እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክታበት መንሽሮ ኣፍደገ-ማህጸን ንመን'ዩ ዝውሃብ? ንኹሉኸ ከበጽሕ ድዩ?
ተመራመርቲ ክታበት ኤችፒቪ ንመንሽሮ ኣፍደገ-ማህጸን ብ90 ሚኢታዊት ከጉድሎ ከምዝኽእል'ዮም ዝሕብሩ ዘለዉ።
መንሽሮ ክሳድ ማህጸን፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ራብዓይ ብብዝሒ ዝርአ ዓይነት መንሽሮ ዀይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከኣ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰብ ይቐትል።
እቲ ክታበት ብኸመይ'ዩ ንመንሽሮ ዝከላኸል?
ክታበት ኤቸፒቪ ንትሽዓት ዓይነታት ቫይረሳት ኤችፒቪ'ዩ ዝከላኸል።
ክልተ ካብኦም ከኣ ቀንዲ ጠንቒ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን፡ መንሽሮ መሃንቱስ፡ መንሽሮ ፍረ ነብሲ፡ መንሽሮ ክሳድን ርእሰን እዮም።
ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኸኣ እዚ ክታበት እዚ ብውሕዱ ን10 ዓመታት ብኤችፒቪ ዝስዕብ መንሽሮታት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎ'ዮም ተመራመርቲ ዝሕብሩ።
እቲ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ልዕሊኡ ክኸውን ከምዝኽእል'ውን ናብ ሓቒ ዝቐረብ ግምታት ኣሎ።
ብውሕዱ ኸኣ ንመልኸፍቲ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ብ90 ምኢታት ናይ ምጉዳል ተኽእሎ ኣለዎ።
ክታበት ኤችፒቪ ንመን'ዩ ዝውሃብ?
ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ መብዛሕትአን እዘን ነዚ ክታበት ተቐቢለነኦ ዘለዋ ሃገራት ዕድሚኦም ካብ 9 ክሳብ 14 ዓመት ንዝዀኑ ህጻናት'ዩ ቀዳምነት ክውሃብ።
እቲ ክታበት ዝበለጸ ዝሰርሕ ኣዋልድን ኣወዳትን ቅድሚ ብኤችፒቪ ምልካፎም እንተተኸቲቦም'ዩ።
እቲ ምኽንያቱ ከኣ እቲ ክታበት ብኤችፒቪ ከይትልከፍ'ዩ ዝኸላኸለልካ'ምበር እቲ ቫይረስ ሓንሳብ ናብ ኣካላትካ ምስ ኣተወ ናይ ምጥፍኡ ዓቕሚ የብሉን።
እቲ ቫይረስ ኣብ ኣካላት ሰብ ምስ ኣተወ ቀልጡፍ ስለዘስፋሕፍሕ፡ እቶም ህጻናት ጾታዊ ርክብ ምግባር ቅድሚ ምጅማሮም ነዚ ቫይረስ ናይ ምክልኻል ዓቕሚም ንምብራኽ ተባሂሉ ንዕኦም ቅድም ክውሃብ ተዓሊሙ ከምዝተወሰነ'ዩ ዝግለጽ።
እቲ ክታበት ብሓደ ወይ ክልተ መጠን መድሃኒት [ብልቃት ወይ ዶዝ] ክወሃብ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
ድኹም ስርዓት ምክልኻል ዘለዎም ሰባት ግን ክልተ ወይ ሰለስተ መጠን መድሃኒት ክውሃቦም ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኤችፒቪ እንታይ'ዩ?
ኤችፒቪ- ናይ human papillomavirus ኣሕጽሮተ ቓል ዀይኑ፡ ንኣዝዮም ልሙዳት ዝዀኑ ሓያለ ጉጅለታት ቫይረስ ዝተውሃበ ስም'ዩ።
ብሓፈሻ ኸኣ ልዕሊ 100 ዝዀኑ ዝተፈላለሰያ ዓይነታት ኤችፒቪን ኣለዉ።
መዛሕትኡ በዞም ቫይረሳት ዝመጽእ መልከፍቲ ከኣ ኣብ መጀመርታ ዝዀነ ምልክት ኣየርእን'ዩ፡ ገለ ገለ ካብኦም ግን ኣብ ቆርበትና ጡብ ኣድጊ ከምዝወጽኣና ይገብሩ'ዮም።
እቲ ጡብ ኣድጊ ከኣ ኣብ ኢድና፡ እግርና፡ ፍረነብስና ሓደ ሓደ ግዜ'ውን ኣብ መልሓስና ክወጽኣና ይኽእል'ዩ።
መብዛሕትኦም ሰባት በዚ ቫይረስ እዚ ከምዝተለኸፉ ከይተረድኦምን ናብ ሕክምና ከይከዱን ክሓውዩ ይኽእሉ'ዮም።
እቲ ቫይረስ ኣዝዩ ምስ ዝብርትዕ ግን፡ ኣብ ኣካላትና ዘይንቡር ምብዛሕ ናይ ውሃዮታት ብምስዓብ፡ ናብ መንሽሮ ክምዕብል ተኽእሎ ኣሎ።
ኤችፒቪ ብጾታዊ ርክብ ድዩ ዝመሓላለፍ?
