እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብይ ኣሕመድ ኣተዓራቒ ግጭት ሱዳን ክኸውን ይኽእል ድዩ?
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ንኣርባዕተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ደው ንምባል፡ ኵሎም ተናሓናሕቲ ሓይልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደ መኣዲ ዘተ ክቕመጡ ወግዓዊ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
እዚ ጻውዒት`ዚ ብዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕን ደንበ ተቓውሞን ንእለቱ ክቕበል እንከሎ፡ እቲ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝመደበሩ መንግስቲ ሰራዊት ሱዳን ግን ንኢትዮጵያ ከም ተጻባኢት ሓይሊ ብምቝጻር ብትሪ ነጺግዎ ይርከብ።
እዚ ተበግሶ ዝቐርብ ዘሎ፡ ክልተአን ሃገራት ኣብ ከቢድ ናይ ድሮናት መጥቃዕቲ ክስን ዲፕሎማስያዊ ምፍጣጥን ኣብ ዝተሸመማሉ፡ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ንባዕላ ብሓያሎ ውሽጣዊ ውግኣት ኣብ እትሕመሰሉ ዘላ ህሞት እዩ።
ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ግብጽን ሶማልያን ዝተመስረተ ሓድሽ ዲፕሎማስያውን ጸጥታውን ምሕዝነት፡ ንኣዲስ ኣበባ ኣብ ከቢድ ዞባዊ ተነጽሎ ከየእትዋ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ኲናት ሱዳን እናበኣሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ከኣ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ንገዛእ-ርእሱ ከም ዞባዊ መፍትሒ ጸገማት ገይሩ ንምቕራብን ነቲ ተነጽሎ ንምስባርን ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ይግለጽ።
ነዚ ተበግሶ ስዒቡ፡ እቲ ብዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝምራሕ ተናሓናሒ መንግስትን 'ታሲስ' ዝተባህለ ፖለቲካዊ-ወተሃደራዊ ኪዳንን፡ ነቲ ጻውዒት ብሓጐስ ተቐቢሎሞ ኣለዉ።
እቲ ኪዳን ብወሃቢ-ቓሉ ኣሕመድ ቱጎድ ሊሳን ኣቢሉ ከም ዘረጋገጾ፡ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢጋድን ሊግ ዓረብን ዝቘመ ሓሙሽተኣዊ ኣካል ብዝቐረበሉ ዕድመ መሰረት፡ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ መድረኽ ዘተ ንምስታፍ ላዕለዋይ ልኡኹ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኢኹ ኣሎ።
መጥቃዕትታት ድሮናትን ዝተበትከ ምትእምማንን
መንግስቲ ሱዳን ነቲ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝቐረበ ጻውዒት ብወግዒ ዝነጸገ ኰይኑ፡ ብ25 ሕዳር 2026 ብመንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር (ሱና) ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኢትዮጵያ ነዚ ዘተ ንምእንጋድ ኰነ ንምጥጣሕ ዘድሊ ናይ ገለልተኛነት ረቛሒታት ኣየማልአትን፡" ክብል ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ልዑላውነት ሱዳን ምኽባርን ገለልተኛ ምዃንን ዘይዕጸፉ ቅድመ-ኵነታት ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ካልኦት ኣህጉራውያን መሻርኽትን ንኢትዮጵያ ካብ ዝዀነ ይዅን ምስዚ ዘተ ዝተተሓሓዘ ኣተኣናጋድነት ከግልልዋ ጸዊዑ ኣሎ።
ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ልዑላዊ ባይቶ ሱዳን፡ ንኢትዮጵያ ከም ሻራ ኣልቦ ሸምጋሊት ዘይኰነስ፡ ንዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ብቐጥታ እትድግፍ ወተሃደራዊ መሻርኽቲ ገይሩ እዩ ዝኸሳ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ ጸብጻብ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ መዓርፎ ነፈርቲ ባህርዳርን ኣሶሳን ተጠቒሞም፡ ኣብ ልዕሊ ካርቱምን ከባቢኣን መጥቃዕቲ ድሮናት ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣእትዩ ኣቕሪቡ እዩ።
