ስለምንታይ ኢና ድሕሪ ሞትና ክንዘከር እንደሊ?

ግራፊክስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/BBC/Serenity Strull

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኣቦኣ ንቤት ሃንተር ብሕማም ረሲዕ ከም ዝተጠቕዐ ምስ ተነግሮ፡ ድሒሮም ኣብ ዝመጽኡ ዓመታት ምእንቲ ክትሰምዖ፡ ንዕላሎም ክትቀርጾ ፍቓድ ሓተተቶ።

ንሱ ግን ኣበየ፣ ብዓንተቦኡ'ውን ብዛዕባ ርክቦም ልቢ ንልቢ ዘዋግዕ ሰብ ኣይነበረን፤ ንሕማሙ ኣይተቐበሎን ወይ ድማ ብዛዕባ ሞት ክዛረብ ኣይመረጸን።።

ኣብ ክንድኡ፡ ኣብ ውግእ ዘሕለፎ ታሪኹ ንምጽሓፍ ደኣ ቀዳምነት ሃበ። ንዛንታኡ ከኣ ብኢዱ ኣብ ወረቐት ጸሓፎ።

ሓግጊ ምግዳፍ ዝብል ሓሳብ ሒደት ግዝያት ተሪፉና ኢሎምን ንዝሓስቡ ኣረጋውያን ወይ ብሕማም ንዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ህጹጽ ጉዳይ እኳ እንተዀነ፡ ገለ ተመራመርቲ ግን እዚ ድርኺት'ዚ ገና ካብ ንእስነት'ውን ክጅምር ከም ዝኽእል ይከራኸሩ።

ብተወሳኺ፡ ናብቶም ብድሕረና ዝስዕቡ ወለዶታት ገለ ቍውም-ነገር ኢልና እንሓስቦ ከነተሓላልፈሎም እንሓስቦ፡ ንጥዕና ኣእምሮና ሓጋዚ ምዃኑ ዘረድኡ ምርምራት ኣለዉ።

ኣብ ቦውሊንግ ግሪን ስቴት ዩኒቨርሲቲ ኦሃዮ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰርን ካብ መንሽሮ ንዝደሓኑ ሰባት ብዝተሓሓዝ ኣብ ዓውዲ ሓድጊ ክኢላን ዝዀነት ሃንተር፡ "እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ብዛዕባኡ [ሓድጊ] ኣይሓስብን እዩ፡" ትብል።

ይዅን'ምበር፡ ሓድጊ ብተፈላለዩ መንገድታት ክግለጽ ይኽእል፤ ዋላ'ውን ብዘይፍላጥ ዝግበር ተግባር ክኸውን ይኽእል።

ሃንተር "ፍለጦ ኣይትፍለጦ ብዘየገድስ፡ ኵሉ ሰብ ሓድጊ ይሓድግ እዩ፡" ትብል።

እዚ ድማ ሃብትን ንብረትን ምውራስ፡ ወይ ከም ሙዚቃን ጽሕፈትን ዝኣመሰሉ ነባሪ ስነጥበባዊ ስርሓት ጥራይ ኣይኰነን።

ኣብ ክንድኡ፡ ገሊኦም ተመራመርቲ ንሓድጊ ኣብ ሰለስተ ዝተኣሳሰሩ ዓበይቲ ጕጅለታት መቒሎሞ ኣለዉ፤ ንሳቶም ድማ ብኣካልናን ብጅነቲክስናን እንሓድጎ ባዮሎጅያዊ ሓድጊ፤ ብሃብትናን ንብረትናን ዝውከል ቁሳዊ ሓድጊ፤ ከምኡ'ውን ከም እምነትን ባህልን ዝኣመሰሉ ናይ ክብርታትና ሓድጊ እዮም።

ስነህይወታዊ ሓድጊ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንሓያሎ ሰባት፡ እቲ ኣዝዩ ንጹር ስነህይወታዊ (ባዮሎጅያዊ) ሓድጊ፡ ውሉዳት ብምውላድ ዘርኢ ምትሕልላፍ እዩ።

ኰይኑ ግን፡ ብዘርኢ (ጅን) ዝተኣሳሰር ሓረግ ወለዶ ከምኡ'ውን ሓድጊ (ማለት ድሕሪ ሞትና ዝተርፍ ነባሪ ጽልዋ) ክልተ እተፈላለዩ ነገራት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ሰብ ድሕሪ ሞቱ ሓድጊ ክገድፍ ከሎ፡ ብዘርኢ (ብውሉድ) ጥራይ ዘይኰነ፡ ነታ ትንፋሱ ተዓቚባትላ ዘላ ስጋዊ ኣካላቱ እውን (ንኣብነት ንሕክምናዊ ምርምር ወይ ንምትካል ኣካላት ብምልጋስ) ከም ሓደ ስነህይወታዊ ውርሻ ገዲፉዎ ክኸይድ ይኽእል።

