ሱዳን፡ ልዕሊ 300 ዝቐተለ መጥቃዕቲ ድሮን

ምንጪ ስእሊ, MSF via Reuters
ሰራዊት ሱዳን ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ዕዳጋን ናብ ቀብሪ ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባትን ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ልዕሊ 300 ሰባት ከምዝቐተለ ይኽሰስ ኣሎ።
ብሰንበት ኣብ ዞባ ምዕራብ ኮርዶፋን ኣብ ክልተ ቦታታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ናይ ድሮን 150 ሰባት ምማቶም፤ ኣብ 2023 ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕን ኵናት ምስ ተወለዐ ነቲ ኩነታት ዝከታተሎ ዘሎ 'ሱዳን ዎር ኦቭዘርባቶሪ' ንምንጭታት ብምውካስ ኣረጋጊጽዎ።
ብሰኑይ ድማ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝርከብ ዞባ ኣቢየ ብዝተፈጸመ ካልእ መጥቃዕቲ 153 ሰባት ምማቶም ናይቲ ዞባ ሚኒሰተር ዜና ሓቢሩ።
ወተሃደራውያን ምንጭታት ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ኣብ ኣቢየ ኣብ ዕዳጋ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ እቲ ዕዳጋ ንሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ነዳዲ ዘቕርብ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጹ'ዩ።
ዞባ ኣቢየ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነ ቦታ ኮይኑ፡ ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ከም ሃገር ካብ እትቐውም እቲ ነቲ ቦታ ይምልከተኒ'ዩ ዝብል ሕቶ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ክሳብ ሕጂ ስለዘይተፈትሐ፡ ብስምምዕ መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን መንግስቲ ሱዳንን ብሓባር'ዮም ዘመሓድርዎ።
ኣብቲ ኣሰሓሓቢ ቦታ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ከኣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ሓዲሽ ወጥሪ ከየኸትል ስግኣት ኣሎ።
ደቡብ ሱዳን ንኣምባሳደር ሱዳን ጸዊዓ ወግዓዊ ጥርዓን ከምእተኻየድ ኣፍሊጣቶ ኣላ።
ዋለ ድኣ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ከፊላዊ እገዳ ኣጽዋር ተነቢሩ እንተሃለወ፡ ሓያለ ሃገራት ወጻኢ ንሰራዊት ሱዳንን ንሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕን ድሮናት ዝርከበአን ሓያለ ወተሃደራውያን ኣጽዋር ከምዘቕርባሎም'ዩ ዝፍለጥ።
እቲ ኣብ ሱዳን ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሓድሕድ ንልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ብምፍንቓልን ሞት ኣማኢታ ኣሽሓት ብምኽታልን ኣብ ዓለም ካብ ዝተራእዩ ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ኣሎ።
ውሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ጉጃሪክ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ቃል "በቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብቐጻሊ ዝካየድ ዘሎን ንህጻናት ዝርከብዎም ሓያለ ሰለማውያን ሰባት ዝቐተለን ኣገዳሲ ኣገልግሎታት ዝዕንቅፍ ዘሎን መጥቃዕቲታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ስግኣት ኣለና" ኢሉ።
እዚ እናሰፈሐ ዝኸየድ ዘሎ መጥቃዕትታ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ኣብታ ሃገር 20 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብ ከቢድ ጥምየት እንከለዉን ኣብ ዞባ ምዕራብን ዳርፉሩን ግሬተር ኮርዶፋንን ስግኣት ዓጸቦ ኣብ ዘንጸላለወሉን ይካየድ ምህላዉ ኣዝዩ ኣስጋኢ ምዃኑ እቲ ውሃቢ ቃል ኣፍሊጡ።
ኮርዶፋን ሰለስተ ዞባታት ዘለዎ ቦታ ኮይኑ፡ ነታ ኣብ ትሕቲ ዳዕመ ሰሪዕ ዘላ ዳርፉር ምስታ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሱዳን ዘላ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዘራኽብ ቦታ'ዩ።
'ሱዳን ዎር ኦቭዘርባቶሪ' ከምዝሓበሮ እቲ ሰንበት ኣጋምሸት ዝተፈጸመ ተደጋጋሚ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ካብታ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሱዳን እትርከብ ኣብ ዞባ ደቡብ ኮርዶፋን እንትርከብ ከተማ ካዱግሊ'ዩ ዝብገስ ነይሩ።
200 ናብ ሓዘን ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ጽዒና ካብ ሰሜን ኣቢየ ዝተበገሰት መኪና ኣብ ምዕራብ ኮርዶፋን ጥቃ ከተማ ኣል ደባብ ምስ በጸሐት ብድሮን ምህራማ 'ሱዳን ዎር ኦቭዘርባቶሪ' ገሊጹ።
ኣብታ መኪና ብዝተጸፈመ መጥቃዕቲ ካብቶም ኣብታ መኪና ዝነበሩ እቶም 150 ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ሓደ ሓዘንተኛታት ተኣኪበምሉ ዝነበሩ ዳስ ብዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ'ውን ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ካልኦት 150 ከቢድን ፎኲስን ማህረምቲ ከምዘጋጠሞም 'ሱዳን ዎር ኦቭዘርባቶሪ' ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ብምዝርራብ ከምዘረጋገጸ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት ሱዳን ብዛዕባ እቲ ፈጺምዎ ዝተበሃለ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃበን ዘሎ፡ እንተዀነ ዋላ ኣብ ሞንግኦም ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ይሃልዉ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ከምይፍጽም'ዩ ዝገልጽ።

