ሓይልታት ትግራይ መዓርፎ ነፈርታት ተቘጻጺሩ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኵሉ በረራታት ደው ኣቢሉ

ምንጪ ስእሊ, Geez media
ሓይልታት ትግራይ ሎሚ ረፋድ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከባ መዓርፊ ነፈርቲ ምቍጽጻሮም ድሕሪ ምሕባሩ፡ ናብታ ክልል ዝግበር ኵሉ በረራታት ድው ከም ዝበለ ተሓቢሩ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝግበረ በረራታት "ንግዚኡ ምቍራጹ" ኣፍሊጡ።
ህወሓት ነቲ ብፈደራላዊ መንግስቲ ብበይናዊ ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ስልጣን ብምእላይ ንምምሕዳር እታ ክልል ድሕሪ ምቍጽጻሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብታ ክልል ወጥሪ ሰፊኑ ጸኒሑ'ዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብታ ክልል ኣብ ዝተፈለለያ እዋናት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት መጥቃዕትታት ድሮን ክፍጸም ጸኒሑ'ዩ።
ምቍራጽ እዚ በረራታት፡ ዕጡቓት ትግራይ ነቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ድሕሪ ምቍጸጻሮም'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝተፈላለየ ድሌትን ኣረኣእያን ዘለዎም ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ነቲ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ብምውዳቕ "ንዅሉ ዝሓቘፈ መሰጋገሪ መንግስቲ" ንምምስራት ብዝብል ዕላማ፡ "ምሕዝነት ንህልውና" ዝተባህለ ጥምረት ምምስራቶም ይዝከር።
እቲ ጥምረት፡ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ (ኣፋብን)፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ (ኦላ)፡ ብሄራዊ ግንባር ናጽነት ኦጋዴን (ኦብነግ)፡ ሰውራዊ ግንባር ብሄራዊ ሓድነት ዓፋር (ኡጉጉሞ)፡ ምንቅስቓስ ናጽነት ህዝብታት ቤኒሻንጉልን ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉሙዝን ብኣባልነት ዝሓቘፈ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
ጥምረት ናይዞም ሓይልታት ነቲ ድሮ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ክጐሃሃር ዝጸንሐ ወጥሪ ከብእሶ ከም ዝኽእል ስክፍታታት ክናፈሱ ጸኒሖም'ዮም።
እዚ ወጥሪ እዚ ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምንጭታት፡ ሓልታት ትግራይ ሎሚ ረቡዕ ረፋድ ንመዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ከም ዝተቘጻፈርዎ ገሊጾም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ሰለስተ ከተማታት ትግራይ (መቐለ፡ ሽረን ኣኽሱምን) ከካይዶም ዝጸንሐ በረራታት ካብ ሎሚ ረቡዕ 23 መስከረም 2026 (13 መስከረም 2019) ከም ዘቋረጸ ኣፍሊጡ።
እቲ መንገዲ ኣየር ነቲ በረራ ዘቋረጸሉ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብቲ ክልል "ብዘሎ ወቕታዊ ኵነታት" ኪኖ ምባል፡ እቲ ቀንዲ በረራ ደው ከብል ዝቐሰቦ ምኽንያት ብንጹር ኣየቐመጠን።
ናብ መቐለ፡ ኣኽሱምን ሽረን ዝግበሩ ኵሎም በረራታት ሎሚ ረፋድ ከም ዝተሰረዙ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።
እቲ መንገዲ ኣየር ብወገኑ፡ ናብተን ሰለስተ ከተማታት ዝግበሩ በረራታት ከም ዘቋረጸ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እኳ እንተ ኣፍለጠ፡ እቲ በረራታት መዓስ ከም ዝጅምር ግን ኣይገለጸን።
መራሕቲ ህወሓት ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ናይ ምውዳቕ ዕላማ ከም ዘለዎም ብተደጋጋሚ ምግላጾም ስዒቡ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ዘነጻጸረ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ድሮን ክፍጽም ጸኒሑ እዩ።
ትማሊ ሰሉስ'ውን ኣብ ትግራይ ከባቢ ከተማ ኣላማጣ ብዝተኻየደ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ድሮንን ነፈርትን፡ እንተ ወሓደ 14 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ካልኦት ሓያሎ ድማ ከም ዝቘሰሉን ከንቲባ እታ ከተማ ኣቶ ሞገስ ሽፈራው ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ከንቲባ ኣብቲ መጥቃዕቲ "እቶም እተቐትሉ ኵሎም ሰላማውያን ሰባት" ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ዕጡቓት ይዅን ኣብ ኣጽዋር ዝበጽሐ መጕዳእቲ ከም ዘየሎ ኣረዲኡ።
እንተዀነ፡ ቢቢሲ ትግርኛ ዘዘራረቦም ሰለስተ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ካብቶም መጕዳእቲ ዝበጽሖም ወገናት ብዙሓት ዕጡቓት ከም ዝረኣዩ ሓቢሮም።
እቲ መጥቃዕቲ ብቐንዱ ኣብተን 'መለስ ዜናዊ'ን 'ኢያሱ በርሀ'ን ዝተባህላ ኣብያተ-ትምህርቲ ከም ዝተፈጸመ እቶም ነበርትን ከንቲባ እታ ከተማን ኣረዲኦም።
ኣብተን ክልተ ኣብያተ-ትምህርትን ከባቢአንን ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ትማሊ ካብ ንግሆ ኣትሒዙ ክሳብ ቀትሪ ኣብ ዝተፈላለየ ሰዓታት እንተ ወሓደ ካብ 10 ዘይውሕድ ደብዳብ ድሮን ከም ዝተፈጸመን ቢቢሲ ካብ ነበርቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሙ በረራታት ነፈርቲ እኳ እንተ ቀጸለ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጥሪ ንሒደት መዓልታት ተቛሪጹ ነይሩ እዩ።





















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
