እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ወርሒ ኲናት ዓለም ክውላዕ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?
ነታ እንነብረላ ፕላኔት - ምድሪ ቀረባ ዝዀነት ወርሒ፡ ካብቲ ናብ ህዋ ዝተገብረ ፈላማይ ጉዕዞ ህዋ ኣትሒዛ ኣዘራራቢት ኰይና እያ ጸኒሓ።
ናብኣ ዝተገብሩ ተልእኾታት ሒደት ኣይኰኑን። ወዲ ሰብ ኣብ ወርሒ ብእግሪ ተጓዒዙ: ባንዴራ ከይተረፈ ኣንበልቢሉ እዩ።
ወርሒ ካብ መሬትና ኣስታት 400,000 ኪ.ሜ ርሒቓ እያ እትርከብ። እዚ ድማ ነዊሕ መንገዲ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ወርሒ ንኽንነብረላ ዘይትምችእ ዝገብሩና ጸሓያዊ ጨረርታ ዝርከብዎም ብዙሓት ረቛሒታት ኣለዉ።
እሞ ደኣ ወዲ ሰብ ስለምንታይ እዩ ብዛዕባ ወርሒ ክሳብ ክንድዚ ዝግደስ?
ክሳዕ ሕጂ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ብርኪ እትርከብ ወርሒ ንመጽናዕቲ ፕላኔታት፡ ሳይንሳዊ ፈተነታትን ብዘየማትእ መንገዲ ድማ ብዓቢኡ ንዕደና ክቡር ሃብቲ እትኸውን ፍጽምቲ ኣካል እያ።
ቀረብ ኣብ ዘለዎ ቦታ ድማ ጠለብ ኣሎ። እዚ ድማ ቀዲሞም ናብ ወርሒ ክበጽሑ ዝደልዩ ብዙሓት ኣካላት ኣለዉ ማለት እዩ።
ስለዚ እዚ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ የልዕል፡ ወርሒ እንታይ እያ?
'ሁ ኦውንስ ዘ ሙን' (ንወርሕ መን እዩ ዝውንና ?) ዘርእስታ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ፈላስፋን ደራስን ኤሲ ግረይሊንግ ካብ ቢቢሲ ሳይንስ ፎከስ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ዝሃቦ ምላሽ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።
ስለምንታይ ኢና ናብ ወርሒ ክንበጽሕ ተገዳስነት ዘለና? እዚ'ኸ ክፍጸም ድዩ?
ኣብ ምድርና ድሮ ብዙሕ ዕንወት ከምዘስዓብና ዝገልጽ ሲ ግረይሊንግ፡ ወርሒ ብጸጋታት ዝተመልአትን ካብ ኣብ ምድሪ ዝያደ ንዕደና ኣዝያ ዝሓሸት ከምዝዀነትን ይጠቅስ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ናብ ወርሒ ምብጻሕ ግብራዊ ኣይኮነን ዝብሉ ኣለዉ። ናህሪ ለውጢ ቴክኖሎጂ ግን ኣዝዩ ቅልጡፍ ስለዝኾነ ኩሉ ጸገማት ኣብ ቀረባ እዋን ክፍታሕ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብዚ እውን ዓብዪ ወፍሪ ይግበር ኣሎ። ዓቢ ረብሓ ክረኽቡ ተስፋ እንተዘይህልዎም ክንድኡ ገንዘብ ኣይመውፈሩን ነይሮም ይብል።
ወርሒ፡ ከም ንጽሩይ ኒዩክለራዊ ቅመም ክውዕል ዝኽእል ሄልየም-3 ዝኣመሰሉ ቁልፊ ጸጋታት ኣለዋ። ሄልየም-3 ኣብ ምድሪ ሳሕቲ እዩ ዝርከብ።
እዚ ኣብ ምድሪ ኣዝዩ ብርቂ ዝኾነ ሄልየም-3 ዋጋኡ፡ ንሓደ ኪሎ ግራም ካብ 20 ክሳብ 30 ሚልዮን ዶላር ይግመት።
ስለዚ ዓቢ መኽሰብ እንተሃልዩ ድማ እቲ ኵነታት ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ግጭት ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ እዩ ድማ እቲ ዓቢ ጸገም።
ስለዚ ብሓቂ ንወርሒ ዝውንን መን እዩ?