ብኣዝዩ ቀሊል ነገር ዝብገስ፣ ኣዝዩ ተላባዒ፣ ቆርበት ምስ ቆርበት ብምርኻብ ድማ ይላባዕ።
ክሳብ 80% ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ኣብ ክሳብ ኣብ መበል 25 ዓመት ዕድመኦም ኣብ ዘሎ እዋን ንኤችፒቪ ይቃልዑ።
ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ከኣ እቲ መከልክፍቲ ካብ 18 ኣዋርሕ ክሳብ ክልተ ዓመት ይጸንሕ።
ብቴክኒካዊ መዳይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ኣይኮነን።
ይኹን እምበር መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ብርቱ ዕ ምትንኻፍ ቆርበት ምስ ቆርበት ስለዘጋጥም፡ ሓደ ካብቶም መጻምድቲ ኤችፒቪ ምስ ዝህልዎ ናብቲ ካልኣይ ናይ ምሕላፍ ዕደል ኣለዎ።
ዝርገሐ ክታበት ኤችፒቪ ክሳብ ክንደይ ሰፊሕ እዩ?
ካብቲ ብሰንኪ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ዝጋጠም ሞት እቲ ልዕሊ 85 ሚኢታዊት ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ከምዘጋጥም ኣብ ቀረባ እዋን ብብሪጣንያ ሜዲካል ጆርናል ዝተገብረ መጽናዕቲ ይሕብር።
ኣብዘን ሃገራት መብዛሕትኡ ግዜ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ክሳብ ማዕቢሉ ምልክታት ዘርኢ፡ ብሰንኪ ቁጠባዊ ሕጽረታት ስሩዕ ቅድመ መርመራታት ስለዘይግበር ኣይፍለጥን'ዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሸፈነ ክታበት ኤችፒቪ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ 90 ምኢታዊት ብምብጻሕ "ኣብ ውሽጢ ዝቕጽል ክፍለ ዘመን" ነቲ ሕማም ምሉእ ንምሉእ ንምውጋድ ዕላማ ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።
ሕጂ 165 ሃገራት ክታበት ኤችፒቪ ከምዘተኣታተዋን 31% ኣዋልድ እንተወሓደ ሓንሳብ ከምዝተኸተባን ሰነዳት ይሕብሩ።
ብሩንዲን ዩክሬንን ገለ ካብተን ድሒረን ነዚ ክታበት ዘተኣታተዋ ሃገራት እየን።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣብ ደቂ ኣንስትዩ ዘሎ ዝርገሐ ኤችፒቪ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ (24%)፡ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን (16%)፡ ምብራቕ ኤውሮጳ (14%)፡ ከምኡ'ውን ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ (14%) ከምዝዀነ ይሕብር።
እኹል ዘይኮነ መደባት መርመራ፡ ድሩት ተበጻሕነት ኣገልግሎት ሕክምናን ሰብ ንክታበት ዘለዎ ምጥርጣራት ኩሎም ነዚ ኣበርክቶ ኣለዎም።
ሩዋንዳ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ቀዳመይቲ ወፍሪ ክታበት ኤችፒቪ ዘተኣታተወት ሃገር'ያ።
ኣዋልድ ብኣግኡ ክኽተባን ደቂ ኣንስትዮ ስሩዕ መርመራ ክሳድ ማህጸን ንኽገብራ ካብ 2011 ጀሚራ ብዘይምቍራፅ ትሰርሓሉ ኣላ።
ሩዋንዳ፡ ኣብ ቀዳማይ ዓመት 90 ሚኢታዊት ካብተን ክኸተባ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኽተባ ገይራ።
በዚ ከኣ ሩዋንዳ ብብዙሓት ከም ኣርኣያ ክትውሰድ ብውድብ ጥዕና ዓለም እንከይተረፈት ተጠቂሳ።
እታ ሃገር ክሳብ መወዳእታ 2027 ኣብ ዘሎ ግዜ መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ኣብታ ሃገር ፈጺሙ ከምዘይርአ ዓሊማ ክትሰርሕ ጸኒሓን ትሰርሕ ኣላን።
እቲ ክታበት ንመንሽሮ ክሳድ ማህጸን ናይ ምምዕባል ዕድል ብዓቢኡ ዝቕንስ እኳ እንተመሰለ፡ ካብ ኩሉ ዓይነት ኤችፒቪ ግን ኣይከላኸልን እዩ።
ስለዚ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ዕድሚኤን ደቂ 25 ዓመት ምስ በጽሓ ናብ ሕክማን ብምኻድ ካብቶም ካልኦት ዓይነታት ኤችፒቪ ነጻ ምዃነን ንምርግጋጽ መርመራ ክገበራ'ዩ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝመክር።