እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኪነታዊ ብልሒ ንሙዚቃ ኢትዮጵያ ብኸመይ ይጸልዎ ኣሎ?
ብኪነታዊ ብልሒ (AI) ዝተሓገዙ ስራሕቲ ሙዚቃ ኣብ ዩቱብ ኣመና በዚሖም ኣለዉ።
ገሊኦም ድማ ብኣማኢት ኣሽሓት ግዜ ዝተረኣዩ ኰይኖም ኣቓልቦ ሰማዕቲ ዝሰሓቡ ይመስሉ።
ጸሓየ ዮውሃንስ ሓደ ካብቶም ደርፎም ብኪነታዊ ብልሒ ዳግማይ ዝተሰርሑ ገዳይም ድምጻውያን እዩ።
ጸሓየ፡ ነቶም ደርፍታት ምስ ሰምዐ፡ "ቶሎ ሰልክዩኒ፡ ኣይወዳእኽዎን" ይብል።
ሙዚቃ ስምዒት እዩ ዝብል ጸሃየ፡ "ካብቲ ሓቀኛ ሙዚቃ እንታይ ስለዝጎደለ እዮም ዳግማይ ዝሰርሕዎ?" ክብል ይሓትት።
እቶም ብኪነታዊ ብልሒ ዝስርሑ ደርፍታት እዋናዊ እምበር ዘላቒ ከምዘይዀኑ ድማ ይኣምን።
ካልኦት ክኢላታት ግን "ኪነታዊ ብልሒ ብመንጽር ሓሳባትን ሜላታትን ብፍላይ ድማ ሓደስቲ ሙዚቃዊ ስርሓት ኣብ ምፍጣር ዓቢ ሓጋዚ'ዩ" ብምባል እወታዊ ርእይቶ ይህቡ።
ስለዚ ኪነታዊ ብልሒ ንሙዚቃ ኢትዮጵያ ብኸመይ ክጸልዎ ይኽእል?
ኣቢኔዘር ጌታቸው መስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ኣብ ኣመሪካ ዝመደብሩ እሁድ ኤኣይ ዝተሰመየ ትካል እዩ።
ንሱ፡ "እዚ ተርእዮ ቴክኖሎጂ ንሙዚቃ ዲሞክራሲ የምጽኣሉ ኣሎ" ይብል።
ኪነታዊ ብልሒ ነቶም ዘመናዊ ቴክኖሎጅን ፋይናንሳዊ ጸጋን ዘለዎም ምዕራባውያንን ብዙሕ ታሪኽን ባህልን ዝነግሩ ኣፍሪቃውያንን ማዕረ ዕድል ከምዝሃቦም ይኣምን።
ሙዚቀኛ ብሌን ዮሴፍ እውን ቴክኖሎጂ ናይ ገዛእ ርእሱ እወታውን ኣሉታውን ጎንታት ከምዘለዎ ትሕብር፣ ከም ተሓጋጋዚ ሓደስቲ ስራሕቲ ንምፍጣር ምጥቃም ንሰብ ሞያ ግዜ ክቑጥብን ንፈጠራ ክሕግዝን ከምዝኽእል ድማ ትገልጽ።
ኪነታዊ ብልሒ ብፍላይ ኣብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ንኣእምሮኣዊ ንብረት ሰባት ንምስራቕ ከም መሳርሒ ብምውዓል ይዅነን።
ክልቲኦም ክኢላታት ብዚ ይሰማምዑ። እቲ ጸገም ግን እቲ ቴክኖሎጂ ባዕሉ ዘይኮነስ፡ ብዘይግቡእ ኣብ ጥቕሚ ስለዝውዕል ምዃኑ ይገልጹ።
"ብህየወት ዘለዉን ዘየለውን ድምጻውያን ዘይብሎም ተፈጥሮ ብምልባስን ሓዱሽ መንነት ብምሃብን ብዘይ ፍቓዶም መንነቶም ይዘምት ኣሎ" ትብል ብሌን።
"ወናኒ ዘይብሎም ሙዚቃታት ኪነታዊ ብልሒ ይውሕዙ ኣለዉ" ትብል ብሌን እዚ ምቁጽጻር ዘይምኽኣል ዘሕዝን ምዃኑ ትገልጽ።
በዓልቲ ቤት ገዲም ድምጻዊ ኣለማየሁ እሸቴ ዝዀነት ወይዘሮ ኣየሁ ከበደ እውን ስርሓቲ በዓል ቤታ ብኪነታዊ ብልሒ ተሰሪሖም ምስማዓ ከምዘሕዘና ትዛረብ።
"ፍቓድ ከይሓተቱ ኣምሲሎም ይሰርሕዎ ኣለዉ? ናበይ ከይድና ክንጠርዕ? መሰል ቅዳሕ ይኽበር ተባሂሉ፡ ውጽኢቱ ግን ኣይንፈልጦን" ትብል ወይዘሮ ኣየሁ።
ኪነታዊ ብልሒ ሓድሽ ተርእዮ ቴክኖሎጂ ስለዝዀነ፡ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት መሰል ዋንነት ዝሕሉን ዝቆጻጸርን ሕጊ የብለንን።