ኣስታት 170 ሚልዮን ኣመሪካውያን ድሕሪ ሞቶም ንኣካላቶም ከወፍዩ ምዝጕባት እኳ እንተዀኑ፡ ካብ 1,000 ሰባት ግን ሰለስተ ጥራይ እዮም ዕዉት ናይ ኣካላት ልገሳ ንምግባር ዘፍቅድ ኵነታት ዘጋጥሞም።

ገሊኦም ሰባት ምሉእ ኣካላቶም ንስነፍልጠት ክልግሱ ይደልዩ፤ እዚ ማለት ድማ ኣካላቶም ንተምሃሮ ሕክምና ንምምሃር ወይ ንምርምር፡ ከም ሓደስቲ ክሊኒካዊ ስነ-ስርዓታት ንምምዕባል የገልግል።

ኣብ ኣመሪካ ኣብ 2021 ጥራይ ልዕሊ 26,000 ናይ ኣካል ልገሳታት ቅቡላት ኰይኖም እዮም።

ኣብ በልጅም ድሕሪ ሞቶም ኣካላቶም ንምልጋስ ካብ ዝተመዝገቡ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ዝተገብረ ናይ ቀረባ እዋን መጽናዕቲ፡ 57% ካብኦም ንስነፍልጠት ኣበርክቶ ክገብሩ ካብ ምድላይ ክኸውን ከሎ፡ ካልኣይ ደራኺ ኵነታት ድማ ኣብ ሕክምና ንዘሎ ሰብኣዊ ክንክን ንምምስጋን ምዃኑ ኣርእዩ። እቶም 16% ካብኦምድ ከኣ ንሞቶም ትርጕም ንኽህቡዎ ኢሎም ዝገበሩዎ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እዚ፡ ኣብቶም ናይ ጅነቲክስ ሕማማት ወይ ናይ ጥዕና ጸገማት ዘለዎም ሰባት'ውን ተራእዩ እዩ።

ንኣብነት፡ እታ ብኸም መንሽሮ፡ ሽኮርያን መላግቦታትን ዝኣመሰሉ ሕዱር ሕማማት ትሳቐ ዝነበረት ተጣባቒት ሱዛን ፖተር፡ መንእሰያት ብሉጻት ሓካይም ምእንቲ ክዀኑ ንምሕጋዝ ክትብል ኣካላታ ኣብ ኮሎራዶ፡ ኣመሪካ ንዝርከብ ቪዚብል ሂውማን ፕሮጀክት ለጊሳቶ እያ።

እቲ ናይ ሱዛን ኵነታት ፍሉይ እዩ፤ ምኽንያቱ ኣካላታ ኣብ -9.4 ደረጃ ሰልሰስ ክረግእ፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ 27,000 ክፋላት ክምቀል ተሰማሚዓ።

ነፍሲወከፍ ክፋል ተሳኢሉ፡ ተደራሪቡን ተዳልዩን "ቨርቹዋል ሬሳ" ኰይኑ፤ እዚ ድማ ተምሃሮ ንሓደ ኣካል ብቨርቹዋል መንገዲ ክሰጣጥዩ ዘኽእል ናይ 3D መሳርሒ እዩ።

ሃንተር ካብ መንሽሮ ኣብ ዝደሓና ደቀንስትዮ ኣብ ዘካየደቶ ምርምር፡ እተን ተሳተፍቲ ሓድገን ንኣባላት ስድራቤተን ብዛዕባ ጥዕና እወታዊ ኣረኣእያ ክህልዎምን ናይ መንሽሮ መርመራ ንኽገብሩ ዘተባብዕ ክኸውንን ተስፋ ይገብራ ነይረን።

እዚ "ኣሰር ምግዳፍ" ድማ ነተን መንሽሮ ከም ዘለወን ድሕሪ ምፍላጠን ብህይወት ክተርፋ ዘይከኣላ ኣገዳሲ ምንባሩ ሃንተር ትገልጽ።

ሃንተር ከም እትሕብሮ፡ ናይ ሓድጊ ኣገዳስነት ኣብ ጥዕናዊ ምርምር'ውን ዓቢ ጽልዋ ክህሉዎ ይኽእል እዩ፤ ምኽንያቱ ንሓያሎ ሕሙማት ኣብ ሕክምናዊ ፈተነታት ክሳተፉ ከነቓቕሖም ይኽእል።

