ትግራይ፡ ኣዋጅ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክስረዝ ሕቶ ቀሪቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ሰብመዚ ትግራይ ዘጽደቕዎ ንዜጋታት ብግዲ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘእቱን ንተቓወምቲ ድማ ከቢድ መቕጻዕቲ ዝውስንን ሓድሽ ኣዋጅ ክስርዝዎ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ጸዊዑ።
እቲ ብሰሉስ 23 ሰነ በቲ ትካል ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዘመልከቶ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ነዚ ኣዋጅ ዘውጽአ፡ ኣብ መጀመርታ ሰነ 2026 ነቲ ብፈደራል መንግስቲ ዝድገፍን ዕድመ ስልጣኑ ዝተናውሓሉን ግዝያዊ ምምሕዳር ድሕሪ ምእላዩን፣ ምስ ናይ ኤርትራ ተመሳሳልነት ዘለዎ ኣገባብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ጽዑቕ ወተሃደራዊ ምልመላን ድሕሪ ምጅማሩን እዩ።
"ተጋሩ ገና ካብ በሰላታት እቲ ኣዕናዊ ኲናት ክልተ ዓመት ኣየሕወዩን ዘለዉ፡" ክትብል ዝገለጸት ኣብ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች ምክትል ዳይረክተር ኣፍሪቃ ዝዀነት ላቲሽያ ባደር፡ "ሰበስልጣን እቲ ክልል ነቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥረት ንምፍታሕ፡ ንሲቪላውያን ብግዲ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብምእታውን ነዚ ተግባር ንዝነቕፉ ብምቕጻዕን ክኸውን የብሉን፡" ኢላ።
እቲ ንዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሱ ስልጣን እታ ክልል ብሓይሊ ዝመንዝዐ ህወሓት ዝመርሖ ቤት ምኽሪን መንግስትን ትግራይ ነዚ ንድፊ ኣዋጅ ወተሃደራዊ ክተትን ጻውዒትን ዘጽደቐሉ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ዘንጸላሉ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣት ንምምካት ከም ዝዀነ እዩ ዝገልጽ።
ህወሓት ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብ5 ግንቦት 2026 ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ በጀት እቲ ክልልን መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስትን ብምኽላእ፡ ከምኡ'ውን ዕድመ ስልጣን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ፕረዚደንቱን በይናዊ ብዝዀነ መንገዲ ብምንዋሕ ንሓድሽ ዕጥቃዊ ግጭት ይለዓዓል ኣሎ ክብል ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።
በዚ ምኽንያት፡ እቲ ኣዋጅ ድሕነት ክልል ትግራይን ህዝቡን ንምሕላው፡ "ጥዕናኦምን ዕድመኦምን ዝፈቕደሎም" ዜጋታት ግዴታኦም ክዋጽኡ ዝዓለመ ምዃኑን፣ እዚ ድማ ናይ ህላወ ጕዳይ ምዃኑን ብወገን ትግራይ ዝወሃብ መርትዖ እዩ።
ይዅን እምበር፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እቲ ሓድሽ ኣዋጅ "ዘይንጹርን ንተመዝማዝነት ክፉት ዝዀነ ሰፊሕ ትርጕም ዝህብን" ቋንቋ ዝተጠቕመ ምዃኑ ብምግላጽ ብትሪ ነቒፉ።
ብመሰረት ጸብጻብ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ሰበስልጣንን ሓይልታት ጸጥታን ትግራይ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ንዝዀኑ ናብ ኣሃዱታቶም ክምለሱ ይእዝዙ ከም ዘለዉን፡ ገዛ ገዛ እናዞሩ ድማ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ዜጋታት ብግዲ ይምልምሉ ከም ዘለዉን እቲ ትካል ሓቢሩ።
ካብቲ ወተሃደራዊ ምልመላ ንዘምልጡ መንእሰያት፡ ስድራቤቶምን ደቆምን ብሓይልታት ጸጥታ ይቕጽዑ ከም ዘለዉ፣ በዚ ዝተረበሹ ዜጋታት ድማ ነቲ ግዱድ ምልመላን ስግኣት ሓድሽ ኲናትን ብምፍራሕ ካብቲ ክልል ይሃድሙ ከም ዘለዉ እቲ ጸብጻብ የረድእ።
ቢቢሲ ትግርኛ እውን ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነዚ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ግፋን ማእሰርትን ዝምልከት ጸብጻብ ዘርጊሑ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ብመሰረት እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዝረኣዮ ኣዋጅ፡ ስትራተጂያዊ ናውቲ ምክልኻል ንዘበላሹ፡ ንሰላምን ጸጥታን ትግራይ ኣብ ሓደጋ ንዘውድቕ፡ ምስ ጸላኢ ንዝተሓባበር ወይ ንሓድነትን ግዝኣትን ትግራይ ንዘፍርስ - ዜግነቱ ብዘየገድስ - ብሞት ይቕጻዕ። በዚ ድማ እቲ ትካል መቕጻዕቲ ሞት ብዝዀነ ይዅን ኵነታት ከም ዝቃወሞ ኣዘኻኺሩ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ኣዋጅ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ክተት ንዝነቕፉን ተቓውሞ ንዘለዓዕሉን ክሳብ 25 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ይውስን። ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንዝሃድሙ ወይ ጻውዒት ንዘየኽብሩ ወይ ድማ ንኽሃድሙ ዝተሓባበሩ ... ክሳብ 50,000 ብር ኢትዮጵያ (ኣስታት 315 ዶላር ኣመሪካ) መቕጻዕቲ የንብር።
እዚ ኸኣ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ናጻ ማዕከናት ዜና ጸቕጢ ኣብ ዝገብረሉን፡ "ኣጀንዳ ጸላኢ ንዘሰጕማ" ማዕከናት ዜና 'ዜሮ ተጻዋርነት' ከም ዘለዎ ኣብ ዘፍለጠሉን እዋን እዩ ዝኽሰት ዘሎ።
ኵነታት ትግራይ፡ ብፍላይ ካብ 2024 ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ምፍንጫል ስዒቡ፡ ነቲ ክልል ናብ ክልተ ዓበይቲ ጕጅለታት ተመቓቒሉን ፖለቲካዊን ጸጥታውን ዘይምርግጋእ ፈጢሩን ጸኒሑ እዩ።
ትካል ሰብኣዊ መሰላት -ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መደምደምታ ጸብጻቡ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ትግራይ ጸቕጢ ብምግባር፡ ነቲ ናይ ግዲ ወተሃደራዊ ምልመላ ደው ከብሉን ነቲ ኣዋጅ ክስርዙዎን ጻውዒት ኣቕሪቡ።
እቲ ንትግበራ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ (ምፍታሕ ዕጥቅን ሓለዋ ሲቪላውያንን ሓዊሱ) ክከታተል ዝቘመ መካኒዝም ሕብረት ኣፍሪቃ እውን፡ ነዚ ጕዳይ ብህጹጽ መርሚሩ ብግህዶ ጸብጻብ ከቕርብ ተማሕጺኑ ኣሎ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
