እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ኬንያ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ነጋዶ ሓያል ስጕምቲ ክውሰድ ኣዚዙ
ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብታ ሃገር ንኣሽቱ ትካላት ንግዲ ዘንቀሳቕሱ ወጻእተኛታት ሓያል ስጕምቲ ክውሰድ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
እዚ ጽኑዕ ስጕምቲ ካብ ሰኑይ 7 መስከረም ጀሚሩ ብወግዒ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ድማ ተነጊሩ'ሎ።
እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝበለ፡ ብረቡዕ 2 መስከረም ንወከልቲ ወነንቲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ትካላት ንግዲ ኣብ ቤተመንግስቱ ኣኪቡ ኣብ ዘዘራረበሉ ኣጋጣሚ እዩ።
እቲ መንግስቲ፡ ነቶም ኣብ ንኣሽቱ ንግዲ ዝተዋፈሩ ወጻእተኛታት ትካላቶም ከም ዝዓጽዎ ብምግላጽ፡ እዚ ጽላታት እዚ ንዜጋታት ኬንያ ጥራይ ዝተሓዝአ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣረዲኡ።
ሩቶ ብፍላይ ነቶም ኣብ ጐደናታት ዝሸጡ (hawkers) ወጻእተኛታትን ወነንቲ ንኣሽቱ ድኳናትን ብምጥቃስ፡ "ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኵሎም ኣብዚ ንኣሽቱ ንግዲ ተዋፊሮም ዘለዉ ነጋዶ ክዕጸዉ ኣለዎም" ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣብ ኬንያ ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ብሩንዲን ዝርከብአን ጐረባብቲ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 3 ሚልዮን ወጻእተኛታት ከም ዝነብሩን፡ ሓያለ ድማ ኣብ ንኣሽቱን ማእከሎትን ትካላት ንግዲ ተዋፊሮም ከም ዝንቀሳቐሱን ይፍለጥ።
ኣብቲ ብብዝሒ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝነብሩሉ ከባቢታት ናይሮቢ ዕሙር ምንቅስቓስ ንግዲ ዘሎ ኰይኑ፡ እቲ ፈኸም እናበለ ክመጽእ ዝጸንሐ ስምዒታት ኬንያውያን ኣብቶም ዜጋታ ስክፍታታት ክፈጥር ከም ዝጸንሐ ይስማዕ።
ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ግን ነቲ ጕዳይ ብግህዶ ክገልጾ እንከሎ፡ "ሓደ ሰብ ካብ ቻይና ወይ ካብ ካልእ ሃገር መጺኡ፡ ኣብዚ ጐደና ዝሸይጥ ክኸውን ወይ ንእሽቶ ድኳን ክኸፍት ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ" ኢሉ።
ሩቶ፡ ንቻይናውያን ነጋዶ ብፍሉይ ዒላማ ብምግባር፡ "ከም መንግስቲ መጠን፡ ሰባት ካብ ቻይና መጺኦም ልክዕ ከምቲ ናይ ውሽጢ ሃገርና ንኣሽቱን ማእከሎትን ነጋዶና ዝሸጡዎ ፍርያት ዝሸጣ ድኳናት ክኸፍቱ ከነፍቅድ ኣይንኽእልን ኢና።
ብዛዕባ'ዚ ጕዳይ እኹል ጸብጻብ ክሓትት እየ፤ ቻይናውያን ዝውንንወን ድኳናት እንተሃልየን ድማ ብዘይ ዝዀነ ድንጋጸ ክንዓጽወን ኢና" ክብል ብትሪ ተዛሪቡ።
ሕጋዊ ባይታን ዘይተመለሱ ሕቶታትን
እዚ ሓድሽ ውሳነ ሩቶ፡ ምስቲ ሕጂ ኣብ ፓርላማ ኬንያ ቀሪቡ ዘሎ 'ረቂቕ ኣዋጅ ውሽጣዊ ትሕዝቶ 2025' ብቐጥታ ዝተኣሳሰር እዩ።
እዚ ረቂቕ ኣዋጅ፡ ገለ ትካላት ንግዲ ብሕጊ ንወጻእተኛታት ክልኩል ክኸውን ዝእዝዝ ኰይኑ፡ እንተወሓደ 60 ሚእታዊት ካብ ኣቕሑ፡ ኣገልግሎታትን ቀረባትን ካብ ውሽጢ ሃገር ክርከብ ከም ዘለዎ ይእምም።
ይዅን እምበር፡ ሩቶ ኣየኖት ትካላት ብልክዕ ኣብዚ መምርሒ ዕጽዋ ከም ዝጠቓለላ፡ ወይ ድማ ኣየኖት ትካላት ጸጥታን ምምሕዳርን ነዚ ስጕምቲ ከም ዘተግብሩዎን ብዝርዝር ኣይገለጸን።
እዚ ድማ ቅድሚ እቲ ናይ 7 መስከረም ናይ ትግበራ መዓልቲ ምብጽሑ፡ ብዛዕባ ኣተገባብራ እቲ ትእዛዝ ሓያሎ ክፉታት ሕቶታት ኣልዒሉ ኣሎ።