ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኣላማጣን ከባቢኡን ብዛዕባ ዝበጸሐ ጉድኣት፡ እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ ዞባ ደቡብ ክልል ትግራይ እትርከብ ኣላማጣ፡ ሓንቲ ግንባር ወግእ እቲ ሓድሽ ጐንፂ ኰይና ኣላ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርትን ሰብሞያ ጥዕና ብዛዕባ ኣብታ ከተማ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ሓቢሮም ኣላዉ።
ካብ ቀዳም ክሳብ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ ሰለስተ መዓልታት ጥራይ ኣብ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኣን ናይ ብዙሓት ሞት ከምዘጋጠመን፡ እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣትያ ከምዘላን ሓደ ብዓል ሞያ ጥዕናን ነበርትን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እታ ከተማ፡ ኣብዚ እዋን ሰራዊት ፌደራል ንኩለ ኣብያተ ጽሕፈት እታ ከተማ ተቖጻጺርዎ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
እቲ ብዓል ሞያ ጥዕና፡ "ኣላማጣ ምሉእ ንምሉእ እታ ከተማ ሓይሊ መከላኸሊ ኢትዮጵያን ፌደራል ፖሊስን ቁጽጽር'ያ ዘላ፡ ትማሊ [ሰኑይ] ሰዓት ኣርባዕተ [ናይ ንግሆ ሰዓት ዓሰርተ] እዮም ሓይሊ መከላኸሊ ኣትዮም" ኢሉ።
ዳዊት ዝተባሃለ ነባሪ ኣላማጣ ብወገኑ "ሕጂ [ኣብ ኣላማጣ] ሰራዊት ኢትዮጵያ መከላከያ'ዩ ዝኒሆ፡ ኣብ ቀሃዚ ዝብሃል ከባቢ ንእሽተይ ዝተረፉ ዘይጸረየ ቦታታት ኣሎ መስለኒ ኣብኡታት ቶኵሲ ይስማዕ'ዩ፡ ሕጂ [ኣብ ኣላማጣ] መብራህቲ ጠፊኡ፡ ኔትዎርክ'ውን ሕዚ'ዩ ዝፍኖ ዘሎ፡ ሕዚ ካብቲ ተሓቢእናሉ ዝነበርና ናብ ገዛና ተመሊስና" ኢሉ።
እቲ ብዓል ሞያ ጥዕና ብወገኑ "ንዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት ዝቐጸለ ካብ ኣላማጣ ውጽእ ኢልካ ኣብ ከባቢ ቀርቀረን ራያ መንደርን፡ ደርዒታ፡ በሪ ተኽላይ ዝብሃል ቦታታት ሓያል ውግእ ኣሎ፡ ሎሚ [ሰሉስ] ከኣ ካብ ሰዓት ሰለስተን ፈረቓን ክሳብ ሰዓት ኣርባዕተ [ካብ ትሽዓትን ፈረቓን ክሳብ ሰዓት ዓሰርተ] ሓይሊ ሰላም ትግራይ ኣብ ሓራ መሬት ዝነበሩ ኣብ ዓፋር ዝነበሩ ዕጡቓት ተጋሩ ናብ ኣላማጣ ኣትዮም፡ ብድሕሪኦም ቀጺሎም ከኣ ራያ ሰሜን ወሎ ኢሎም ዝኣምኑ ከኣ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሎም ናብ ኣላማጣ ኣትዮም" ኢሉ።
ሓይሊ ሰላም፡ ናብተን ሰብ ዝመሓደረለን ኣብያት ጽሕፈታት ድሕሪ ምእታዎም፡ ናይ ሰሜን ወሎ ዕጡቓት ንሕና'ውን ክንመርሕ ኣለና ኣብ ዝበልሉ ዘይምስምምዕ ከምዝተፈጠረ ብምግላጽ " ሰራዊት ምክልኻልን ፌደራል ፖሊስን ንክልቲኦም ኣባሪሩ ንኩለን ናይ ህዝቢ ኣገልግሎታት ኣብ ኢዱ ኣእትይወን ኣሎ፡ ሓለዋ ከኣ ይገብረለን ኣሎ" ኢሉ።
