እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ዝጻወቱ እቶም ዝዓበዩ ተጻወትቲ ብዓል መን'ዮም?
ኣብቲ 96 ዓመታት ኣቊጺሩ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ደቂ ተባዕትዮ ክሳዕ ሕጂ ሸውዓት ልዕሊ 40 ዝዕድሚኦም'ዮም ተጻዊቶም ዝፈልጡ።
ኣብዚ ደሕሪ ወርሒ ኣመሪካ፡ ሜክሲኮን ካናዳን ብሓባር ዘአንግድኦ ኣብ ሰነ ዝጅምር ዋንጫ ዓለም 2026 ከኣ ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ልዕሊ 40 ዝዕድሚኦም ተጻወትቲ ኣብቲ ዝርዝር ክውሰኹ'ዮም።
ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ኣብዚ ውድድር ዝተጻወተ ግብጻዊ ዒሳም ኢል ሓዳሪ'ዩ፣ ንሱ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክጻወት እንከሎ ወዲ 45 ዓመትን 161 መዓልታትን'ዩ ነይሩ።
ግብጻዊ ሓላዊ ልዳት ዒሳም ኢል ሓዳሪ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2018 ሃገሩ ግብጺ ኣንጻር ስዑድ ዓረብ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ምድብ ጸወታ ብምስላፍ'ዩ ነዚ ክብረ ወሰን ኣመዝጊብዎ።
ስኮትከላንዳዊ ሓላዊ ልዳት ክሬግ ጎርዶን ከኣ ወዲ 43 ዓመት ኣብ ዝገበረሉ ሃገራዊት ጋንትኡ ድሕሪ 28 ዓመታት ብኩራት ናብ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝተመለሰትሉ፡ ብሃገራዊት ጋንታኡ ጻውዒት ቀሪብሉ ኣሎ።
ክሬግ ጎርዶን ኣብ ዋንጫ ዓለም ክስለፍ እንተ ክኢሉ ከኣ ንግብጻዊ ዒሳም ተኸቲሉ እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ኣብ ዋንጫ ዓከለም ዝተጻወተ ክበሃል'ዩ።
ወዲ 41 ዓመት ሓለቓ ጋንታ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋል ክሪስትያኖ ሮናልዶ'ውን ኣብ ዝርዝር እቶም ልዕሊ 41 ዓመት ዕድመ ደፊኖም እንከለዉ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተጻወቱ ክኣቱ እዩ።
ክሪስትያኖ ሮናልዶ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሓዊስካ ኣብ ሽዱሽተ ዋንጫ ዓለም (2006፡ 2010፡ 2014፡ 2018፡ 2022 ከምኡ ከኣ 2026) ዝተሰለፈ ተጻዋታይ ተባሂሉ'ውን ክብረ ወሰን ክሕዝ'ዩ።
ዛጊት ልዕሊ 41 ዓመቶም ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተጻወቱ ዒሳም ኢል ሓዳሪ፡ ፋርዲ ሞንድራጎን፡ ሮጀር ሚላን ፓት ጀኒንግስ እዮም።
ወዲ 39 ዓመት ጃፓናዊ ተኸላኻላይ ያቶ ናጋቶማ ምስ ሃገራዊት ጋንታኡ ተመሪጹ ስለ ዘሎ ኣብ ሓንቲ ጸወታ'ውን እንተ ተሰሊፉ ኣብ ዝርዝር ዝዓበዩ ዋንጫ ዓለም ዝተጻወቱ ክሰፍር'ዩ።
ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ቦዝንያ ሀረዘጎቪንያ ኢዲን ዜኮ ሓላዊ ልዳት ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ኢማንወል ንዌር ከምኡ ከኣ ኣከፋፋሊ ሃገራዊት ጋንታ ክርኦሽያ ሉካ ሞድሪች ኩሎም ዕድሚኦም ልዕሊ 40 ኰይኑ ምስ ሃገራዊት ጋንታኦም ተመሪጾም ስለ ዘለዉ ንቝጽሪ ልዕሊ 40 ዝዕድሚኦም ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተጸወቱ ክብ ከብሎ'ዩ።
ሓላዊ ልዳት ኬፕ ቨርደ ቮዝኒሃ ኣብቲ ሃገሩ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዋንጫ ዓለም እትሳተፎ ተመሪጹ ስለ ዘሎ፡ ሃገራት ጋንታኡ ቀዳመይቲ ጸወታኣ ቅድሚ ምክያዳ 40 ስለ ዝመልእ፡ ኣብቲ ጸወታ እንተ ተሰሊፉ ኣብ ዝርዝር ልዕሊ 40 ዕድሚኦም ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተጻወቱ ክኣቱ'ዩ።
ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ብዕድመ ዝደፍኡ 10 ተጻወትቲ
- ዒሳም ኢል ሓዳር፡ ግብጺ ኣንጻር ስዑድያ [25 ሰነ 2018] ወዲ 45 ዓመትን 161 መዓልታትን
- ፋርዲ ሞንድራጎን፡ ኮሎምብያ ኣንጻር ጃፓን [24 ሰነ 2014] ወዲ 43 ዓመትን 3 መዓልታትን
- ሮጀር ሚላ፡ ካሚሮን ኣንጻር ሩስያ [28 ሰነ 1994] ወዲ 42 ዓመትን 39 መዓልትን
- ፓት ጀኒንግስ፡ ሰሜን ኣየርላንድ ኣንጻር ብራዚል [12 ሰነ 1986] ልክዕ ወዲ 41 ዓመት
- ፔተር ሽልተን፡ ዓዲ እንግሊዝ ኣንጻር ጣልያን [7 ሓምለ 1990] ወዲ 40 ዓመትን 292 መዓልታትን
- ዲኖ ዞፍ፡ ጣልያን ኣንጻር ጀርመን [11 ሓምለ 1982] ወዲ 40 ዓመትን 133 መዓልታትን
- ዓሊ ባሙንጀል፡ ቱኒዝያ ኣንጻር ዩክረይን፡[ 23 ሰነ 2006] ወዲ 40 ዓመትን 71 መዓልታትን
- ጂም ለይቶን፡ ስኮትላንድ ኣንጻር ሞሮኮ [23 ሰነ 1998] ወዲ 39 ዓመትን 334 መዓልታትን
- ዴቪድ ጀምስ፡ ዓዲ እንግሊዝ ኣንጻር ጀርመን [27 ሰነ 2010] ወዲ 39 ዓመትን 330 መዓልታትን
- ኣቲባ ሃቺስተን፡ ካናዳ ኣንጻር ሞሮኮ [1 ታሕሳስ 2022] ወዲ 39 ዓመትን 296 መዓልታትን