ሓላፊ ማሕበር ሙዚቀኛታት ኢትዮጵያን ኣመራርሓ ረብሓመሰል ቅዳሕን ተዛመድቲ መሰላትን ሃይለ ሩትስ ከምዚ ዓይነት ነገራት ስርዓት ንምትሓዝ ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎ ይገልጽ።
ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ገና ኣባል ውድብ ንግዲ ዓለም ስለዘይኮነት ብፍላይ ብዲጂታል ዝተዘርግሐ ቅርፂ መሰል ኣእምሮኣዊ ንብረት ክትሕሉ ኣይከኣለትን።
ኣባል ውድብ ንግዲ ዓለም ምዃን ሓያሎ ረብሓታት ዘለዎ ኮይኑ፡ ሓደ ካብኡ ድማ ብደረጃ ዓለም ምሕላው መሰል ኣእምሮኣዊ ንብረት እዩ።
ምስ ኪነታዊ ብልሒ ዝተኣሳሰሩ ስግረ-ዶባዊ ጉዳያት መሰል ቅዳሕ እውን ኣብ ውሽጢ እዚ ዓለምለኻዊ ሕጋዊ ቅርጺ እዩ ዝረአ።
ኢትዮጵያ እውን ናብ ውድብ ንግዲ ዓለም ንምፅንባር ንምድላው ሕግታት መሰል ዋንነት ቅዳሕ እናመሓየሸት ትርከብ።
ኣብ ምምሕያሽ እቲ ኣዋጅ ጉዳይ ኪነታዊ ብልሒ ከምዝተለዓለ ሃይለ ሩትስ ይጠቅስ።
ብተወሳኺ ሙዚቃዊ ስራሕቲ ኣብ ሬድዮን ተለቪዥንን ንንግዳዊ መኽሰብ ኣብ ዝውዕሉሉ እዋን ገንዘብ ዝእክበሉ ስርዓት ነማዕብል ኣለና ኢሉ።
ከም ስፖቲፋይ ዝኣመሰሉ ናይ ሙዚቃ ምዝርጋሕን ምውራድን መድረኻት፡ መሰል ቅዳሕ ንምሕላው ዝሕግዙ ስርዓታት ኣተግቢሮም ኣለዉ።
ዩቱብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ካልእ ንዝተቐድሑ ስራሕቲ ክፍሊት ምፍጻም ከምዘቋርጽ ኣፍሊጡ'ዩ።
'ዘመነ ዲሞክራሲ ሙዚቃ'
ድምጻውያን፡ ኣወሃሃድቲ ሙዚቃን ኣፍረይትን ስራሕቶም ናብ ህዝቢ ንምቕራብ ዓመታት ይደኽሙ።
ይዅን እምበር ዓቕሚ ዓቕሚ ስለዝድርቶም ሕልሞም ከየሳኽዑ ይሓልፉ።
ክኢላ ኪነታዊ ብልሒ ዝዀነ ኣቢኔዘር፡ ኪነታዊ ብልሒ ንሙዚቃ ኰነ ንፊልም 'ዲሞክራሲ' ሒዙ ከምዝመጸ ይዛረብ።
ጽቡቕ ናይ ሙዚቃ ሓሳብ ዘለዎ በዓል ሞያ፡ ብዙሕ ጸጋታት፡ ሓለዋ፡ ወይ ገንዘብ ከየድለዮ ጽቡቕ ስራሕ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ይኣምን።
ነዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቻርት ዲጂታላዊ ሙዚቃ ዓለም ቁጽሪ ሓደ ዝኾነት 'ዋክ ማይ ዎክ' ዘርእስታ ደርፊ ከም ኣብነት ይጠቅስ። እዛ ሙዚቃ ኣብ ውሽጢ 7 ኣዋርሕ 10 ሚልዮን ግዜ ተራእያ ኣላ።
"ሓደ ሙዚቀኛ መሳርሒ ሙዚቃን ሓሳብን እንተሃልይዎ፡ ግጥሚ ክጽሕፍን ጽቡቕ ሙዚቃ ክሰርሕን ይኽእል'ዩ። እዚ 100 ሚእታዊት ቅኑዕ ይኹን ኣይኹን ኣብ ሕቶ እኳ እንተዀነ፡ ጽቡቕ ዕድል ይፈጥር ዘሎ ይመስለኒ" ይብል።
ድምጻዊ ጸሓዬ ግን ሙዚቃ ብስምዒትን ብጉጅለን ዝስራሕ ስነ-ጥበብ እምበር ብኮምፒተር ዝዳሎ ነገር ኣይኮነን ይብል።
ፀሐዬ ኪነታዊ ብልሒ ኣብ ካልእ መዳያት ክሕግዝ ይኽእል እኳ እንተኾነ፡ ንሙዚቃ ግን ቀሊል ከምዘይገብሮ ይኣምን።
ክኢላ ሙዚቃ ብሌን ብወገና፡ እቲ ቅኑዕ ኣገባብ ንክልቲኡ ሚዛን ሓሊኻ ምጥቃም እዩ ዝብል መርገጺ ኣለዋ።
ኪነታዊ ብልሒ ዓቕሚ ፈጠራ የዳኽሞ ድዩ ወይስ የመሓሽ?