በዚ መረት ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ኩሉ ኣብያተ ጽሕፈት ከተማ ኣላማጣ ኣብ ትሕቲ ምክልኻል ኢትዮጵያን ፌደራል ፖሊስን ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ ብዓል ሞያ ጥዕና፡ ብድሕሪ እዚ "እቶም ሓይሊ ሰላም ናብቲ ሓይሊ ፌደራል ዝዋግእሉ ክኸዱ እንከለዉ እቶም ናይ ሰሜን ወሎ ከኣ ናብቲ ዝመፅእሉ ጃራ ናብ ዝብሃል ቦታ ከምዝተመለሱ'ዩ ሓበሬታ ዘለኒ" ኢሉ።
እዞም "ራያ ኣካል ሰሜን ወሎ'ዩ" ኢሎም ዝኣምኑን ንኣላማጣ ንሕና ከነማሓድሮ ኢሎም ዝመጽኡን ስሩዓትን ዝተወደቡን ሓይሊ ዘይዀኑስ፡ ዕጡቓት ምሊሻ ምዃኖም እዚ ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃብ ብዓል ሞያ ይዛረብ።
'ኣብ በሪ ተኽላይ ተኹሲ ይስማዕ ኣሎ'
በሪ ተኽላይ ካብ ከተማ ኣላማጣ ንሸነኽ ሰሜን ካብ 18 ክሳብ 20 ኪሎሜተር ርሑቑ ዝርከብ ቦታ እዩ።
ኣብዚ እዋን እቲ ኵናት ኣብ ከባቢ መውጽኢ ዝርከብ ከባቢ በሪ ተኽላይ፡ ይካየድ ከምዘሎን፡ ሓይሊ ሰላም ትግራይ'ውን ናብኡ ከይዱ ምህላዉ እዚ ነባሪ ኣላማጣ ይሕብር።
እቲ ብዓል ሞያ "ሓይልታት ትግራይ ክዋግኡ ድሕሪ ምጽናሕ ብሰንበት'ዮም ንኣላማጣን ከባቢኣን ለቂቖም ፍርቆም ናብ ጨርጨር ካባቢ ከይዶም ፍረቆም ከኣ ታንክታትን መድፋዓትን ሒዞም ናብ ኮረም መውጽኢ ግራት ካሕሱ ሓሊፍካ ሰቆጣን ዛታን ዝበሃል ከባቢ ናብኡ'ዮም ከይዶም" ይብል።
"ኣብ ከባቢ ኣላማጣን ጎረባብቲ ኣላማጥን ክሳብ ሕጂ ውግእ የካይዱ ኣለዉ፡ ንከተማ ኣላማጣ ጥራይ'ዮም ገዲፎምዋ"።
ክሳብ ሕጂ ካብኡ ካብን ናብን እታ ከተማ ዝትኰስ ከበድቲ መሳርሒ ይስማዕ ከምዘሎ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ።
"ሎሚ መዓልትን ትማልን [ሰኑይን ሰሉስን] ግን ናብ ሲቪላት ዘነጻጸረ ከበድቲ መሳርሒታት ዝዓረፈ የለን" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Alamata comm
'ብዙሓት ሰባት ተጐዲኦም'
ካብ ቀዳም ክሳብ ሰኑይ፡ ኣብ ዘሎ ሰለስተ መዓልታት፡ ብደብዳብ ከቢድ ብረት፡ ሰባት ከምዝሞቱ'ዮም እዞም ክልተ ነበርቲ ኣላማጣ ይሕበሩ።
ዳዊት "[ኣብ ኣላጣማ] ብዙሓት ሰባት ብኸቢድ መሳርሒ ሞይቶም'ዮም፡ ኣብ ውሽጢ ዕዳጋን ኣብ ከባቢ ኣለማጣን እቲ ዝሞተ ዳርጋ ኣርባዓ ሰብ'ዩ፡ መን ከም ዝተኰሶ ኣይፍለጥን እቶም ዝሞቱ ግን ሰለማውያን ሰባት'ዮም፡ ብዙሕ ዓይነት ብረታት'ዩ ዝትዀስ ነይሩ፡ ብድምጹ ግን እንታይ ዓይነት መሳርሒ ምዃኑ ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ድምጺ'ዩ ዘለዎ፡ ህጻናት ብስንባደ ይበኽዩ ነይሮም" ኢሉ።
ኣብቲ ከባቢ ኔትወርክን ቴሌፊንን ተዓፅዩ ስለዘሎ፡ ቢቢሲ ነቶም ፀብፃባት ብባዕሉ ወይ ድማ ካብ ሳልሳይ ኣካል ከፃርዮም ኣይከኣለን።
ዳዊት፡ ብምስዓብ "ቀዳም ኣዝዩ'ዩ ገዲዱ ውዒሉ፡ ናብ ዕዳጋ ተደርብዩ ኣብኡ ከኣ ሰብ ተጎዲኡ" ኢሉ።
እዞም ምንጭታት ከምዝብልዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ከተማ ኣላማጣ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ሓያለ ጉድኣት'ዩ በጺሑ።
እቲ በዓል ሞያ ጥዕና፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓያለ ከምዚ ክበል ገሊጹ፡