ብዛዕባ ሓድጊ ምሕሳብ፡ ነቶም ኣብ ኣፍደገ ሞት ዝርከብ'ውን ምጽንናዕ ክህቦም ይኽእል እዩ።

እቶም ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን፡ ሆስፒታላትን ካልእ ቦታታትን ዘለዉ ጕዕዞ ህይወቶም ዕረፍቲ ብዝህብ ምእንቲ ክዛዝሙ ዝተፈላለዩ "ናይ ሓድጊ ንጥፈታት" የካይዱ እዮም።

እዚ ድማ ዝኽርታቶም ዘስፍርሉ ደብተር፡ ናይ ስእሊ ኣልቡም፡ ናብ ዝፈትውዎም ሰባት ዝጸሓፉዎ፡ ስነጥበባዊ ነገራት ወዘተ ክኸውን ይኽእል።

ደው ዝበለ ሰብኣይ ግራፊክስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/BBC/Serenity Strull

ናይ ክብርታት ሓድጊ

ሰናይ ተግባር፡ ርስቲ ምውራስ ወይ ክቡር ንብረት ምትሕልላፍ፡ ኵሎም ቁሳዊ ሓድጊ ንምግዳፍ ዝሕግዙ መንገድታት እዮም። ከም ኣሳእልን ካልኦት መዘከርታታትን ዝኣመሰሉ ውርሻታት ስድራቤት'ውን፡ ክቡር ታሪኽ ስድራቤት ከም መዘከርታ ምሕዳግ ከም ሓደ መገዲ ተራእዮም ብተመሳሳሊ ክኽበሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ብስም ሓደ ሰብ ህንጻ ምልጋስ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ዝኽሪ ይሓድግ እዩ።

እንተዀነ ምርምር ከም ዝሕብሮ፡ ሰባት ከም ሓድጊ ከተሓላልፉዎ ዝደልዩ ቀንዲ ነገራት ክብርታትን እምነታትን እዮም፣ ንኣብነት ከም ሕያዋይ ወይ ሓጋዚ ምዃን ዝኣመሰሉ ባህርያት።

ሓደ ዝተፈላለየ ዕድመን ኵነታት ጥዕናን ኣብ ዘለወን 38 ደቀንስትዮ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ እተን ደቀንስትዮ ብባህረንን ሃይማኖተን ኣብነታውያን ብምዃን፣ ከምኡ'ውን ዓበይቲ ፍጻመታት ህይወተን ብምጽሓፍ ሓድጊ ክገድፋ ድሌት ነይሩወን።

ክብርታት ከም ሓድጊ ምግዳፍ ሓያሎ ጥቕምታት ኣለዎ።

ሓደ ምርምር ልዕሊ 65 ኣብ ዝዕድመኦም ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ እቶም ሽማግለታት ሰላም ክረኽቡ፡ ሕሉፍ ታሪኾም ክቕበሉ፡ እቲ ንዓኦም ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝበሉዎ ናብ ዝቕጽል ወለዶ ከተሓላልፉ ብምኽኣሎም፡ ብህይወት ንምቕጻል ትርጕም ከም ዝሃቦም ገሊጾም።

ምስ ፍርሒ ሞት ምግጣም

ደቂ ሰባት ብዛዕባ ሓድጊ ንኣሽሓት ዓመታት ሓሲቦም ክዀኑ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ፡ ምሁራት ግን ነዚ ጽንሰ-ሓሳብ እዚ ንኣስታት 75 ዓመታት ጥራይ እዮም ተመራሚሮምሉ።

ኣብ 1950 ጀርመናዊ ሳይኮኣናሊስት ኤሪክ ኤሪክሰን "ጀነራቲቪቲ" (Generativity) ዝብል ቃል ፈጢሩ። እዚ ድማ ሓደ ሰብ ንድሕነት ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ዘለዎ ተገዳስነት ዝገልጽ እዩ፤ ብፍላይ ድማ ንዝመጽኡ ወለዶታት ዘለዎ ተገዳስነት።

እዚ ስነፍልጠተኛ፡ ኣብቲ ዝዘርዘሮ ሸሞንተ ደረጃታት ስነኣእምሮኣዊ ምዕባለ ን'ጀነራቲቪቲ' መበል ሻውዓይ ሰሪዑዎ። ኣብ ማእከላይ ዕድመ ህይወቶም ንዝርከቡ ድማ ኣገዳሲ ዕማም ምዃኑ ገሊጹ።