ኪነታዊ ብልሒ ንጸቕጢ ደቂ ሰባት ንምቕላልን ግዜ ንምቑጣብን ዝጠቅም እኳ እንተኾነ፡ ንፈጠራ ደቂ ሰባት የዳኽሞ እዩ ዝብሉ ርእይቶታት ግን ኣለዉ።
ሃይለ ሩትስ፡ ኪነታዊ ብልሒ "ጸላኢ ፈጠራ ደቂ ሰባት እዩ" ይብል።
"ኪነታዊ ብልሒ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ዜማታት ብምምሃር ሙዚቃ ይሰርሕ። ከም ደቂ ሰባት ሓደስቲ ፍጥረታት ኣይፈጥርን" ክብል ይገልጽ።
ክሳብ ክንደይ ምዕቡል እንተዀነ ንፈጠራን ዓቕምን ደቂ ሰባት ክበልጽ ይኽእል እዩ ኢሉ ኣይኣምንን።
ጻሓዬ እውን ምስ እዚ ሓሳብ ይሰማማዕ።
ክኢላ ኪነታዊ ብልሒ ኤበንኤዘር ግን፡ እቲ ረብሓን ጉድኣትን ኣብ ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ዝምርኮስ ምዃኑ ይኣምን።
ኪነታዊ ብልሒ ሓገዚ እምበር መተካእታ ፈጠራ ደቂ ሰባት ኣይኰነን ዝብል ኤበንዘር፡ ሙዚቀኛታት ነዚ ፍልጠት ከማዕብሉን ክጥቀሙሉን እንተዘይጀሚሮም፡ ኣፍልጦ ሙዚቃ ዘይብሎም ሰባት ነቲ ኢንዱስትሪ ከበላሽውዎ እዮም ዝብል ስግኣት ኣለዎ።
መጻኢ ሙዚቃ: ኣብ ስቱድዮ ወይስ ኣብ ኪነታዊ ብልሒ?
ገዲም ድምጻዊ ጸሓየ ብዛዕባ መጻኢ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ብመነጽር ምዕባለ ቴክኖሎጂ ክርእዮ እንከሎ ስግኣት ይስምዖ።
ሰብ ሞያ ስርሖም ክዝመቱ እንከለዉ፡ ፈጠራ ደቂ ሰባት ድማ እናተዳኸመ ከምዝኸይድ ይሓስብ።
ሃይለ ሩትስ እውን ዋላ እኳ ምርጫ ሙዚቃ ንሰማዒ እንተተገደፈ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ላዛኡ ከምዝስእን ይስምዖ።
ኤበንኤዘር ግና ብኣንጻሩ ይኣምን፤ መጻኢ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ኰነ ኣፍሪቃ ብደረጃ ዓለም ማዕረ ማዕረ ተወዳዳሪ ንኽኸውን ዘኽእል ዕድል ከምዘሎ የመልክት።
ብሌን እውን ሙዚቃ ኢትዮጵያ ኪነታዊ ብልሒን ምውህሃድ ዝፈጥሮ ዕድል ከምዘሎ ኰይኑ፡ ስክፍታታት ግን ኣለዋ።
ኪነታዊ ብልሒ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝተማህሮም ሙዚቃታት ተመርኲሱ፡ ብዙሓት ብዝጥቀሙሉ ኣገባብ ከምዝሰርሕ ብምግላጽ፡ "ከም ኢትዮጵያ ናይ ገዛእ ርእስና መሳርሒ ሙዚቃ፡ ህርመትን ያሬዳዊ መሰረት ዘለዎም ዜማታት ካብ ኪነታዊ ብልሒ ዝረሓቐ እዩ፤ ስለዚ፡ ብዘይናትና ነገራት ክንትክኦን ከነጥፍኦን ንኽእል ኢና" ክትብል ስግኣታ ትገልጽ።