ኮሚተ ስደተኛታት ኣመሪካ (USCRI)፡ ሓሙሽተ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ሩዋንዳ ማእከል መመለሲ ስደተኛታት ንምቛም ዝሓዛኦ መደብ ክስሕባ ብምጽዋዕ፡ እቲ እማመ ንዓለምለኻዊ ሓለዋ ስደተኛታት ከዳኽምን ንተቓላዕቲ ሰባት ንሓደጋታት ሰብኣዊ መሰላት ከቃልዕን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
እዚ ጻውዒት ዝቐርብ ዘሎ፡ ብሓባር “ጕጅለ ሓሙሽተ” ተባሂለን ዝጽውዓ ጀርመን፡ ኦስትርያ፡ ኔዘርላንድስ፡ ግሪኽን ደንማርክን፡ ሕቶ ዑቝባኦም ዝተነጽገን ናብ መበቈል ሃገራቶም ክምለሱ ዘይክእሉን ሓተትቲ ዑቝባ፡ ናብ ኣብ ሩዋንዳ ዝርከብ መመለሲ ማእከል ንምስዳድ መደብ ከም ዘለወን ድሕሪ ምግላጸን እዩ።
ኮሚተ ስደተኛታት ከም ዝገለጾ፡ እዚ ተበግሶ ነቲ መሰረታዊ ዓንዲ ዓለምለኻዊ ሕጊ ስደተኛታት ዝዀነን፡ ውልቀሰባት መስጐጕቲ፡ መግረፍቲ ወይ ካልእ ከቢድ ጕድኣት ክገጥሞም ናብ ዝኽእል ቦታ ከይምለሱ ዝኽልክልን መትከል ዘይምምላስ ናይ ምጥሓስ ሓደጋ ኣለዎ።
ፕረዚደንትን ዋና ፈጻሚ ስራሕን ዩ-ኤስ-ሲ-ኣር-ኣይ እስክንድር ነጋሽ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ “ጕጅለ ሓሙሽተ ንሰባት ዝዀነ ምትእስሳር ናብ ዘይብሎም ሃገር ብምስዳድ፡ ካብዚ ዓለምለኻዊ ሕጋውን ሞራላውን ግዴታ ክሃድማ ይፍትና ኣለዋ" ኢሉ።
እቶም ዝሰጋገሩ ሰባት፡ ኣብ ሩዋንዳ ዘይፈለጥዎ ሕጋዊ መስርሕ ክሓልፉ ወይ ናብተን ቅድሚ ሕጂ ዝሃደሙለን ሃገራት ክምለሱ ጸቕጢ ክገጥሞም ከም ዝኽእል ድማ መጕቱ።
እዚ እማመ ዝስዕብ ዘሎ፡ እተን ሓሙሽተ ሃገራት ኣብ መስከረም ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ማእከላት መመለሲ ስደተኛታት ንምቛም ዘተ ድሕሪ ምክያደን እዩ።
ደገፍቲ እዚ መደብ፡ እተን ማእከላት ኵሉ ሕቶ ዑቝባኦም ዝወድኡን ደጊም ኣብ ኤውሮጳ ናይ ምጽናሕ ሕጋዊ መሰል ዘይብሎምን ውልቀሰባት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ንምቅላል ዝዓለማ ምዃነን ይገልጹ።
እዚ ስጕምቲ ዝውሰድ ዘሎ፡ ተጣበቕቲ ጕጅለታት ቀጻሊ ስክፍታታት ሕጋውን ሰብኣዊን መሰላት እናልዓሉ ክነሶም፡ ባይቶ ኤውሮጳ ኣብ ሰነ፡ ኣባል ሃገራት ካብ ሃገረን ወጻኢ ንዝቘማ መሳለጥያታት ስደተኛታት ስምምዓት ክገብራ ዘፍቅድ ሕጊ ድሕሪ ምጽዳቑ እዩ።
ዩ-ኤስ-ሲ-ኣር-ኣይ ኣብ ልዕሊ ቅድሚ ሕጂ ምስ ሩዋንዳ ዝተገብሩ ስምምዓት ዝቐረቡ ነቐፌታታት እውን ጠቒሱ ኣሎ። ብሪጣንያ ንሓተትቲ ዑቝባ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስግጋር መደባ፡ ድሕሪ ሕጋውን ፖለቲካውን ብድሆታትን ተቓውሞ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ 2024 ደው ኣቢላቶ እያ።
ጕጅለ ሓሙሽተ እቲ ፕሮጀክት እናማዕበለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ምስ ላዕለዋይ ኮምሽነር ጕዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)ን ኣህጉራዊ ትካል ስደትን (IOM)ን ብሓባር ይሰርሓ ምህላወን ገሊጸን።
ክልቲኦም ትካላት ዝዀነ ይዅን ስምምዕ ስደት ንዓለምለኻዊ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ከኽብርን መሰላትን ክብርን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቝባን ከውሕስን ከም ዘለዎ ኣስሚሮምሉ።