ኣመሪካ፡ ዝምርመር ዘሎ ኣብ ሳዕሪ ዝተጻሕፈ '8-6-4-7' እንታይ'ዩ ምስጢሩ?

8647 ዝተጻሕፎ ሳዕሪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፖሊስ ኣመሪካ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ሞል ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ ብንጹር ተጻሒፎም ንዝተረኽቡ ዓበይቲ ቍጽርታት 8-6-4-7 ምስጢሮም ይምርምር ኣሎ።

"ኤይቲ-ሲክስ" (86)፡ "ምእላይ" ዝብል ትርጕም ዘለዎ ናይ ጐደና ኣዘራርባ ዝውክል ኰይኑ፡ ሰበስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ድማ እቶም ቍጽርታት ኣንጻር እቲ መበል 47 ፕረዚደንት ዝዀነ ትራምፕ ናዕቢ ንምትብባዕ ዝተሓሰቡ እዮም ይብሉ።

ፖሊስ ፓርክ ኣመሪካ፡ ሓሙስ ንግሆ ከባቢ ሰዓት 11፡30 "ንድርኺት ዕንወት ምላሽ ከም ዝሃበ" እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

"ጠንቂ እቲ ሕብሪ ምቕያር ናይቲ ሳዕሪ ኣይተፈልጠን ዘሎ፤ ንምርመራ ዝኸውን ናሙና ሳዕሪ ተኣኪቡ ተወሲዱ፣ እቲ ምርመራ ይቕጽል ኣሎ።"

ምስልታት ናይቲ ሳዕሪ ንቝጽርታት 8 – 6 – 7 ብንጹር ከርእዩ እንከለዉ፡ ቍጽሪ 4 ግን ብንጹር ኣይርአን።

ዓቀብቲ ሕጊ ኣመሪካ፡ ንዳይረክተር ኤፍቢኣይ ነበር ብሰንኪ እቶም ቍጽርታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ብዕንቍ ዓሳ ተጻሒፎም ዝተራእይሉ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሑፍ፡ ክኣስርዎ ኣብ ዝፍትንሉ ዘለዉ እዋን እዩ እዚ ምርመራ ዝካየድ ዘሎ።

ጄምስ ኮሚ፡ ንትራምፕ ንምቕታል ብዝቐረበ ምፍርራሕ ጥርጣረታት ብዝተሓሓዙ ሓያሎ ክስታት ይገጥሞ ኣሎ። ንሱ ግን ነቲ ክስታት ብምንጻግ "ፖለቲካዊ ድራኸ" ዘለዎ ምዃኑ ድማ ገሊጹ።

እቶም ቍጽርታት ተቓወምቲ ትራምፕ ክጥቀሙሎም ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ኣብቲ ኣንጻር ምምሕዳሩ ዝተኻየዱ ሰላማዊ ሰልፊታት ተራእዮም እዮም።

እቲ ኣብቲ ሳዕሪ ተጻሒፉ ዘሎ ጭርሖ ብመጠኑ ህስስ ዝበለ ይመስል፤ እታ ቍጽሪ 8 ግን ካብተን ካልኦት ቍጽሪታት ንላዕሊ ብድምቀት ዝተፈልየት ኰይና ትርአ። እቲ ቦታ ድማ ኣብ ጥቓ ሓወልቲ መዘከርታ ካልኣይ ኲናት ዓለም እዩ ዝርከብ።

እቲ ዝተባህለ ዕንወት ዝፍጸም ዘሎ፡ ብትራምፕ ኣብ ዝምራሕ ዘሎ ሓወልቲታት እታ ከተማ ናይ ምሕዳስ ወፈራ እዩ።

እቲ ወፈራ፡ ነቲ መዘከርታ ሊንከን መሐደሲን ዳግማይ ንምልካይ ዝውዕል 13.1 ሚሊዮን ዶላር፡ ከምኡ'ውን ከም ኣናብስን ንስርን ዝኣመሰሉ ብወርቃዊ ምስልታት ንምህናጽ ዝሕግዝ መደብ ዘጠቓልል እዩ።