መሲ ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ዋንጫ ዓለም ኰይኑ፡ ኣብዚ ጫፍ ብቕዓት ክጸንሕ ዝሓገዞ ምስጢር?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሊዮነል መሲ ኣብ ልዕሊ ኦስትርያ ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ግጥም ዋንጫ ዓለም ኣደናቒት ሸቶ ኣብ ልዳት ኦስትርያ ምምዝጋቡ መሪሕነት ሃገራዊት ጋንታኡ ጥራይ ኣይኰነን ኣውሒሱ።
እዚ ወዲ 38 ዓመት ድሙቕ ኮዀብ፡ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ዝለዓለ ሸቶ ብምምዝጋብ ታሪኽ ብምጽሓፍ፡ ገና ንጉስ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ምዃኑ እዩ ዘመስክር ዘሎ።
መሲ ንኣርጀንቲና 2 ብ 0 ክትዕወት ገይሩ እዩ። እዚ ኣጥቃዓይ ኢንተር ማያሚ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዘገርም ብቕዓት'ዩ ዘሎ፣ ንዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ዝወሃብ ወርቃዊ ጫማ ክወስዱዋ ካብ ዝኽእሉ ቀንዲ ተወዳደርቲ ድማ እዩ።
ኣብ ሽዱሽተ ተኸታተልቲ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ኣከታቲሉ ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ነዚ ክብረ-ወሰን'ዚ ምስ ዝጨበጡ ሰለስተ ዓበይቲ ተጻወትቲ ተሰሪዑ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ፡ እዚ ዓወት'ዚ ብፈረንሳዊ ዡስት ፎንተይን (1958) ከምኡ'ውን ብብራዚላዊ ጃይርዚንሆ (1970) ጥራይ እዩ ተመዝጊቡ ነይሩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ዝለዓለ ዕድላት ንሸቶ ዝፈጠረ ተጻዋታይ እዩ።
ከም ኪልያን ምባፐ፡ ኤርሊን ሃላንድን ቪኒስዩስ ጁንየርን ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ከዋኽብቲ ዓለም ብቕዓቶም የርእዩ እኳ እንተለዉ፡ ንዘውዲ ንግስነት መሲ ክምንዝዑዎ እንተዀይኖም ግን ልዕሊኡ ኰይኖም ክቐርቡ ክግደዱ እዮም።
መሲ ኣብዚ ዕድመኡ'ዚ እውን እንተዀነ ኣብ ጐደና ዓወት እዩ ዝርከብ።
ንነዊሕ ዓመት ኣብ ጫፍ ብቕዓት ረጊጹ ዝጸንሓሉ ምስጢር
ንሻዱሻይ ግዜኡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝጻወት ዘሎ መሲ፡ ክሳብ እዚ ናይ ትማሊ ጸወታኡ 16 ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ኣብ ውድድር ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝበዝሐ ሸቶታት ምምዝጋብ ምስ ጀርመናዊ ሚሮስላቭ ክሎስ ብማዕረ 16 ሸቶታት'ዩ ነቲ ክብሪ ተመዓራርይዎ ናብ ሜዳ ኣትዩ።
በዘን ኣብ ዋንጫ ዓለም መበል 28 ጸወታኡ ኣብ ልዕሊ ኦስትርያ ዘመዝገበን ክልተ ሸቶታት ከኣ ንብዝሒ ሸቶታቱ ናብ 18 ክብ ብምባል ወናኒ እቲ ክብረ ወሰን ዝበዝሐ ኣመዝጋቢ ሸቶታት ዋንጫ ዓለም ክኸውን ክኢሉ።
ንልዮነል መሲ ተኸቲሎም ጫማኦም ዝሰቐሉ ሚሮስላቭ ክሎስን ብራዚላዊ ሮናልዶን ብ16 ከምኡ ከኣ ብ15 ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ይስዕብዎ ኣለዉ።
ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ክልተ ሸቶታት ዘመዝገበ ፈረንሳዊ ክልያን ምባፐ ከኣ ብተመሳሳሊ ብ15 ሸቶታት ምስ ብራዚላዊ ሮናልድ ተመዓራርዩ ኣሎ።
ጽባሕ ረቡዕ መበል 39 ዓመት ልደቱ ዘብዕል ሊዮነል መሲ፡ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ክጻወት ድሕሪ ምጽናሑ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ገና ኣብ ዝለዓለ መድረኽ ዓለም ተኣምራት ክሰርሕ ዝኽእል ዘሎ?