ኣብ መንጎ ለካቲትን ጥቅምትን 2026 ጥራይ ልዕሊ 187 ድሮናት ካብ መሬት ኢትዮጵያ ተበጊሰን ዶብ ሱዳን ከም ዝጠሓሳን ብውሕዱ ናይ 484 ሰላማውያን ሰባት ህይወት ከም ዘጥፍኣን ፖርት ሱዳን ትገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝምወልን ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ዘሰልጥንን ምስጢራዊ መዓስከር ከም ዝተሃንጸ ጸብጻባት ሮይተርስ ኣቃሊዖም ነይሮም።
እዚ ወጥሪ'ዚ ድማ ክልተአን ሃገራት ንዲፕሎማሰኛታተን ካብ ኣሶሳን ገዳርፍን ብተደጋጋሚ ክሳብ ምብራር ኣብጺሕወን እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ነዚ ክስታት ብተደጋጋሚ እናነጸገ፡ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሱዳን ከም ዘኽብር ይገልጽ።
ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወግዓዊ መግለጺታታ፡ እቲ ተበግሶ ካብ ሓቀኛ ሕውነታዊ ሓልዮትን "ናይ ኣፍሪቃ ጸገማት ብኣፍሪቃውያን ናይ ምፍታሕ" መትከልን ዝነቐለ ደኣ'ምበር፡ ዝዀነ ይዅን ሕቡእ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዘይብሉ ምዃኑ ተስምረሉ።
እንተዀነ፡ ኢትዮጵያ'ውን ብግደኣ ንሰራዊት ሱዳን ካብ ምኽሳስ ዓዲ ኣይወዓለትን።
ኣዲስ ኣበባ፡ ገለ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ነቶም ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ኢትዮጵያ ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዘለዉ ሓይልታት ዕቚባን መተሓላለፍን ከም ዝሃቡ ትኸስስ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ግብጺ ምስ ህንጸት ዓቢ ግድብ ህዳሰ ብዝተተሓሓዘ ዘለዋ ሓዲሩ ዝወዓለ ምስሕሓብ፡ ንሰራዊት ሱዳን ብምድጋፍ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣር ትጥቀመሉ ኣላ ዝብል ስግኣት`ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰፊኑ ይርከብ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ 2019 ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኣል-በሽር፡ ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ባይቶን ስቪላውያን ሓይልታትን ስምምዕ ንኽግበር ኢትዮጵያ ዝተጻወተቶ ናይ ሽምግልና ተራ ከም ዓቢ ኣብነት ኣልዒልዎ።
እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ እቲ ግዜን ናይ ሕጅን ኵነታት ንምምዕዳዉ ዘጸግም ፍልልይ ኣሎ።
ኣብ 2019 ኣብይ ኣሕመድ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዝነበረሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ውግእ ዘይተባርዓሉ፡ ከምኡ'ውን ጀነራል ቡርሃንን መራሒ ዳዕመ-ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ብሓባር ኰይኖም ብምሉእ ልቦም ዝተኣማመንሉ ባይታ ነይሩ።
ሎሚ ግን፡ እቶም ክልተ ጀነራላት ሓደ ነቲ ካልእ ናይ ምጥፋእ ደማዊ ኲናት የካይዱ ኣለዉ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ኢትዮጵያ ባዕላ ብሰራዊት ሱዳን ከም ተሓባባሪት ዳዕመ-ሰሪዕ ተወሲዳ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተኸሳሲት ኣብ ዝዀነትሉ መድረኽ፡ እቲ ናይ 2019 ናይ ገለልተኛነት ተመኵሮ ዳግማይ ክድገም ዘይከኣል ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።
'ኣብ ዓይንኻ ዘሎ በሰር. . .'
