ ከብጽሓ ውዒለን። ካብቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ እቶም መርዓውቲ ዝዀኑ ተዋሳኢት ሌና ደንሃምን ድምጻዊ ጃክ ኣንቶኖፍን፡ ነቲ "ናይ ልምምድ ድራር" (rehearsal dinner) ተባሂሉ ዝተወፈየ ጽንብል ንምስታፍ ወግዓዊ ኣልባሳት ተኸዲኖም ተራእዮም።

እዚ ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለን ንሓደ ኽፋል እታ ዝዓበየት ከተማ ኣመሪካ ዘናወጸን ጽንብል፡ "ናይ ክፍለ-ዘመን መርዓ" ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ።

እዚ መርዓ፡ ከምቲ ንመርዓታት ንጉሳውያን ስድራቤት ዝውሃብ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ኰይኑ'ሎ።

ነቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ትእምርቲ ዝዀነ ስታድዩም ኣደባባይ ማዲሰን ንበይኑ ተቈጻጺርካ መርዓ ምክያድ፡ ብሚልዮናት ዶላራት ዝሓትት ዓቢ ስራሕ እዩ። ብተወሳኺ እቶም መርዓውቲ ነቲ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መመላለሲ ማእከላት እታ ከተማ ዝሓዘ ከባቢ ንኽዕጾ ገይሮም እዮም።

እዚ ጽንብል፡ ነቲ እዞም መርዓውቲ ዘለዎም ጽልዋ ዘርኣየ ኰይኑ፡ ተይለር ስዊፍት ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝለዓለ ሓይልን ተፈላጥነትን ዘለወን ሰባት ምዃና ዳግማይ ዘረጋገጸ እዩ።

እቲ ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ጽንብል መርዓኦም፡ ቀንዲ ኣርእስቲ ዜናታት ዓለም ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ህንጻ 'ኤምፓየር ስቴት' እውን ብብርሃን ክስለም ገይርዎ እዩ። ብተወሳኺ፡ ዝርዝር ሓበሬታ እቲ መርዓ ንሰሙናት መዘራረቢ ህዝቢ ኰይኑ ብምጽንሑ፡ ኣብ መርበባት 'በቲን' (betting) ብሚልዮናት ገንዘብ ክንቀሳቀስ ገይሩ እዩ።

ክኢላ ትንተና ባህሊ ክሪስተን ሜንዘር ንቢቢሲ ከም ዝገለጸቶ፡ መርዓ እዞም ክልተ ሰባት ኣብ ህዝባዊ ባህልን መንነት ኣመሪካን ዓቢ ትርጕም ኣለዎ። ምኽንያቱ ስዊፍትን ኬልሲን ካብቶም ኣብ ኣመሪካ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ ክልተ ዓውድታት ዝመጹ ብምዃኖም እዩ።

"ንሕና ንሙዚቃን ኩዕሶ እግርን ከም ዓበይቲ ጽላታት ኢና ንርእዮም፤ እዞም ኣብ ኣመሪካ ኣዝዮም ዝፍተዉ ክልተ ነገራት ድማ ሕጂ ብመርዓ ተወሃሂዶም ኣለዉ" ክትብል ገሊጻ።

ከተማ ኒው ዮርክ ንስሙያት ሰባት ከም ፍሉይ ምርኢት ዘይኰነስ፡ ከም ተራ ኣካል መዓልታዊ ናብራ ሕብረተሰብ ጌርካ ናይ ምርኣይ ነዊሕ ዝጸንሐ ልምዲ ኣለዋ።

እዛ ኣብ ፔንስልቫንያ ዝተወልደት ድምጻዊት፡ ካብ 2014 ጀሚራ ኣብ ኒው ዮርክ እያ ትነብር። ኣብቲ እዋን'ቲ ክልተ ኣብ ከባቢ ትራይበካ ዝርከቡ ብ20 ሚልዮን ዶላር ዝገዝኣቶም ኣባይቲ ብምውሃሃድ ሓደ ገፊሕ መነባብሮ ፈጢራ እያ።

በታ ከተማ ተሳሒባ ድማ ናብኡ ካብ እትግዕዝ ጀሚራ "ብኣካላዊ መዳይ ተቐይራ" ምህላዋ'ውን ትገልጽ። እዚ ምቕያር መነባብሮ ድማ ነታ ኣብቲ '1989' ዝተባህለ ኣልቡማ እትርከብ "Welcome to New York" እትብል ደርፊ መበገሲ ኰይኑዋ እዩ።

ኬልሲ፡ ብስፖርታዊ ሞያኡ - ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ - ኣብ ካንሳስ ዝመደበሩ እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ ስዊፍት ኣብ 2023 ፍቕራዊ ርክብ ምስ ጀመረ እዩ ምስዛ "ቢግ ኣፕል" ተባሂላ እትጽዋዕ ከተማ ኒው ዮርክ ተፋሊጡ።

እዞም መርዓውቲ ነቲ ኣደባባይ ንምክራይ ዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላራት ከም ዘውጽኡ ክኢላታት ውጥን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቅድሚ እቲ ጽንብል ድማ፡ እዛ ቢልዮነር ድምጻዊትን እቲ ሃብታም ስፖርተኛን ንልዕሊ 20 ትካላት ግብረ-ሰናይ ዝውዕል 26 ሚልዮን ዶላር ወፍዮም ነይሮም፤ ይዅን እምበር ብዛዕባ መርዓ ዝጠቐስዎ ነገር ኣይነበረን።

ንብዙሓት ሰባት፡ እቲ 20 ሽሕ ሰብ ዝሕዝ፡ ኮንሰርትታትን ስፖርታዊ ውድድራትን ዝካየደሉ ኣደባባይ፡ ንመርዓ ክውዕል ዘይቅቡል ምርጫ ኰይኑ ተሰሚዕዎም እዩ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ቦታ መስኰት ስለ ዘይብሉን ብትሕቲ መሬት መእተዊ መገድታት ስለ ዘለዎን፡ ካብ ዓይን ሰብ ተኸዊልካ መርዓ ንምክያድ ጽቡቕ ናይ ምስጢራውነት ደረጃ ኣለዎ።

"ነቲ ኣደባባይ ናብ ሓደ መስተንክር ናይ መርዓ ቦታ ክቕይሮ ዝኽእል ሰብ እንተ ሃልዩ፡ ንሳ ስዊፍት ጥራይ እያ" ክብሉ ግን ሓያሎ ሰባት ይገልጹ።