እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብኪነታዊ ብልሒ ብዝተዳለዉ ምስልታት ክሳብ ክንደይ ትታለሉ? እነሆ ፈትኑ. . .
መብዛሕትኦም ሰባት ብኪነታዊ ብልሒ ዝተሰርሐ ምስሊ ናይ ምልላይ ዓቕሚ ከምዘለዎም ብልዕሊ ዓቐን ርእሰ ተኣማንነት ይገልጹ።
ተመራመርቲ ዩኤንኤስደብሊዩ ሲድኒን ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ኣውስትራልያን ዝገበርዎ መጽናዕቲ እውን ነዚ ዘመልክት እዩ።
እቲ ኣብ ብሪጣንያዊ ጆርናል ኦፍ ሳይኮሎጂ ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ 125 ሰባት ዘሳተፈ ኮይኑ፡ 'ዝለዓለ ኣፍልጦ ዘለዎም' ዝተበሃሉ 36 ሰባትን 89 ተራ ተሳተፍትን ዝሓቖፈ ነይሩ።
ልዑል ናይ ምልላይ ዓቕሚ ዘለዎም ተሳተፍቲ ካብ ሓፈሻዊ ህዝቢ ካብ 1–2 ሚእታዊት ይዀኑ። ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ቅድሚ ዓመታት ንሓጺር እዋን ጥራይ ዝረኣይዎም ሰባት ከለልዩ ይኽእሉ።
ኣብ ሓደ ናይ ኦንላይን ፈተና፡ እቶም ልዑል ናይ ምልላይ ዐቕሚ ዘለዎምን ካልኦት ቁፅፅር ዝግበረሎም [controlled] ተሳተፍትን፡ ተኸታታሊ ምስልታት ናይ ብሓቂ ድዩ ወይስ ብኪነታዊ ብልሒ ዝተዳለወ ምዃኑ ክፈልዩ ተሓቲቶም።
ደራሲ መጽናዕትን ተመራማሪ ቤት ትምህርቲ ስነ-ልቦና ዶክተር ጀምስ ዳን ንቢቢሲ ሳይንስ ፎከስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ልዑል ናይ ምልላይ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት'ውን ናይ ሓሶት፡ ብኪነታዊ ብልሒ ዝፍጠር ገጻት ኣብ ምርኣይ ዝሓሹ ድዮም ኣይኮኑን ክንፈልጥ ደሊና" ይብል።
ብፍላይ ድማ ቁጽጽር ዝተገብረሎም ተሳተፍቲ ብማእከላይ ገምጋም 50.7 ሚእታዊት ብትኽክል ክምልሱ እንከለዉ፡ እቶም ልዑል ናይ ምልላይ ዓቕሚ ዘለዎም ተሳተፍቲ ድማ ብማእከላይ ገምጋም 57.3 ሚእታዊት ብትኽኽል መሊሶም።
እቶም ተመራመርቲ፡ እቶም ልዑል ናይ ምልላይ ዓቕሚ ዘለዎም ተሳተፍቲ፡ ንሓደ ብኪነታዊ ብልሒ ዝተዳለወ ምስሊ ናይ ምልላይ ዓቕሞም ውሑድ ምዃሙ ኣገሪምዎም።
ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ገለ ተሳተፍቲ እቶም ቁጽጽር ዝግበረሎም ካብቶም ልዑል ናይ ምልላይ ዓቕሚ ዘለዎም ዝበለጸ ውጽኢት ከምዘመዝገቡ ረኺቦም፡ እዚ ድማ ኪነታዊ ገጻት ንምፍላጥ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም መለለዪ 'ልዕለ-ኪነታዊ' ክህልዉ ከምዝኽእሉ ይሕብር።
ኣብ መላእ ኩሎም ተሳተፍቲ ቅኑዕ ዝነበረ ግን፡ ኣብ ዓቕሞም ዝነበሮም ርእሰ-ምትእምማን'ዩ ነይሩ – ዋላ'ውን ብብቕዓቶም ኣብ ዘይተመዓራረየሉ እዋን።
እዚ ልዕሊ ዓቐን ርእሰ ተኣማንነት፡ ሰባት ንመጭበርበርቲ ከምኡ'ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ መርበባት ዕርክነትን ሞያዊ መርበባትን ንዝተፈብረኸ መንነት ዝያዳ ተቓላዕቲ ክገብሮም ከምዝኽእል እቶም ተመራመርቲ የጠንቅቑ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ብኪነታዊ ብልሒ ዝተዳለዉ ምስልታት ሰባት፡ ዘስሕቕ ምዝባዕ ነይርዎም።
"እቲ ዘገርም፡ እቶም ኣዝዮም ምዕቡላት ገጻት ኪነታዊ-ብልሒ ብዘለዎም ጌጋ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣዝዩ ቅኑዕ ትሕዝኦም እዮም ዝልለዩ" ትብል ደራሲት መጽናዕቲን ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ኤሚ ዳወል።
"ዳርጋ ኣዝዮም ጽቡቓት ከምዝዀኑ ይስምዓና" ትብል።
ስለዚ ካብዚ ዝሓሸ ብኪነታዊ ብልሒ ዝተዳለዉ ምስልታት ክተለለዩ ትኽእሉ ይመስለኩም'ዶ?
.
.
.
መልሲ፡ 2፡ 3፡ 5፡ 8፡ 9ን መበል 11 ብኪነታዊ ብልሒ ዝተዳለዉ ምስልታት እዮም።