ኣስመራ፡ መራሒ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

ሎሚ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወ ጀነራል ኣል-ቡርሃን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምርኻብ ከምዝተዘራረበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

"እዚ ምብጻሕ እዚ ኣካል ናይቲ በብጊዜኡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ዝግበር ምምኽኻር እዩ" ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ገሊጹ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ "ዞባዊን ዓለምለኻዊን ጉዳያት" ከምዝዘራረቡ'ውን እቲ ኣብ ኤክስ ዝወጸ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ኣል-ቡርሃን ትማሊ ምብራቕዊ ዞባ ሱዳን ብምኻድ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ሓይልታቱን ህዝቢን ኣተባቢዑ ምንባሩ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር የመልክት።

እቲ ሱዳናዊ መራሒ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ'ውን ናብ ኣስመራ ብምኻድ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ኲናት ሓድሕድ ሱዳንን ዞባዊ ጉዳያትን ተላዚቡ ምንባሩ ይዝከር።

ኣስመራ፡ ምትእትታው ሓይልታት ወጻኢ ደው ኢሉ፡ እቲ ደማዊን ኣዕናዊን ኲናት ኣብ መንጐ ሱዳናውያን ብዝግበር ልዝብን ብደገፍ ጐረባብቲ ሃገራትን ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝተወልዐ ግጭት ሱዳን ኣብ መንጐ ብጀነራል ኣልቡርሃንን መራሒ ሓይልታት ኣዳዕመ ኣልሰሪዕ ጀነራል ዳጋሎን ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ዝተበገሰ ምዃኑ ይፍለጥ።

ጸግዒ ኣል-ቡርሃን ከምዝወሰደ ዝንገረሉ መራሒ ኤርትራ፡ ሰራዊት ሱዳን፡ ነቲ ኲናት ናብ "በሪ ኣማን" ከብጽሖ ሓላፍነት ከምዘለዎ'ዩ ዝኣምን።

ኤርትራ ንጉዳይ ሱዳን ንምርግጋእ ከምእትሰርሕ'ኳ እንተገለጸት፡ እንታይ ዓይነት ደገፍ ትህብ ከምዘላ ግን ንጹር ኣይኮነን።

ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ኣብ ሰነ 2025 ንኤርትራን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ብምጥቃስ መጠንቀቕታ ሂቡ ምንባሩ ይዝከር።

ሕመድቲ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ኰይኑ ብቪድዮ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ዳዕመ-ኣልሰሪዕ ዘካይዶ መጥቃዕትታት ኣብ ሱዳን ጥራይ ከም ዘይድረት ብምግላጽ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ንዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲታት'ውን ከም ዘይንሕፎም ኣፈራሪሑ ነይሩ።

ዛጊት ኣብቲ ግጭት ልዕሊ 150,000 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ 12 ሚልዮን ካብ መንበሪ ኣባይቶም ተፈናቂሎም ይርከቡ።

ኣስታት 28 ሚልዮን ሰባት ከቢድ ጥምየት ኣጋጢምዎም ከምዘሎ'ውን ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት የመልክቱ።