"ካብ ወዲ ሰለስተ መዓልቲ ዕሸል ጀሚሩ ክሳብ ጓል 68 ዓመት ኣደ ዝተጎድኡ ኣለዉ፡ ጠቕላላ ሕጂ ዶኩመትድ ዝዀኑ [ዝተሰነዱ] 52 ዝሞቱ ሲቪላት ኣለዉ፡ ካብ ኣላማጣ ውጽእ ኢልካ ከኣ እግሮም ዝተቆረጹ ኣለዉ፡ ዓይኖም ዝተጎድኡ ኣለዉ፡ ዝሞቱ'ውን ኣለዉ፡ ካብ ቀሊል ክሳብ ከቢድ ዝብሃል መጉዳእቲ ዝበጽሖም ኣለዉ" ኢሉ።
ቁጽሪ ናይዞም ዝሞቱ ካብ ቀዳም 16 መስከረም ክሳብ መስከረም 18 ኣቆጻጽራ 2019 [ካብ 26 ክሳብ 28 መስከረም 2026] ዝተመዝገበ ምዃኑ'ውን እዚ ብዓል ሞያ ይሕብር።
እዚ ሞት እዚ ብድሮን ወይ ብኣየር ዝተፈጸመ ዘይዀነ፡ ብናይ ከቢድ ብረት ደብዳብ ኣብ ገዛውቲ፡ ኣብ ናይ ቀዳም ዕዳጋ፡ ኣብ ጓሶት ዝተኣከብዎም ካልእ ቦታታትን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘሰዓብ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።
እቲ ብቀዳም ኣብ ዕዳጋ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ እግሮም ዝተቆረጹ፡ ርእሶም ዝተቆረጹ ሰባት ከምዝነበሩ ብምሕባር፤ ኣየናይ ኣካላት ናየናይ ሰብ'ዩ ክትፈልጠሉ ዘይትኽእል ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋ ምንባሩ ብምግላጽ "ኣብታ ከባቢ ጥራይ 12 ሰባት'ዮም ሞይቶም" ኢሉ።
እዚ ብዓል ሞያ ጥዕና ካብቶም ዝሞቱ ነቶም ሓሙሽተ ባዕሉ ብዓይኑ ከምዝርኣዮም ብምሓበር፡ እግሮም ዝተቖረጹ ሰለስተ ሰባት ፡ ዓይኑ ዝሰኣና ከኣ ሓደ ሰብ ምርኣዩ ገሊጹ።
እቲ ተፈናጃሩ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ዘብጽሓሉ ቦታታት ኣብቲ ከቢድ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ ከባቢ ሓዲሽ ቅኚ፡ ከባቢ ባንዴራ ናይ መንግስቲ ጥዕና ጣባያ ኮይኑ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ከባቢ ኣላማጣን፡ ናብ ቆቦ መውጽኢ ዝርከብ ዋጃን ጥሙጋን ዝመጽኡ ህሩማት ምህላዎም እዚ ብዓል ሞያ ሓቢሩ።
"ካብቶም ህይቶም ዝሓለፉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣብ ገዛኦም ዝነበሩ ሰለማውያን ሰባት፡ ዘወርቲ ባጃጅ ኣለዉ፡ እዞም ዝሞቱ ካብ ውግእ ነጻ ዝዀኑ'ዮም" ብምባል፡ እቲ 52 ዝብል ቁጽሪ ምውታት ናይ ሰለማውያን ሰባት ጥራይ መዃኑ ገሊጹ።
እዚ ሞት ኣብ ዘጋጠመሉ መዓልታት ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ብክልተ ጫፋት ናይታ ከተማ ከምዝነበሩ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ።
ዳዊት፡ "ብቀዳም ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ኣላማጣ ሓሊፎም ናብ መስመር ቆቦ እዮም ነይሮም፡ ቀዳም ምስ ወጽኡ ሰንበት ዝተጎድኡ'ውን ኣለዉ፡ ናይ ትግራይ ሓይልታት [ኣላማጣ] ኣብ ዝነበርሉን ናይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኣላማጣ ኣብ ዝተቆጻጸረሉን'ዩ እቲ ደብዳብ ኣጋጢሙ፡ እቲ ብብዝሒ ኣብ ገጠራት ዘጋጠመ ግን ሓይልታት ትግራይ ኣብኡ ኣብ ዝነበርሉ'ዩ ኣጋጢሙ፡ ንመዳፍዕን ንታንክታትን ሓይልታት ትግራይ ንክወቕዕ ዝተዓለመ ይመስለኒ" ብምባል ግምቱ የቐምጥ።