ኣብ 1967 ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተሰማምዓሉ ውዕል 'ኣውተር ስፔስ ትሪቲ'፡ ወርሒ ንወተሃደራዊ ዕላማ ከምዘይትውዕልን ልኡላውነት ወይ ዋንነት ከምዘይብላን ይጠቅስ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ወርሒ ብዝዀነ ሰብ እትውነን ስለዘይኰነት እዩ።
ስለዚ ወርሒ ናይ ኩሉ ሰብ እያ ማለት እዩ።
ብርግጽ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ወርሒ ዝሰፈረ ዝኾነ ህያው ፍጡር የለን።
እዚ ድማ ቀልጢፉ ቴክኖሎጂ ከማዕብል ንዝኽእል ኣካል ክፍትቲ ክትከውን ይገብራ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1979፡ ነገራት ቁሩብ ጽኑዕ ክዀኑ ፈቲኑ ነይሩ። ኣመራርሓ እንተፈሪሱ ክመጽእ ዝኽእል ነገር ዝቆጻጸር ወይ ዘመሓድር ዝዀነ ቀያዲ ውዕል የለን። ስርዓት ዘንግሱ ናይ ህዋ ኣብያተ ፍርዲ እውን የለዉን።
እዚ ማለት ኣብ ጠፈር ጥራይ ዘይተሓጽረ ግጭት ክለዓል ሓደጋ ኣሎ። እዋናዊ ጉዳያት ለውጢ ክሊማን ኣብ ምድሪ እንገብሮ ዘለና ኲናትን እንተሰጊርናዮ፡ እቲ ዝቕጽል ዓቢ ጸገም ኣብ ጠፈር ዝካየድ ኲናት ክኸውን ከምዝኽእል ኤሲ ግረይሊንግ የአንፍት።
ቀጺሉ ዝኸውን እንታይ እዩ?
ንወርሒ ዝምልከት ሕጊ ጽኑዕ ክገብርዎ ክመዘለዎም ኤሲ ግረይሊንግ ይኣምን። እንተዀነ ብዙሓት ትካላት ህዋ ስለዘለዋ እዚ ንምግባር ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ቻይናን ሩስያን ኣብ ዙርያ ወርሒ ዑደት ዝገብር መደበር ጠፈር ከዳልዋ መደብ ኣለወን። ህንዲ ካብ ካልኦት ብዝሓሰረ ዋጋ ነዚ ትገብር ኣላ።
ካብዚ ወጻኢ ድማ ናሳ ኣሎ። ኣስታት 36 ሃገራት ዝሓቖፈ እዚ ትካል፡ ስምምዓት ኣርጤምስ (ኣርቴምስ ኣኮርድስ) ብዝብል ዝጽዋዕ ኣብ ጠፈር ብኸመይ ትነጥፍ ዝሕብር ስነ-ምግባር ኣለዎ። እዞም ስምምዓት እዚኦም፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኢዱ ከይኣቱ ንምዕጋት ዝግበር ቅድመ ፈተነ እዩ። እዚ ድማ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ 'ባዕልና ክንቆጻጸሮ ንኽእል ኢና - ኩላትና ኣብ ዕላማታትና ስለዝተሰራዕና፡ ዝኾነ ዓለምለኻዊ ውዕል ኣየድልን!' ማለት እዩ።
እዚ ታሪኽ ዝድገም ዘሎ ኰይኑ ክስምዓና ዝገብር እዩ። ምኽንያቱ ብሓደ ወገን ብናሳ ዝምራሕ ኣርተሚስ ኣሎ፤ በቲ ካልእ ወገን ድማ ቻይና ኣብ ጎኒ ሩስያ ኣላ።
እዚ ምስ: ምትፍናን ዝሑል ኲናት: ዝመሳሰል እዩ። ናብ ዝዀነ ዕንወት ከምርሕ ድማ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ዝግበር ቀጻሊ ስጉምቲ እንታይ እዩ?
ኣብ ወርሒ ዝርከብ ማይ፡ ባእታታት ሃይድሮጅንን ኦክስጅንን ብምፍላይ ናብ ነዳዲ ሮኬት ክቕየር ተኽእሎ ኣሎ።
መደበር ምሕዋር ወርሒ ንምምስራት እውን ሓሳብ ኣሎ።
እዚኦም ተደሚሮም፡ ወርሒ ኣብ ማርስ ንዝካየድ ዳህሳስ ፈላመይቲ ስጉምቲ ክትከውን ይገብርዋ።
ኣብ ምድሪ ዝነበረ ታሪኽ መግዛእቲ እንተርኢና፡ መግዛእቲታት ኣብ መወዳእታ ናጽነተን ከረጋግጻ እየን ዝደልያ። እዚ ድማ መግዛእቲ ማርስን ወርሕን ልክዕ ከም ውልቀ ሃገራት ካብ መሬት ናጻ ምስ ኮና፡ ኣብ ሓያሎ ዘመናት ዝብርዕን ኵነታት ክፍጠር ይኽእል ማለት እዩ።
ኣብ ጠፈር ዝካየዱ ንጥፈታት፡ ኣብ ከም ሰብኣዊ መሰላት፡ ፍትሕን ማሕበራዊ ምትእትታውን ዝኣመሰሉ ኣብ ምድሪ ክሰርሑ እንደልዮም ዓይነታት መትከላት ዝተመርኮሰ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ መጻኢ ብሩህ ክኸውን እዩ።
ኣብ ክንዲ ምትሕብባር: መኽሰብ ዘቐድም ኣተሓሳስባን እንተሰፊኑ ግን መጻኢ ወዲ ሰብ ኣብ ጠፈር ካብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ባህግታትና ዝተፈልየ ክኸውን እዩ።