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሱዳን ዕርቂ ንምውራድ ዘለዎ ተበግሶ ብዓቢዩ ተቐባልነት ክስእነሉ ዝኽእል ሳልሳይ ረቛሒ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዘሎ ደማዊ ውግእ እዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ 'ምሕዝነት ንህልውና' ዝተባህለ ሓድሽ ኪዳን ዝመስረቱ ሸውዓተ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ኢትዮጵያ ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ኲናት የካይዱ ኣለዉ።
ካብ 23 መስከረም 2026 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ዕጡቓት ህወሓትን ዳግማይ ቅሉዕ ኲናት ተወሊዑ ኣብ ዘለወሉ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝካየድ ዘሎ ውግእ እውን ብሰላማዊ ዘተ ክፍታሕ ኣይከኣለን።
እቲ ዝዓበየ ተጻራሪ ነገር ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሃገራ ንዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት ንምምካት መጥቃዕቲ ድሮናት ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን፡ ብተመሳሳሊ ድሮናት ተጠቒማ ኣብ ልዕሊ ሱዳን መጥቃዕቲ ትፍጽም ኣላ ተባሂላ ምኽሳሳ እዩ።
ብተወሳኺ፡ እዚ ዘይህዱእ ውሽጣዊ ኵነታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ኲናት ሱዳን ሃዲሞም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ኩመርን ኣውላላን ዝተዓቚቡ ኣሽሓት ሱዳናውያን ስደተኛታት ከቢድ ሓደጋ ጸጥታ ኣስዒቡ ይርከብ።
እቶም ስደተኛታት ብሰንኪ ዕጡቓት ጕጅለታትን ዕሉላት ሸፋቱን ዘጋጠሞም መጥቃዕትታትን ጭውያታትን፡ ካብቲ መዓስከራት ወጺኦም ሰላማዊ ሰልፊ ክሳብ ምግባር በጺሖም ነይሮም።
እዚ ድማ፡ 'ኢትዮጵያ ንሱዳናውያን ስደተኛታት ውሑስ መዕቈቢ ክትከውን ኣብ ዘይከኣለትሉ፡ ከመይ ገይራ ናይ ሰላም መኣዲ ተዳልወሎም?' ዝብል ሕቶ ከልዕል ይኽእል እዩ።
እዚ ጻውዒት ሰላም ባይታ ኣለዎዶ?
ሓደ ኣካል ኣተዓራቒ ኰይኑ ንኽዓዪ፡ ካብ ኵሎም ተጻባእቲ ወገናት ፍጹም ምትእምማንን ገለልተኛነትን ክህልዎ ግድን እዩ።
ኣብዚ ዘለናሉ ህሞት ግን፡ እቲ ሓደ ወገን ዝዀነ ሰራዊት ሱዳን ንኣዲስ ኣበባ ከም ቀጥታዊ መሻርኽቲ ጸላኢኡ ገይሩ ስለ ዝርእያ፡ ናብቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ዘዳለዎ መኣዲ ዘተ ናይ ምቕራብ ዕድሉ ዳርጋ ውሑድ እዩ።
ብኻልእ ወገን፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ምፍጣጥን ስእነት ሰላምን፡ ነቲ ናይ ኣተዓራቕነት ተበግሶ ኣህጉራዊ ድጋፍ ከም ዝስእን ይገብሮ።
ስለዚ፡ እዚ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣብይ ዝቐረበ ተበግሶ ኣብ ወረቐት "ሓቛፍን ሰላማውን" ዝመስል እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ናይ ድሮናት ክስን ዶባዊ ምስሕሓብን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ክልተአን ሃገራት ሰፊኑ ዘሎ ናይ ውክልና ኲናትን ውሽጣዊ ቅልውላውን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ እዋን'ዚ ተቐባልነት ዘለዎ ኣተዓራቒ ኲናት ሱዳን ክኸውን ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ተንተንቲ ይሰማምዑ።