እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ካብ ነብሪ ሃዲምካ ናብ ኣፍ ሓርገጽ'- ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝሕተት ዘሎ ግዳይ ጭውያ ዝኾነ ኤርትራዊ ስደተኛ
ኣብ ኢትዮጵያ ተጨውዩ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ክኸፍል ከምዝተሓተተ ብዓልቲቤቱ ንቢቢሲ ሓቢራ።
እቲ ግዳይ ምስ ብዓልቲቤቱን ደቁን ኣብ ገዛ እንከሎ፡ "ሽጐማኖ ዝተኸደኑ" ሰባት ምሸት ድሕሪ ሰዓት ሸሞንተ ማዕጾ ደፊኦም ከምዝኣተዉን ጥይት ከምዝተኮሱን፡ ጐቲቶም ከምዝወሰድዎ እታ ስደተኛ ገሊጻ።
ሃሬና፡ ብድሕሪኡ ምስ ብዓልቲቤታ ሃብተገርጊሽ ተኽለ ብቴለፎን ከምዝተዘራረበት፡ "ኣጆኺ፡ ክፈሉ እዮም ዝብሉ ዘለዉ" ከምዝበላን ትዛረብ።
እንተኾነ ዝጠልብዎ ዘለዉ ገንዘብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብር ብምዃኑ ከፊሎም ከውጽእዎ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ከቢድ ጭንቀት ወዲቖም ከምዘለዉ እናበኸየት ገሊጻ።
ሓንቲ ካብ ደቆም ንስክላ ካብቲ ዝተተኮሰ ጥይት ከምዝደሓነት ትገልጽ ሓሬና፡ ንዓኣ'ውን ብበትሪ ኣብ ርእሳ ሃሪሞማ እዮም።
እታ ስድራቤት ኣካል ናይቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኮይና፡ ብሰንኪ ኣብቲ መዓስከር ዘሎ ኩነታት ናብታ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ከተማ ዳባት ክነብር ዝጸንሐት'ያ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን ንካልእ ስደተኛ ክጨውዩ ብኣጋጣሚ ኣባላት ጸጥታ ናብቲ መዓስከር ስለዝኣተዉ ክድሕን ከምዝኸኣለ ሓደ ካብቶም ኣብቲ መዓስከር ዝነብሩ ስደተኛታት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
መዓስከር ኣለምዋጭ ካብ ከተማ ዳባት ክልተ ኪሜ፡ ካብ ከተማ ደባርቕ ድማ 25 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ'ዩ ዘሎ።
ብሰንኪ ኣብቲ መዓስከር ዘጋጥም ቅትለት፡ ጭውያ፡ ዓመጽ፡ ምፍርራሕን ስርቂን ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ከተማ ዳባት ተኻርዮም ክነብሩ ከምዝተገደዱ ገለ ካብኣቶም ንቢቢሲ ሓቢሮም።
"ፍርቂ ናይቲ መዓስከር ብጸጥታ ምኽንያት ካብቲ ኣለዋጭ ዘለናዮ መቕተልትን መጭወይቲ፡ ካልእ ምፍርራሕን፡ ስርቂን ዓመጽን ስለዝበዝሐ እቲ ስደተኛ ኣብቲ ከተማ ዳባት'ዩ ተኻርዩ ዝቕመጥ ዘሎ" ይብል እቲ ንድሕነቱ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ።
"ናቱ ካብ ነብሪ ሃዲምካ ናብ ቀላይ ኣትየ ኢልካ ኣብኡ ሓርገጽ ክጸንሓካ እንከሎ፡ ከምኡ'ዩ ኮይኑ ዘሎ" ክብል ነቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ጭንቂ ኣብሪሁ።
ብፍላይ ንትምህርቲ ዝኸዱ ቆልዑን ደቂኣንስትዮን ግዳይ ክትራን ጾታዊ ዓመጽን ይኹና ከምዘለዋን ብኸቢድ ጸቕጥን ስግኣትን ተሸቚሪረን ይነብራ ከምዘለዋን እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ከም ሳዕቤኑ ድማ ብፍላይ ንኣሽቱ ኣዋልድ ካብ ስድራቤተን ተፈልየን ምስ ካልኦት ተጸጊዐን ክመሃራ ናብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ክኸዳ ይግደዳ ኣለዋ።
"ስግኣት ናይቲ ህዝቢ እንታይ'ዩ፡ ደቁ ተማሂረን ከመጻከሉ ድኣ'ምበር፡ ጠኒሳ ክትመጸልካ ኣይኮንካን ናብ ቤትምህርቲ ትልእካ።
"ህጻውንቲ'የን፡ ቆልዑ'የን፡ ብፍርሒ ይኸውን፡ ብምትላል ክኸውን ይኽእል እዚ ኸምዚ ዓይነት ተርእዮታት ኣሎ፣ ኣገዲድካ ምትንኻፍ፡ ንሽንቲ ቤት ክኸዳ ኸላ ደድሕሪአን ምኻድ፡ ኣብ መገዲ ምልኻፍ፡ ከምኡ'ውን ከቲርካ ገንዘብ ክፈላ ምባል፡ ብዙሕ ጸጋማት'ዩ ዘለወን"።
ተሓለቐቲ ሰባዊ መሰላት፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ከጋጥም ዝጸንሐ ግፍዕታት ብምዅናን ማሕበረሰብ ዓለም፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያን ዓለምለኻውያን ትካላትን ግቡእ ሓለዋ ብምግባር ውሕስነቶም ከረጋግጹ ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም።
ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ (HRCE) ዝተባህለ ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኣለምዋጭ ዘለዉ ስደተኛታት ግዳይ ናይዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ዳግማይ ግጭት ከይኮኑ ስግኣት ከምዘለዎ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
"እቲ መዓስከር ስደተኛታት ዒላማ መጥቃዕቲ ክሳብ ዝኸውን ምግዓዞም ክደናጎ የብሉን" ብምባል ኣቐዲሞም ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ተማሕጺኑ።
መዓስከር ኣለምዋጭ ነቶም ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ክልተ ዓመት ዳግማይ ዝተፈናቐሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምዕቋብ ኣብ 2022 ዝተደኮነ እዩ።
ካብ ለካቲት ክሳብ ሓምለ 2022 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣስታት 15,000 ስደተኛታት ካብ ማይ ጸብረ ብዘይስሩዕ ኣገባብ ናብቲ ብምትሕብባር ላዕለዋይ ኮሚሸነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩ-ኤን-ሲ-ኤች ኣር) ከምኡ'ውን ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝተመስረተ መዓስከር ኣለምዋጭ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሰዓበ ኣዋርሕ ከኣ ልዕሊ 7000 ስደተኛታት ናብቲ መዓስከር ከምዝተጸንበሩ ሰነዳት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ኣብ 2025 ኣብ ውሽጢ ኣስታት 8000 ስድራቤታት ዝተጠርነፉ ኣስታት 20000 ስደተኛታት ከምዝነበሩ'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ኣስታት 70% ካብኦም ቆልዑን ደቂኣንስትዮን እዮም።
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዶብ ሰጊሮም ካብ ሃገሮም ምስ ሃደሙ ኣብ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ብሰንኪ ግጭት ግዳያት ድርብ ምፍንቓል፡ ጭውያን፡ ምጥፋእን ኮይኖም ይርከቡ።
እዞም ብከቢድ ጸበባን ሕሰምን ዝሓልፉ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ግዱድን ገደብ ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ሕማቕ ምሕደራ ዘንቀሎ ማሕበረ-ቊጠባዊ ቅልውላው ናብ ስደት ክውሕዙ ምጽንሖም ይፍለጥ።