ልዮነል መሲ ሃትሪክ ሰሪሑ ሓድሽ ክብረ ወሰን ሰኒዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ምድብ ሸውዓት ዝርከባ ኣርጀንቲናን ኣልጀርያን ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታአን ኣብ ዘካየዳሉ፡ ኣርጀንቲና ልዮነል መሲ ብዘመዝገበን ሰለስተ ሸቶታት ተሓጊዛ ኣብ ልዕሊ ኣልጀርያ ሰለስተ ብዜሮ ተዓዊታ።
ሸሞንተ ግዜ ተዓዋቲ ባሎንዲኦር ብምዃን ክብረ ወሰን ሒዙ ዘሎ መሲ፡ በዘን ዘመዝገበን ሰለስተ ሸቶታት ተሓጊዙ፡ ምስቲ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም 16 ሸቶታት ብምምዝጋብ ክብረ ወሰን ሒዙ ዝጸንሐ ሚሮስላቭ ክሎስ ተመዓራርዩ ኣሎ።
ምስ ሃገራዊት ጋንታኡ ንመበል 200 ግዜ ዝተሰለፈ መሲ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣብ ሓደ ጸወታ ሰለስተ ሸቶታት ከመዝግብ እዚ ፈለማዩ እዩ።
ንዋንጫ ዓለም ሰለስተ ግዜ ክትዕወተሉ ክኢላ ዘላ ኣርጀንቲና፡ ነቲ ኣብ 2022 ኣብ ቐጠር ዝዓተረታ ዋንጫ ንኽትዕቕብ'ያ ቀዳማይ ጸወታኣ ኣንጻር ኣልጀርያ ንምክያድ ናብ ስታድዮም ካንሳስ ሲቲ ኣመሪሓ።
ኣርጀንቲና ድሕሪ ዋንጫ ኣብ ቐጠር ኣብ ፈላሚ ናይ ምድብ ጸወታ ክትዕወት እዚ ናይ ፈለማ'ዩ።
ኣብ 1978 ዋንጫ ድሕሪ ምውሳዳ ኣብ 1982 ኣብ ፈለማ ናይ ምድብ ጸወታኣ ተሳዒራ፣ ኣብ 1986 ዋንጫ ወሲዳ ኣብ 1990 ከኣ ብተመሳሳሊ ኣብ ፈለማ ናይ መድብ ጸወታኣ ተሳዒራ'ያ፣ ኣብ 2022 ተዓዊታ ኣብ 2026 ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታኣ ግን ተዓዊታትሉ።
መሲ ቀዳመይቲ ሸቶ ንኸመዝግብ 17 ደቂቕ ጥራይ'ዩ ተጸብዩ።
ኣብ መበል 12 ደቂቕ ብየማናይ ሸነኽ ልዳት ኰይኑ ሸንቂሩ'ኳ ሸቶ እንተኣመዝገበ፡ ካብ ጸወታ ወጻኢ ስለዝዀነት ግን ክትቍጸረሉ ኣይከኣለትን።
ልዮነል መሲ እዛ ሰለስተ ሸቶታት ዘመዝገበላ ጸወታ ኣብ ዋንጫ ዓለም መበል 27 ጸወታኡ'ያ።
ወዲ 38 ዓመት ኰይኑ ዘሎ መሲ እታ ቀዳመይቲ ሸቶኡ ኣብ ክለብ ሚያሚ ወዲ ጋንታኡ ዝዀነ ሮድሪጎ ዱ ፖለ ንዝመጽኣቶ ኵዕሶ ንወዲ ዘይነዲን ዘይዳን ሉካስ ዘይዳን ብምሽካዕ'ዩ ካብ ሳንዱቕ ወጻኢ ተራር ቅላዕ ብምህራም ኣመዝጊብዋ።
ንመበል ሻድሻይ ግዜኡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝጻወት ዘሎ መሲ ቅድሚ ዕረፍቲ ኣብ ልዕሊ ኣልጀርያዊ ኣሳድ መንዲ ብዝፈጸሞ በደል ዘይምቕጽዑ ዕድለኛ ዘብሎ ፍጻመ'ዩ ነይሩ።
ኣርጀንቲና 1 ኣልጀርያ 0 ናብ ዕረፍቲ ኣምሪሐን።