ነዚ ብዝምልከት፡ ወዲ 39 ዓመት ኰይኑ ኣብ ፈረንሳ ዝጻወት ዘሎ ኦሊቭየ ዥሩድ፡ ንመሲ ዘለዎ ኣድናቖት ክገልጽ ከሎ፡ መሲ ምስ ገዛእ-ርእሱ ዝገብሮ ውድድር ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ምዃኑ ይሕብር።
"ኣብዚ ዕድመና ኣብ ላዕለዋይ ናይ ጸወታ ደረጃ ኴንና ንምጽዋት፡ ንኣነባብራና፡ ኣመጋግባናን ድቃስናን ዝምልከት ጽኑዕ ስጕምቲታት ክንወስድ ኣለና። እቲ ቀንዲ መፍትሕ ግን እቲ ንቕድሚት ንምስጓም ዘለካ ድሌትን ድርኺትን እዩ፡" ይብል።
ኣብ ስፖርታዊ ስነ-ኣእምሮ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዘገልገለ ማይክል ኮልፊልድ ብወገኑ፡ ኣብዚ ዕድመ'ዚ ምጽዋት ጽኑዕ ናይ ድስፕሊን ተመኵሮ ዘድልዮ ኰይኑ፡ "ብኣእምሮኣዊ መዳይ፡ ነቲ መዓልታዊ ጻዕሪ ንምስጋር ዘለካ ጽንዓት እዩ ዝውስኖ። ድሕሪ ሕክምናን መጕዳእትን ተመሊስካ ናብቲ ዝለዓለ ብቕዓትካ ንምምጻእ ዘለካ ድሌት ኣዝዩ ዓቢ እዩ" ይብል።
ካብ ቍጠባዊ ረብሓታት ንላዕሊ፡ እቲ ንዅዕሶ እግሪ ዘለዎም ፍቕሪ እዩ ንቕድሚት ዝደፍኦም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"መሲ ክሳብ ሕጂ ከም ንእሽቶ ቈልዓ ኰይኑ እዩ ንዅዕሶ እግሪ ዘፍቅሮ"
እቲ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ኰይኑ ኣንጻር ባርሴሎናን መሲን ተጻዊቱ ዝነበረ ዋይን ሩኒ፡ "ዕድመ ካብ ተጻዋታይ ክወስዶ ዘይክእል ሓደ ነገር እንተልዩ እቲ ምስ ኩዕሶ ዘለዎ ናይ ክእለት ተመኵሮ እዩ። መሲ ዘለዎ ድንቂ ብልሓትን ክእለትን ካልኦት ተጻወትቲ ዘይገብሩዎ ዘገርም ነገር ክገብር የኽእሎ እዩ፡" ይብል።
ሩኒ ወሲኹ፡ "መሲ ክሳብ ሕጂ ከም ንእሽቶ ቈልዓ ኰይኑ እዩ ንኹዕሶ እግሪ ዘፍቅሮ፡" ኢሉ።
እዚ ፍሉይ ብቕዓት መሲ፡ ምስቲ ንሻድሻይ ግዜኡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ምስ ፖርቱጋል ዝጻወት ዘሎ ናይ ነዊሕ እዋን መወዳድርቱ ክርስትያኖ ሮናልዶ (ወዲ 41 ዓመት) ፍልልይ ፈጢሩ ኣሎ።
ሮናልዶ ኣብ ቀዳማይ ግጥሙ ዘርኣዮ ብቕዓት ትሑት ብምዃኑ፡ ሩኒ ከም ዝገለጾ፡ "ሮናልዶ በዚ ናይ መሲ ዓወት ኣዝዩ ክሓርቕ እዩ። እንተዀነ፡ እቲ ክልተኦም ዘለዎም ባህጊ ምዕዋት እዩ ንየማናይ ክንፎም ዘነቓቕሖ፡" ኢሉ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
