እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ጾታዊ ኣካላት ሰሪቕኩም' - እዚ ዘሰንብድ ክሲ ስለምንታይ ንሞት ብዙሓት ሰባት ኣቃሊዑ?
ኣብ መንጎ ጥቅምቲ 2025ን ሓምለ ናይዚ ዓመትን፡ ብሰንኪ "ምስራቕ ጾታዊ ኣካላት" ዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ልዕሊ 80 ሰባት ከም ዝተቐትሉ፡ ክፍሊ ቃልሲ ኣንጻር ግጉይ ሓበሬታ ቢቢሲ ካብ ፖሊስ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
እዚ ቅትለታት'ዚ፡ "ሓደ ሰብ ንመንኵብካ እንተ ተንኪዩካ፡ ጾታዊ ኣካልካ ክሓጽር ወይ ክጠፍእ ይኽእል እዩ፡" ካብ ዝብል፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝላባዕ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ ዝመጽአ እዩ።
"ንሞት ኣዝየ ቀሪበ ነይረ"
ቦኒፌስ ምጋላ ዝተባህለ ታንዛንያዊ መካኒክ፡ ብሰንኪ እዚ ክሲ ዘጋጠሞ መሪር ተመኵሮ ንቢቢሲ ክገልጽ እንከሎ፡ "ጾታዊ ኣካላት ሰብ ሰሪቖም እናበሉ ይጭድሩ ነይሮም፤ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝነበረ ድማ ናጻ እንወጽኣሉ መንገዲ ኣይነበረን፡" ኢሉ።
ምጋላ ኣብ ምያዝያ፡ ጾታዊ ኣካላት ሰሪቕካ ብዝብል ብዝሒ ህዝቢ ክሃርሙዎ ከለዉ ዘጋጠሞ ኵነታት እዩ ዘዘንቱ።
ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎም ቪድዮታት ከም ዘርኣይዎ፡ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ጋሻ ሰብ ምስ ተታናኸፉ ጾታዊ ኣካላቶም ከም ዝጠፍአ ይገልጹ፤ ስዒቡ ድማ ዕስለ ህዝቢ ነቲ ዝተኸሰሰ ሰብ "ዝሰረቕካዮ ምለስ" እናበሉ ክቕጥቅጥዎ ይርከቡ።
እዚ ዓይነት እምነት፡ ምስ ድሕረት ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብቶም ብስራሕ ጥንቈላ ዝኣምኑ ሕብረተሰባት ዝጸንሐ እዩ። ሕጂ ግን ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቲ ፍርሒ የጋውሖ ኣሎ።
እዚ ናይ ሓሶት ወረ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ጀሚሩ፡ ናብ ቡሩንዲ፡ ዛምቢያ፡ ታንዛንያ፡ ሞዛምቢክ፡ ኣንጎላ፡ ማላዊን ኬንያን ተዘርጊሑ ይርከብ።
ምጋላ፡ በቲ ዘጋጠሞ መጥቃዕቲ ኣብ ርእሱ፡ መንከሱ ስንብራት ዝሓደገሉ ኰይኑ፡ ሓደ ስኑ እውን ረጊፉ እዩ።
ንሱ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ውነኡ ስሒቱ ክልተ መዓልቲ ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምጽናሕ ምስ ተበራበረ እዩ እቲ ምስኡ ዝነበረ ዓርኩ ከም ዝተቐተለ ዝሰምዐ።
"ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ክሳብ ክንደይ ንሞት ቀሪበ ከም ዝነበርኩ እንተ ዝፈልጥ ነይረ፡ ናብቲ ቤት መግቢ ኣይምኣተኹን፡" ይብል ምጋላ።
ተራ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋን
ኣብ ታንዛንያ ከተማ ቱንዱማ ዝነብር ሚካኤል ሲላቭወ ዝተባህለ ነጋዳይ፡ እዚ ፍርሒ እዚ ብፍላይ ብሰንኪ ኣብ ቲክቶክ ዝዘዋወሩ ቪድዮታት ይጋደድ ከም ዘሎ ይገልጽ።
ሓደ ሰብ ጾታዊ ኣካላት ሰሪቕካ ተባሂሉ ክቕጥቀጥን ብሓዊ ክቃጸልን ከሎ ከም ዝረኣየ እውን ይዛረብ።
ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣብ ቲክቶክን ፈይስቡክን ብዙሓት ሰባት ክቕጥቀጡ ዘርእዩ ቪድዮታት ይዝርግሑ ኣለዉ።
ወሃቢ-ቓል ሜታ፡ ነቲ ትሕዝቶታት ይምርምርዎ ከም ዘለዉን ንፖሊሲታቶም ዝጥሕስ ምስ ዝኸውን ስጕምቲ ክወስዱ ምዃኖምን ገሊጹ ኣሎ፤ ቲክቶክ ግን ዛጊት መልሲ ኣይሃበን።
ደራሲ ጁልየን ቦንሆም፡ "ስማርት ፎናትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን እዚ ወረታት ብቕልጡፍ ንኽላባዕ ገይሮም እዮም፡" ይብል።
ሰባት ወረ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓደ ሰብ "ጾታዊ ኣካለይ ጠፊኡ" እናበለ ክጭነቕ ከሎ ብቪድዮ ስለ ዝርእዩ፡ ነቲ ናይ ሓሶት ወረ ከም ሓቂ ክቕበልዎ ይገብሮም ክብል የረድእ።
ስጕምቲ መንግስታትን ሕክምናዊ መግለጺታትን
ካብዚ ሓደጋ'ዚ ብዝኸፈአ ዝተሃስየት ሃገረ ሞዛምቢክ እያ። ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙን 55 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ሞዛምቢክ ዳንኤል ቻፖ፡ እቲ ወረ ናይ ሓሶት ምዃኑን መንግስቲ ዝዀነ ሕክምናዊ መርትዖ ከም ዘይረኸበን ብምግላጽ ነቲ ቅትለታት ኰኒኑዎ ኣሎ።
መንግስቲ ሞዛምቢክ፡ እዚ ፍርሒ እዚ ምስ 'ኮሮ ሲንድሮም' ዝተባህለ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ክተኣሳሰር ከም ዝኽእል ይገልጽ።
እዚ ሕማም'ዚ፡ ሓደ ሰብ "ጾታዊ ኣካለይ ይጠፍእ ወይ ይሓጽር ኣሎ" ዝብል ስምዒት ጭንቀት ዝፈጥረሉ እዩ።
ኣብ ኬንያ እውን ብሰንኪ እዚ ወረ'ዚ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
ኮምሽነር ካውንቲ ሞምባሳ መሓመድ ኑር፡ ገለ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትሕዝቶታት ዘዳልዉ ብዙሕ ተዓዛቢ ንምርካብ ጥራይ ነዚ ወረታት የጋውሕዎ ከም ዘለዉ ገሊጹ።
"ከምዚ ዓይነት ግጉይ ሓበሬታ ብቐሊሉ ናብ ሞት ክመርሕ ይኽእል እዩ፡" ክብል ድማ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ማላዊ'ውን ብተመሳሳሊ ወረ ሸሞንተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።
እቲ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓነ ምጋላ፡ ሕጂ'ውን እንተዀነ እቲ ስነ-ኣእምሮዊ ቃንዛ ከም ዘይሓደጎ ይገልጽ።
"ዓርከይ ብኸንቱ ብምማቱ ክሳብ ሕጂ የሕመኒ እዩ፤ ብዘይ ዝዀነ ምኽንያት ብእምኒ ክትጭፍጨፍን ህይወትካ ክትስእንን ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ፡" ይብል።