መሲ ኣብ መበል 60 ደቂቕ'ውን ካብ ሓላዊ ልዳት ተሚለሳ ንዝመጽኣቶ ኩዕሶ ኣብ ልዕሊ ሉካስ ዘይዳን ናይ ቦታ ጸብለልታ ብምውሳድ ካብ ቀረባ ርሕቀት ቦታ ርእዩ ብየማይ ሸነኽ ሓላዊ ልዳት ኣሕሊፉ ናብ ሰኪዐት ኣራኺብዋ።
ኣብ መበል 76 ደቂቕ ከኣ ብተመሳሳሊ ካብ ወዲ ጋንታኡ ኒኮላስ ጐንዛለዝ ንዝመጽኣቶ ኵዕሶ ካብ ሳንዱቕ ወጻኢ ኰይኑ ንየማናይ ሸነኽ ሓላዊ ልዳት ብጸግዒ ብምቕላዕ ንዕኡን ንሃገሩን ሳልሰይቲ ሸቶ ብምምዝጋን ኣብ ዋንጫ ዓለም ቀዳመይቲ ሃትሪኩ ሰኒዱ።
ጸወታ ከኣ ብዓወት ኣርጀንቲና 3 ብ 0 ተዛዚሙ።
ዝቕጽል ጸወታ ኣርጀንቲና 22 ሰነ ኣብ ስታድዮም ዳላስ ኣንጻር ኦስትርያ'ዩ ክኸውን።
ልዮነል መሲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዘመዝገባ ቀዳማይቲ ሸቶ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ16 ሰነ 2006 ኣብ ልዕሊ ሞንተኔግሮ ዘመዝገባ'ያ ነይራ።
ድሕሪ ዕስራ ዓመታት ከኣ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ መበል 14፡ 15 ከምኡ ከኣ 16 ሸቶታቱ ከመዝግብ ክኢሉ።
ክብረ ወሰናት መሲ ኣብ ዋንጫ ዓለም
ልዮነል መሲ ነቶም፡ ድሕሪ ዋንጫ ዓለም 2022 ካብ ሃገራዊ ውድድራት ደው ከብል ኣለዎ ንዝብሉ ብዙሓት ሰባት በዘን ሎሚ ዘመዝገበን ሰለስተ ሸቶታት ገይሩ ሓፊስ መልሲ ሂብዎም ኣሎ።
ወዲ 39 ዓመት ክኸውን ሰሙን ተሪፍዎ ዘሎ መሲ ኣብታ ዋንጫ ዓለም ሃትሪክ ዝሰርሐ ዝዓበየ ተጻወታይ ንዝብል ክብረ ወሰን፡ ካብቲ ናይ ነዊሕ ዓመት መጻርርቱን መወዳድርቱን ዝዀነ ክሪስትያኖ ሮናልዶ መንጢልዎ ኣሎ።
ልዮነል መሲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና መሪሑ ዋንጫ ዓለም ምስ ተዓወተ፡ እታ ሓንቲ ተሪፋቶ ዝነበረት ዋንጫ ወሲድዋ'ዩ ሕጅስ ይእኸሎ ዝበልዎ ብዙሓት'ዮም ነይሮም።
በዚ ሎሚ ዘመዝገቦ ሃትሪክ ግን ናብ ኣመሪካ ከይዱ ምጽዋቱ ብዝሒ ሸቶታቱ ንምብራኽ ዘይኰነስ ንሃገሩ ደጊሙ ዋንጫ ዓለም ንኸዕትራ እኹል ብቕዓት ከምዘለዎ ዘርኢ'ዩ።
ኣብ ዋንጫ ዓለም ብዘመዝገቦ ብዝሒ ሸቶታት ብ16 ጎላት ምስ ጀርመናዊ ሚሮስላቭ ክሎስ ተመዓራርዩ ዘሎ መሲ፡ ነዚ ክብረ ወሰን እዚ ኣብቲ 22 ሰነ ኣንጻር ኦስትርያ ዝህለዎ ጸወታ ክሰብሮ ከምዝኽእል ብዙሓት ብርእሰ ተኣማንነት ክዛረቡ ጀሚሮም ኣለዉ።
በዚ ከኣ ሰኑይ ኣርጀንቲናን ኦስትርያን ኣብ ዝገብራኦ ጸወታ ብዙሓት ኣዒንቲ ኣብ ልዕሊ ልዮነል መሲ ክዓልባ'የን።
ዕድመ ቍጽሪ'ዩ ንዝብል ብሂል ከኣ መሲ ሓደ መርኣያ ኰይኑ ኣሎ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
