ዝለሓዀ ኢመይል ፔንታጎን፡ ኣመሪካ ንኣባላት ኔቶ ክትቀጽዕ ድያ?

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኔቶ፡ ሓንቲ ኣባል ሃገር ካብቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ክትውገድ ወይ ክትስጐግ ዘኽእል ሕጊ ከም ዘይብሉ ኣፍሊጡ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፡ ኣመሪካ ምስ ኢራን ኣብ እተካይዶ ዘላ ኲናት፡ ስጳኛ ብሰንኪ ዝሓዘቶ መርገጺ ካብቲ ኪዳን ብምእጋድ ክትቀጽዓ ትደሊ ኣላ ዝብል ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ እዩ።

ሮይተርስ፡ ሓደ ስሙ ዘይተገልጸ ብዓልመዚ ኣመሪካ ብምጥቃስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ካብ ፔንታጎን ዝለሓዀ ውሽጣዊ ኢመይል፡ ኣመሪካ ንዘይተሓባበሩዋ መሻርኽታ ሃገራት ክትቀጽዓሎም ዘኽእላ ስልትታት ይሕብር።

ካብቲ ዝተጠቕሰ ስጕምቲታት ሓደ፡ ኣመሪካ ንብሪጣንያ ኣብ ደሴታት ፎልክላንድ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ደገፍ ዳግማይ ክትምርምሮ ዝብል እዩ።

ወሃቢት ቃል ፔንታጎን ኪንግስሊ ዊልሰን ንቢቢሲ ከም ዝገለጸቶ፡ "ኣመሪካ ንመሻርኽታ ኔቶ ኵሉ ገይራትሎም ክነሳ፡ ንሳቶም ግን ኣብ ጐድንና ኣይተሰለፉን፡" ኢላ።

ኣመሪካ፡ መሻርኽታ "ናይ ወረቐት ነብሪ" ምዃን ደው ኣቢሎም፡ ግቡኦም ክዋጽኡ እትገብረሉ ኣማራጺታት ከተዳሉ ምዃና'ውን ወሲኻ ገሊጻ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ድሕሪ እቲ ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ዝያዳ ግደ ክጻወታ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።

ስጳኛ ግን ግዝኣታ ንመጥቃዕቲ ኢራን ከይውዕል ብምኽልካላ ምስ ዋሽንግተን ኣብ ምስሕሓብ ትርከብ።

ቀዳማይ ምኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ ብወገኑ፡ ብኢመይል ዘይኰነስ ብወግዓዊ ሰነዳት ጥራይ ከም ዝሰርሑን ስጳኛ ኵሉ ግዜ ንኣህጉራዊ ሕጊ ከም እትምእዘዝን ገሊጹ።

ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመር፡ ኣብቲ ኲናት ወይ ኣብቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ዝገበረቶ ዕጽዋ ዝያዳ ምእታው ንረብሓ ሃገሩ ከም ዘይኰነ ኣፍሊጡ።

ይዅን እምበር፡ ብሪጣንያን ፈረንሳን ድሕሪ ተዅሲ ምቍራጽ፡ ነቲ ኣገዳሲ መስመር ነዳዲ ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ክፉት ንምግባር ፍቓደኛታት ምዃነን ገሊጸን ኣለዋ።

ምኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰዝ ግን ኣብ ኤውሮጳውያን ዘለዎ ጽልኢ ብምግላጽ፡ "መጻብቦ ሆርሙዝ ካባና ንላዕሊ ንዓኹም እዩ ዘድልየኩም። ስለዚ ብዙሕ ካብ ምዝራብ ናብ ስራሕ እተዉ፡" ክብል ወቂሱ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኔቶ ምስቲ ዝተፈጥረ ወጥሪ፡ ንኣባላቱ ንምስጓግ ሕጋዊ መሰረት ከም ዘይብሉ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።