እቲ ብዓል ሞያ ጥዕና፡ ሰራዊት ፌደራል ናብ ከተማ ኣላማጣ ኣብ ዝኣተወሉ ዝነበረ ኩነታት ከረድእን እንከሎ፡ "ህዝቢ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብሓጎስ'ዩ ተቐቢልዎም፡ ንሓይሊ ሰላም'ውን ብኡ ልክዕ ደጋፊኹም'የ ዝብሎም ከኣ ወጺኡ ተቐቢልዎም፡ ንሰሜን ወሎ'ውን ደጋፊኦም ተቐቢልዎም፡ 'ማጆሪቲ' ግን ንሓይሊ ፌደራል'ዩ ብልዑል ድምቐትን ዕልልታን ሰብ ተቐቢልዎም" ኢሉ።
ዳዊት ትማሊ ዝተዓዘቦ ነገር ንቢቢሲ ክገልጽ እንከሎ "ናበይ ምዃኖም ኣይንፈልጠይን ኢና፡ ሰራዊት ብኦራል ተጻዒኖም ግን ይሓልፉ ኣለዉ፡ እቶም ሰራዊት ግን ብክዳኖም ናይ ሰራዊት ኢትዮጵያ'ዮም" ኢሉ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ግልግሎት ባንኪ ይኹን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ገና ከምዘይጀመረ ክልቲኦም እዞም ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕተት ዘካየዱ ነበርቲ ኣላማጣ ይገልጹ።
ዳዊት "ሞባይል ባንኪ ክንጥቀም ኣይንኽእል ኢና፡ ኣብ ኩሉ ትግራይ ምስ ተዓጸወ ክሳብ ሕጂ ኣይተኸፈተን ዘሎ። እቶም ኣቐዲሞም ኣብ ወልድያ፡ ቆቦ ዝኸፈቱ'ዮም ኣካውንቶም ዘይተዓጸወ'ምበር ናትና ተዓጽዩ እዩ ዘሎ" ኢሉ።
እዚ ብዓል ሞያ ብወገኑ፡ "እቲ ኵናት ምስ ኣጋጠመ፡ ብዙሕ ሰብ ኣላማጣ ከተማ ስለዝዀነት ኣይትውቓዕን'ያ ኢሉ ብምሕሳብ ካብ ገጠራት ከባቢ ኣላማጣ ሃዲሙ ናብ ኣላመጣ'ዩ መጺኡ፡ እንተዀነ ኣብ ኣላማጣ'ውን ኩሉ ድኳናት ተዓጽዩ፡ መብራህቲ የለን፡ ሞባይል 'ማኒ' የለን፡ ኢንተርኔት የለን፡ ኩሉ ዕጽውጽው ምስ በለ ስለዝመጽአ ተጨኒቑን ከፊእዎን'ዩ"ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ ክልቲኦም ናብቶም ኣብ ኵናት ተጸሚዶም ዘለዉ መራሕቲ ናይ ሰላም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ዳዊት፡ "ካብ ኵናት ካብ ግጭት ዝርከብ ነገር የለን፡ ኵናት ሞትን ጥፍኣትን'ዩ ዘስዕብ፡ ስለዚ ንኩሉ ሰላም'ዩ ዘድሊ" ኢሉ።
እቲ ብዓል ሞያ ከኣ፡ "ሰብ ምግቢዶ ይሕሸካ ማይ እንተኢልካዮ'ኳስ፡ ሰላም'የ ዝደሊ'ዩ ዝብል" ኢሉ።
ብዛዕባ'ቲ ግጭት
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈዴራልን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እናተበላሸ ዝሓደረ ዝምድና ስዒቡ እዩ ሕጂ ውግእ ዝለዓል ዘሎ።
ምፍራም ውዕል ፕሪቶርያ ስዒቡ፡ እቲ ኲናት ዳርጋ ንኣርባዕተ ዓመት ደው ኢሉ ነይሩ። እንተኾነ ግን ወጥሪ ዘጋድዱ ሓያሎ ጉዳያት ከይተፈትሑ እዮም ጸኒሖም።
ኣብዚ ዓመት ድማ ክልቲኦም ወገናት ነንሕድሕዶም ክካሰሱ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ሰራዊቶም እውን ምድላዋት እናገበሩ ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትግራይ፡ ዝተልዓለ ጎንፂ፤ ኣብ ሓፂር እዋን እዩ፡ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ተዘርጊሖም ኣለዉ። ሓደ ካብቶም ሰለስተ ግንባራት ኲናት፡ ውግእ ኣላማጣ-ቆቦ እዩ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
