እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ፅምብል ዓወት ፒኤስጂ ኣስታት 400 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም
ጋብሪኤል ማጋልሃስ ወሳኒት ቅላዕ ምስሓቱ ስዒቡ፡ ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን ንፍጻመ ጸወታ ዝበጽሐት ኣርሰናል፡ ዓወት ክተጠዓዕም ኣይካኣለትን።
ብፓሪስ ሴንት ጀርመን ብፍጹም ቅላዕ ተዓዊታ ንኻልኣይ ተኸታታሊ ዓመት ኣብዚ ውድድር ዋንጫ ዓቲራ ኣላ።
ብሚከል ኣርቴታ እትምራሕ ኣርሰናል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ድሕሪ 22 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ ምልዓላ ይዝከር።
ጋነርስ ኣብ ቡዳፐስት ንመዛዘሚ ጸወታ ሕልሚ ዝመልኦ ጅማሮ ገይራ ነይራ፤ ጸወታ ምስ ተጀመረ ካይ ሃቨርትዝ ድሕሪ 6 ደቓይቕ ጥራይ ሸቶ ኣመዝጊቡ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን ፒኤስጂ ነቲ ጸወታ ክቆጻጸሩ ጀሚሮም። ኣርሰናል ካብታ ብልዊስ ኤንሪከ እትምራሕ ክለብ ማዕበል መጥቃዕቲ ክበዝሓ ተርኣያ።
ኣብ ካልኣይ እብረ ደምበሌ ብዝመዝገባ ፍጹም ቅላዕ፡ ፒኤስጂ 1ን1 ማዕረ ክትከውን ክኢላ።
ፒኤስጂ ዋላ'ኳ ዓብላልነት እንተሓዘት፡ ብዙሕ ንጹር ዕድላት ክትፈጥሮም ኣይከኣለትን። ምክልኻል ኣርሰናል ብዓቢኡ ብድሆ ክኸውን ተራእዩ።
ኣርሰናል ንመብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሜዳኣ ናብ ምክልኻል ተደሪኻ ናብ ተወሳኺ ግዜ ኣምሪሐን።
ሽዑ እውን እንተዀነ፡ ዝተፈለየ ውጽኢት ኣይተመዝገበን።
ድሕሪ ኣዝዩ ወጥሪ ዝመልኦ ተወሳኺ ግዜ ድማ ፒኤስጂ 4ብ3 ብምዕዋት ንዋንጫ ሻምፕዮንስሊግ ክትዕቅብ ክኢላ።
ነታ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ብሉጽ ብቕዓት ዘርኣየት ኣርሰናል ዘሕምም ስዕረት ኰይኑ።
ኣርሰናል ኣብ መጀመርታ ፀብለልታ'ኳ ኣርእያ እንተነበረት፡ ኣብ ምጥቃዕ ግን ክትዕብልል ኣይከኣለትን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ መላእ ፈረንሳ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪን ፖሊስን ዘጋጠመ ግጭት ስዒቡ፡ ልዕሊ 416 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳይ- ፓሪስ ንኣገልግሎት ኣውቶቡሳትን ባቡርን ክቋረጽ ዘገደደ ናዕቢ ንምግታእ ኣሽሓት መኮንናት ተዋፊሮም።
ናዕበኛታት ንምብታን እውን ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም። ሓያሎ ኣባላት ፖሊስ ከምዝቖሰሉ እውን ተገሊጹ።
ጽንብል ኣርሰናል
ቅድሚ 20 ዓመት ኣርሰናል ኣብ ናይ ፈላማይ ናይ ሻምፕዮንስ ሊግ ፍጻመ ብባርሴሎና 2ብ1 ተሳዒራ ኔራ።
እዚ ናይ ትማሊ ውጽኢት ግን፡ ሻምፕዮን ንምዃን ክንድኡ ግዜ ከምዘይትጽበ ተስፋ ዘሕድር እዩ።
እዚ ውጽኢት ብዘየገድስ፡ ኣርሰናል ብሉጽ ዓመተ ስፖርት እያ ኣሕሊፋ።
ሕጂ ትኹረት ናብ ምጽንባል ዓወት ፕሪምየር ሊግ ከቕንዕ እዩ።
ኣርሰናል ሎሚ ሰንበት ብኢስሊንግተን ኣቢላ ዋንጫ ፕረምየርሊግ ክትጽንብል እያ።
እቲ ሰልፊ ጽንብል፡ ንመብዛሕትኡ ከባቢ ሃይበርይ፡ ካኖንበርይን ኣፐር ስትሪትን ክሽፍን እዩ፤ ድሕሪኡ ድማ ናብ ከባቢ ኤሚሬትስ ክምለስ እዩ።