ሓደ ሰብ ንመጻኢ ወለዶ ዘለዎ ተገዳስነት እንተ ዘይኣረጋጊጹ፡ ኣብ መወዳእታ ህይወቱ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ፡ ምናልባት'ውን ጥዕናኡ ክበላሾ ከም ዝኽእል ኤሪክሰን ይገልጽ።

ካብዚ ተበጊሶም ብዙሓት ምህራት ነዚ ክልተ-ሓሳብ ኣስፊሖሞን መርትዖታት ኣቕርቦምሉን እዮም። ገሊኦም እዚ ኵነት ኣብ ማእከላይ ዕድመ ንዘለዉ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ምሉእ ዕምሪ ደቂ-ሰብ ክህሉ ዝግብኦ መስርሕ ምዃኑ ይሕብሩ።

ንሰባት ሓድጊ ክገድፉ ዝድርኾም ካልእ ድርኺት'ውን ኣሎ - ፍርሒ ሞት።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዱክ ሰሜን ካሮላይና ናይ ምሕደራን ውድባትን ፕሮፌሰር ዝዀነት ኪምበርሊ ዌድ-በንዞኒ፡ "ኣብ መወዳእታ ኵላትና ንመውት እንተዄንና፡ ትርጕም ህይወት እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ኣብ ሰባት የሕድር፡" ትብል።

ክልተ ሰባት እናተሳእሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/BBC/Serenity Strull

'ሓድግታትኩም ጸሓፉ'

ኣብዚ ጉዳይ ሓያሎ መጽናዕትታት እኳ እንተ ተኻየዱ፡ ስለምንታይ ድሕሪ ሞትና ብጽቡቕ ክንዝከር ከም እንደሊ ገና ሕንቅልሕንቅሊተይ እዩ ኰይኑ ዘሎ።

ድሕሪ ሞትና 'ብኸመይ ክንዝከር ኢና፧' ኢልና ምሉእ ዕድመና ክንሓስብ ዕለታዊ ህይወትና ከይነስተማቕሮ እዩ ዝገብረና ብምባል በሪንግ ይከራኸር።

"ብኸመይ ክንዝከር ኢና ካብ ዝብል ስዉር ፍርሒ ተላዒልና ውሳነታት ካብ ምውሳድ እንተ በዂርና፡. . . ንድሕሪት ክጐተና ከም ዝኽእል እየ ዝሓስብ፡" ይብል።

ዌድ-በንዞኒ፡ ሓድግኻ ክትቈጻጸሮ ከም ዘይትኽእል ሓቂ እዩ ትብል'ሞ፡ "እቶም ወረስቲ ወይ ተቐበልቲ ሓድጊ እዮም ክቈጻጸርዎምን ክትርጕምዎምን ዝኽእሉ፡" ክትብል ትውስኽ።

እዚ ማለት ግን፡ ሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ ብዛዕባ ሓድጊ ወይ ውርሻ ምሕሳቡ ንነብሱን ከባቢኡን ጥቕሚ የብሉን ማለት ኣይኰነን። እኳ ደኣ ዌ-በዝንዞንን መሳርሕታን እቲ ክንሓድጎ እንደሊ ውርሻና ብኣጋኡ ክንሓስበሉን ክንጽሕፎን ከም ዘለና ይመኽሩ።

"ሰባት ብዛዕባ ሓድግታቶም ክሓስቡ ከለዉ፡ ንመጻኢ ወለዶታት ዘለዎም ተገዳስነት እዮም ዘመልክቱ፡" ትብል ዌድ-በንዞኒ።

ንምሉእ ዕድመኦም ብዛዕባ ውርሻ ዝሓስቡ እንተዀይኖም፡ ምስቲ ክሓድጉዎ ዝደልዩዎ ዘለዉ ዝሰማማዕ ውሳነታት ክወስዱ የኽእሎም። እዚ ድማ ኣከባቢ ክዕቅቡ፡ ንሕክምናዊ መጽናዕቲ ከተባብዑ፡ ለጋሳት ክዀኑ ወዘተ ይድርኾም።

ወነንቲ ትካላት ካብ ዝረኽቡዎ መኽሰብ ንላዕሊ ኣብ ሕብረተሰብ ዝገብሩዎ እወታዊ ኣበርክቶ ክሓስቡ ከም ዝገብሮም ዌድ-በንዞኒ ትገልጽ።

እዞም ተመራመርቲ ከም ዝገልጹዎ፡ ጥቕሙ ድርብ እዩ።

ብህይወት ከለና ድርኺት ይፈጥረልናን ትርጕም ይህበናን፣ ምስ መትና ድማ ብኣካል እኳ እንተ ዘየሎና ብሓድግና ናብ መጻኢ ከም ዝተሰጋገርና ስምዒት ይህበና።