እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ዝጀመሮ ሓደሽ መጥቃዕቲ
ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ነታንያሁ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሊባኖስ "ንዒላማታት ሕዝቦላህ ብትሪ ከጥቅዕ" ኣዚዙ።
ነታንያሁ፡ ነዚ ትእዛዝ ዝህብ ዘሎ፡ ምቁራጽ ተኹሲ ንሰለስተ ሰሙን ምስ ተናውሐ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝግበር ተወሳኺ ስግረ-ዶባዊ ምልውዋጥ ተዅሲ፡ ነቲ ተስፋ ስምምዕ ዕርቂ ኣደስኪልዎ ኣሎ።
እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ፡ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ መንጎ ልኡኻት እተን ሃገራት ድሕሪ ዝተኻየደ ዝርርብ ትማሊ ሓሙስ እዩ ተናዊሑ ነይሩ
ትማሊ ቀዳም፡ እስራኤል ኣብ ዞባ ናባቲሕ ኣብ እትርከብ ከተማ ዮህሞር ኣልሸቂፍ ኣብ ልዕሊ ናይ ጽዕነት መኪናን ሞተር ብሽክለታን ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱ፡ ኤጀንስ-ፍራንስ-ፕረስ፡ ንሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ጠቚሱ፡ ፀብፂቡ ነይሩ።
ኣብ ወረዳ ቢንት ጀበይል ኣብ እትርከብ ከተማ ሳፋድ ኣልባቲክ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድማ ካልኦት ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 17 ድማ ቆሲሎም።
ሰራዊት እስራኤል፡ ትማሊ ቀዳም "ኣጽዋር ዝጸዓነት መኪና" ዝዝውሩ ዝነበሩ ሰለስተ ኣባላት ሕዝቦላህ፡ ከምኡ'ውን ካልእ ብሞተር ኣብ ሞተር ሽክለታ ዝነበረ "ተወጊዶም" ክብል ገሊጹ።
ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ሊታኒ፡ "ነቶም ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝንቀሳቐሱ ወተሃደራት ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ሓደጋ የዘስዕቡ'ዮም" ብምባል ክልተ ተወሰኽቲ ዕጡቓት ኣባላት እቲ ጉጅለ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን ሕዝቦላህ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ንዝርከብ መኪና ሰራዊት እስራኤል ዒላማ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ዮህሞር ኣል ሸቂፍ መጥቃዕቲ ሕነ ከምዝፈደየ፡ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ድሕሪ ትእዛዝ ነታንያሁ፡ ኣብ ገለ ከተማታት ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ብመንግስቲ ዝመሓደር ሃገራዊ ማዕከን ዜና ሊባኖስ ጸብጺቡ።
ሰራዊት እስራኤል "ኣብ መላእ ደቡባዊ ሊባኖስ ንወተሃደራዊ ዕላማታት ዝውዕል ትሕተ ቅርጺ ግብረሽበራዊ ሕዝቦላህ ከምዝሃረመ" ይገልጽ።
እስራኤል ንኣብዝሓ ደቡባዊ ክፋል ሊባኖስ ምቁጽጻር ትቕጽል ኣላ፡ ኣብኡ ሰፊሕ ዕንወት ክተብፅሕ ጸኒሓ እያ።
ሓደ ዓለምለኻዊ ተጣባቒ ፕረስ ጉጅለ ትማሊ ቀዳም፡ ካብቶም ብረቡዕ እስራኤል ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሓደ ጋዜጠኛ ከምዝርከቦም ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ "ቅቡል ኣይኮነን" ክብል ኰኒኑ።
እቲ ዓባይ ብሪጣንያ እትርከቦ ማሕበር ሃገራት፡ 'ጥምረት ናፅነት ሚድያ'፡ ኩሎም ተፃባእቲ ኣካላት፡ ኣባላት ሚድያ ብነጻነትን ብውሑስን መንገዲ ክሰርሑ ክፈቕዱ ኣተሓሳሲቡ።
ካብቶም ተሓባበርቲ ኣቦ መንበራት ዝወጸ መግለጺ፡ "ዓባይ ብሪጣንያን ፊንላንድን ንኹሉ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሚድያን ዝቐንዐ ዓመጽ ብትሪ ይኹንናኦ" ይብል።
እስራኤል ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ጋዜጣ ሊባኖስ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣማል ከሊል ክቕተል እንከሎ ሰኣሊት ዘይናብ ፋራጅ ድማ ከምዝቖሰለት ይፍለጥ።
ሰበስልጣን ሊባኖስ ኣብ ሓደ ገዛ መዕቆቢ ኣብ ዝደልዩሉ ዝነበሩ እዋን ኮነ ኢሎም ዒላማ ከምዝተገብሩ ይዛረቡ።
ሰራዊት እስራኤል ግን ንጋዜጠኛታት ዒላማ ከምዘይገብር እዩ ዝገልጽ።