እቲ ኣብታ ምስ ዞባ ኮርዶፋን እትዳወብ ኣቢየ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብሰኑይ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ ሓደን ፈረቃን ናይ ንግሆ፡ ኣብቲ ካብ ከተማ ኣቢየ 10 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ኣሜት ዝብሃል ዕዳጋ ከምዝተፈጸመ ሚኒስተር ዜና እቲ ዞባ ዮሃና ንጎር ንመደበር ዜና ታሙዚጅ ሓቢሩ።
እቲ ሚኒስተር ብሰኑይ ንማዕከናት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረሰን ንሮይተርስን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ቁጽሪ ናይቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት ካብ 73 ናብ 153 ከምዝበጽሐ'ውን ኣፍሊጡ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ ብወገኑ ስእልታት ሳተላይት ብምውካስ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እቲ ዕዳጋ ዝነበሩ ገዛውቲ ከምዝነደዱ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ኣሳእል ከምዘመልክትዎ፡ እቲ ዕዳጋ መብዛሕትኡ ግዜ ብመካይን ቅጽጽ ኢሉ'ዩ ዝርአ።
ብዘይካ'ዚ ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ኣብቲ እዋን ኣብቲ ቦታ ከምዝተሰኣሉ ኣብ ዘረጋገጾም ቪድዮታትን ስእልታትን፡ ካብቲ ቦታ ብርቱዕ ትኪ እናወጽአን ሓደ ካብቶም ነቲ ቪድዮ ዝስእሉ ዝነበሩ ሰባት ሓሙሽተ ሚሳይል ከምዝተተኮሰ ክዛረብ ይስማዕ።
ሓደ ካብቶም ኣብቲ ቦታ ዝሽቕጡ ዝነበሩ ኣዳም ሓሙዳ ንቢቢሲ ዓረብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "እቲ ዕዳጋ ምሉእ ብምሉእ'ዩ ዓንዩ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ከቢድ ፍርሕን ሽበራን'ዩ ፈጢሩ ዘሎ" ኢሉ።
ካልእ ሸቓጢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ካብ 2011 ጀሚሮም ልዕሊ 2800 ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓቐብቲ ሰላም ዘለዉዎ ቦታ ምፍጻሙ ኣዝዩ ኣሰንባዲ ከምዝገብሮ'ዩ ገሊጹ።
"እዚ ቦታ ኣብ ትሕቲ ከለላ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝዀነ ዓይነት ወተሃደራዊ ኣጽዋር ነጻ ዝዀነ ቦታ'ዩ፡ እዚ እናኾነ ግን ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ" ኢሉ።
ብምስዓብ "እቲ ነዳዲ ዝሽየጦ ዕዳጋ ምስ ተሃረመ ዝተወለዐ ባርዕ ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ገዛውቲ ስለዝልሓመ ኣብ ንብረት ዓቢ ዕንወት'ዩ ኣኸቲሉ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, TikTok screengrab
ሚኒስተር ዜና እቲ ዞባ ዮሃና ንጎር ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ዝተወለዐ ባርዕ ክጠፍእ ስለዘይክኣለ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ነቲ ሬሳታት ከውጽእዎ ከምዝተጸገሙ'ዩ ገሊጹ።
ሓካይም ብዘይ ዶብ [ኤምኤስኤፍ] ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በቲ መጥቃዕቲ ዝተሃሰዩ ሰባት ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣቢየ ዝርከብ ኣመዝ ቤክ ዝብሃል ሆስፒታል ይሕክም ምህላዉ ኣፍሊጡ።
ኣባል ኤምኤስኤፍን ሓላፊት እቲ ሆስፒታልን ክሪስቲና ሊንደር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "ክሳብ ሕጂ ኣዝዮም ዝተሃስዩ ዝርከብዎም 20 ህሩማት ተቐቢልና ኣለና፡ ብሓዊ ዝነደዱ ሰባት'ውን ናብዚ ሕክምና መጺኦሙና ኣለዉ፡ ምሕካም ጥራይ ንዘድልዮን ንሕክም ነቶም መጥባሕቲ ዘድልዮም ከኣ መጥባሕቲ ንገብረሎም ኣለና" ኢላ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብሰኑይ ኣብ ጥቃ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነገርቲ ካርቱም ብዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሰለስተ ህጻናት ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ኤኤፍፒ ካብ ሕክምና ዝረኸቦም ምንጭታት ብምጥቃስ ኣቃሊሑ።
ብዘይካ እዚ ሰራዊት ሱዳን ብዳዕመ ሰሪዕ ናብ ኣህጉራዊ መዓርፊ ነፈርቲ ካርቱም ዝተተኰሳ ሓያለ ድሮናት ብጸረ ድሮን ሃሪሙ ከምዘውደቐን ኤኤፍፒ ገሊጹ።
ሰራዊት ሱዳን ንካርቱም ካብ ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ምስ መንዛዓ፡ ሰራዊት ሱዳንን ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕን ነታ ብወርቕን ነዳድን ሃፍታም ዝዀነት ዞባ ኮርዶፋን ንምቁጽጻር ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ከቢድ ኵናት'ዮም ተጸሚዶም ዘለዉ።



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
