ኣመሪካ፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ስደተኛታት ዝወጸ ሓድሽ ትእዛዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣመሪካ፡ ብግዝያዊ መሰል ዑቕባ ዝነብሩ ዘለዉ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም ስደተኛታት፡ ዝምልከት ሓድሽ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።
ምኒስተር ድሕነት ውሽጢ ሃገር ኣመሪካ ማርክ ወይን ሙለን፡ ኣብታ ሃገር ግዝያዊ መሰል-ዑቕባ ዝተዋህቦም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ካብ ክልቲኡ ሓደኡ ኣማራፂ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ፤ ቀዋሚ መንበሪ ንምርካብ ከመልክቱ ወይ ድማ ናብ ዓዶም ክምለሱ።
እቲ በዓል ስልጣን ዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ ድሕሪ'ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ዝሃቦ ውሳነ እዩ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ወድዓዊ ኵነታት፡ ግዝያዊ ሓለዋ ዝተዋህቦም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ [ብዙሓት ደቂ ሀይቲን ሶርያውያንን ዝርከቡዎም] ስደተኛታት ሕጋዊ ሓለዋ ከብቅዕ ዝወሰዶ ውሳነ ኣጽዲቑ።
ኣብ ኣመሪካ ልዕሊ 350 ሽሕ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ ኲናት፣ ሰብኣዊ ቅልውላውን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ሃዲሞም ግዝያዊ ከለላ ወይ ፒቲኤስ ተዋሂብዎም ኣሎ።
ብመሰረት እዚ መስርሕ፡ ኣብ ኣመሪካ ክሳብ 5 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ግዝያዊ ዑቕባ ተዋሂብዎም ዘሎ ዀይኑ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት በዚ መስርሕ ኣብታ ሃገር ከምዝነብሩ ምፍላጥ ኣይተኽኣለን።
ክፍሊ ጉዳያት ውሽጢ-ዓዲ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ ነቲ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሐ ግዝያዊ መሰል ዕቝባ ንኢትዮጵያውያን ከብቅዕ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ነይሩ።
ኣብ ውሽጢ 60 መዓልቲ ካብ ሃገር ክወጹ ኣዚዙ ምንባሩ'ውን ይዝከር።
እንተዀነ፡ ይግባይ ዝቐረበሉ፡ ኣብ ቦስተን ዝርከብ ፈደራላዊ ዳኛ፡ ነቲ ውሳነ ከይትግበር ዓጊትዎ።
ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሀይቲን ሶርያን ተመሳሳሊ ጉዳይ ዝምልከት ዝነበረ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ግን፡ ኣብያተ ፍርዲ ንውሳነ ምምሕዳር ትራምፕ ክዓግቱ ከምዘይክእሉ ዝሓለፈ ሰሙን ወሲኑ ኣሎ።
እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ንእገዳ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ዝምልከት ምዃኑ ሓደ ጠበቓ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እዚ መስርሕ ክፍሊ ድሕነት ሃገር ኣብ ኣመሪካ ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን'ውን ዝምልከት ከምዝዀነ'ውን ይግመት።
ሙለን፡ "መመልከቲ ብምቕራብ ቀዋሚ መንበሪ ክትረኽቡ ክትፍትኑ ኣለኩም። እንተ ዘይኰይኑ ናብ ሃገርኩም ክትምለሱ ክንሕግዘኩም ኢና" ክብል ነቶም ስደተኛታት ኣጠንቂቑ።
"ግዝያዊ ዑቕባ ቀዋሚ መንበሪ ስለዘይኰነ፡ ናይ ነፋሪት መጓዓዝያ ትኬትን፡ ንመትከል እግሪ ዝኸውን 2100 ዶላርን ከነቕርበልኩም ኢና" ክብል መንግስቲ ኣመሪካ ዝህቦ ደገፍ ኣፍሊጡ።
ፈደራላዊ ሕጊ ኣመሪካ፡ መንግስቲ ብኲናት፡ ብሕማም ወይ ካልእ ኵነታት ንዝሃደሙ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ስደተኛታት ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ ክህብ የፍቅድ።
እቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ 2015 ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን ዑቕባ ዝተዋህቦም እዮም።
ምምሕዳር ባይደን፡ እዚ መሰል ዑቕባ ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ፍቓድ ስራሕ ክረኽቡ ዘኽእሎም ሓለዋ ብቐንዱ ምስ ኲናት ትግራይ ዝተኣሳሰረ እዩ ነይሩ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ሕጋዊ ከለላ ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ክጸንሕ ተሓሲቡ ነይሩ፤ ግዜኡ ምስ ኣኸለ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ጸጥታዊ ስክፍታታት ብምጥቃስ ንተወሳኺ 18 ኣዋርሕ ተናዊሑ።
እዚ ኣብ መጀመርታ ታሕሳስ ምስ ተወድአ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጽኑዕ ስጕምቲ ክወስድ ዝጸንሐ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ነቲ መሰል ከየናውሖ ወሲኑ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
