እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ብለይቲ ዝግበሩ ጕዕዞ ኣውቶቡሳት ኣጊዱ
ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ፡ ካብ መቐለን ካልኦት ዞባታትን ተበጊሶም ናብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ክልላትን ብለይቲ ዝግበሩ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ (ኣውቶቡሳት) ጕዕዞ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝኣገደ ኣፍሊጡ።
እዚ ስጕምቲ ዝተወሰደ፡ እተን ብለይቲ ዝንቀሳቐሳ ኣውቶቡሳት ክጓዓዛ ከለዋ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ናይ ሓደጋ ትራፊክን ጸጥታን ስግኣት ይፈጥራ ከም ዘለዋ ብምጥቃስ እዩ።
ብተወሳኺ፡ እተ ብለይቲ ዝጓዓዛ ኣውቶቡሳት ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰብ (ምስግጋር ስደተኛታት) መሰጋገሪ ይዀና ከም ዘለዋ ካብ ህዝቢ ጥርዓናት ከም ዝበጽሖም ፖሊስ ትግራይ ሓቢሩ ኣሎ።
መንግስቲ ትግራይ "ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ" ኢሉ ኣብዚ ወርሒ'ዚ ኣብ ዘውጽኦ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ ዝዀነ ትግራዋይ "ካብ ዝቐረበሉ ጻውዒት ክተት ወይ ካብ ምስላፍ ንምምላጥ ብምሕሳብ" ዝተፈላለየ ሜላታት ምትላል እንተ ተጠቒሙ መቕጻዕቲ ክወሃቦ ምዃኑ ምግላጹ ይፍለጥ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ክልል ብለይቲ ዝግበሩ ጕዕዞታት ህዝባዊ መጓዓዝያ ይፍቀዱ ነይሮም እዮም።
እንተዀነ፡ ብመሰረት ሓላፊ መምርሒ ትራፊክ ፖሊስ ኮምሽን ትግራይ ኣቶ ኣብርሃ ወረደ ዝተፈረመሉ ወግዓዊ ደብዳበ፡ እዚ ሓድሽ እገዳ እዚ ካብ 18 ሰነ 2018 ግ. (25 ሰነ 2026) ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ኰይኑ፡ ካብ ምሸት ሰዓት 12:30 (ብናይቲ ከባቢ ኣቈጻጽራ) ክሳብ ንግሆ ሰዓት 11:30 (ማለት ካብ ምሸት ሰዓት 6:30 ክሳዕ ወጋሕታ ሰዓት 5:30) ዝግበር ዝዀነ ጕዕዞ ጠጠው ንኽብል ዝእዝዝ እዩ።
እቲ ናይ ምእጋድ ውሳነ ካብ ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብንን ብ13 ሰነ 2018 ዓ.ም. (20 ሰነ 2026) ብዝተጻሕፈ ደብዳበ መሰረት ገይሩ ዝተወሰደ ምዃኑ ተገሊጹ።
ፖሊስ ትግራይ ነቲ ናይ ህዝቢ ጕድኣት ንምክልኻል ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት እናተኸታተለ፡ ምስ ኣባላት ፖሊስ ትራፊክን መርመርቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ጽኑዕ ቍጽጽር ክገብር መምርሒ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
ፖሊስ በዚ መንገዲ እዚ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ጽኑዕ ቍጽጽር ከካይድ እዩ። እዚ ሓድሽ ናይ ለይቲ ጕዕዞ እገዳ ንምሉእ 7 ዞባታት ፖሊስ እቲ ክልል ተመሓላሊፉ ከም ዘሎ እቲ ደብዳበ የብርህ።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ ኣብ ዓንቀጽ 31 ንኡስ ዓንቀጽ 2፡ ሃብቲ ተፈጥሮ ንምግዕዓዝ ብዘይሕጋዊ ተሽከርካሪ ዝተጠቀመ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝሃበ ካብ 30,000 ክሳብ 50,000 መቕጻዕቲ ከም ዝቐመጠ ይፍለጥ።
ብተወሳኺ፡ "ቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ኣብ መዳይ ኢኮኖሚ ምስ ጸላኢ ሓቢሩ ናይ ትራንስፖርት ግልጋሎት ዝሓዘ ወይ ዝሓገዘ ሰብ ብጽኑዕ ማእሰርትን ገንዘብን፡" ከም ዝቕጻዕ ይሕብር።
እቲ ብስም ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝወጽአ ኣዋጅ፡ ከም ሂማን ራይትስ ዎች፡ ሕብረት ኤውሮጳ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ትካላት ተቓውሞኦም ገሊጾምሉ ኣለዉ።