ምስጢር እርጋን፡ ወዲ-ሰብ ንኣማኢት ዓመታት ክነብር ይኽእል ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ርግጽ እዩ፡ ደቂ-ሰባት ንዘልኣለም ክነብሩ ኣይክእሉን።
ይዅን'ምበር፡ ደቂ-ሰባት ብማእከላይ ገምጋም ንኣማኢት ዓመታት ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እቲ መጽናዕቲ፡ ዋላ'ኳ ኵሎም ካልኦት ጠንቅታት እርጋን እንተ ተኣልዩ፡ እቲ ብተፈጥሮ ዘጋጥም ዘርኣዊ (ጀነቲካዊ) ለውጥታት ኣብ መወዳእታ ንዓቕሚ ኣካላትና ከዳኽሞ ከም ዝኽእል ይሕብር።
እቲ ጽሑፍ ከም ዝሕብሮ፡ ንቡር ህይወት ወዲ-ሰብ ካብ 146 ክሳብ 194 ዓመት ክናዋሕ ይኽእል እዩ።
እንተዀነ፡ ገሊኦም ሰባት ክሳብ ልዕሊ 550 ዓመት ክነብሩ ዝኽእልሉ ተኽእሎ ከም ዘሎ እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ሓቢሩ።
እቶም ተመራመርቲ ካብ 'ኢንስቲትዩት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ስኮልኮቮ ሞስኮ' ዝመጹ ኰይኖም፡ እዚ ጻዕሮም ኣየኖት ኵነታት እርጋን ከም ዘቀላጥፉ ንምፍላጥ፡ ኣብ ኣየኖት ነጥብታት ከነተኵር ከም ዘለናን ነዊሕ ዕድመ ንምንባር ዝሓሸ ርድኢት ንምፍጣርን ክሕግዝ ተስፋ ይገብሩ።
ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ኣብ መጽሔት 'NPJ Aging' ዝተሓተመ ኰይኑ፡ ነቲ ጉዳይ ካብ ሓደ ቀሊል መበገሲ ብምብጋስ እዩ ዳህሲሱዎ።
እዚ ድማ፡ "ኣብ ዋህዮታትና ዝመጽእ ለውጢ ዲኤንኤ (DNA) ንጐድኒ ገዲፍና፡ ንነፍሲ-ወከፍ ጠንቂ እርጋን ክንፍውሶ እንተ ንኽእል፡ ብሓቂ ወዲ-ሰብ ክሳብ ክንደይ ዓመታት ክነብር ይኽእል?" ዝብል እዩ።
'ኣካላዊ ዘርኣዊ-ምዝባዕ' (Somatic mutation) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘርኣዊ ለውጥታት፡ ብዓሌት ዝመጽእ ዘይኰነስ፡ ካብታ እዋን ጥንሲ ጀሚሩ ዋህዮታት ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ኣብ ዝመቓቐልሉን ዝዳኸምሉን ከይዲ ዘጋጥም እዩ።
ኣካላዊ ዘርኣዊ-ምዝባዕ ምስ ዕድመ እናደፋእና ክንከይድ ከለና ኣብ መዋቕር ዋህዮታትና ዝፍጠር ናይ "ኣሰራርሓ ምዝባዕ" ማለት እዩ።
ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ምምቕቓል ዋህዮታት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን፡ ንኣሽቱ ጕድኣታት ቀስ ብቐስ ከጋጥሙ ይኽእሉ፤ ልክዕ ከምቲ ካብ ሓደ ቅዳሕ ናብ ካልእ ቅዳሕ (ፎቶኮፒ) ዝረአ ለውጢ ማለት እዩ።
መብዛሕትኦም ለውጥታት ጕድኣት ዘይብሎም እኳ እንተዀኑ፡ ምስ ግዜ ግን ውህሉል ጸገም ከስዕቡ ይኽእሉ እዮም።
ሓደ ሰብ ተደጋጋሚ ዘርኣዊ ወይ ጀነቲካዊ ለውጥታት ምስ ዘጋጥሞ፡ ዋህዮታትና ብኸመይ ከም ዝሰርሑ ክጸልዎም ይኽእል እዩ፤ ሕሉፍ ሓሊፉ'ውን ናብ መንሽሮ ከምርሕ ይኽእል እዩ።
እዚ ዓይነት ለውጢ ዲኤንኤ ንምውጋዱ ኣጸጋሚ እዩ፤ ኣብ ኣካላትና ዘስዕቦ ጽልዋ'ውን ዛጊት ምሉእ ብምሉእ ኣይተፈልጠን።
ዋህዮታትና ብመገዲ ምሕዳስን ጽገናን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ንነብሶም ንምክልኻል ይጽዕሩ እዮም። ንኣብነት፡ ከም ጸላም ከብድን ሳንቡእን ዝኣመሰሉ ኣካላትና፡ ዳርጋ ብቐጻሊ ዋህዮታቶም ናይ ምሕዳስ ዓቕሚ ኣለዎም።
እቶም ኣብ ልብን ሓንጎልን ዘለዉ ዋህዮታት ግን ከምኡ ብቐሊሉ ኣይሕደሱን፤ እዚ ማለት ድማ ብሰንኪ 'ኣካላዊ ዘርኣዊ-ምዝባዕ' (ሶማቲክ ሚውቴሽን) ንዝመጽእ ጕድኣት ዝያዳ ተቓላዕቲ እዮም ማለት እዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣብዞም ኣገደስቲ ኣካላት ዝበጽሕን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝውህለልን ጕድኣት፡ ንዕድመ ደቂ-ሰባት ኣብ ምሕጻር ዓብዪ ግደ ከም ዘለዎ እቶም ተመራመርቲ ይእምቱ።
ብመሰረት እዚ ድማ እቲ እናተዋህለለ ዝኸይድ ጕድኣት ኣብ መወዳእታ ልብና ወይ ሓንጎልና ስራሕ ደው ከም ዘብል ይገብሮ።
እቲ መጽናዕቲ፡ ኣካላትና ብኸመይ ከም ዝኣርግ ሓደ ንእሽቶ ንድፊ ዘመልክት ኰይኑ፡ እቲ ዝበዝሐ ክፋሉ ግን ገና ዘይተፈልጠ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውሱንነት እቲ መጽናዕቲ
እቶም ተመራመርቲ፡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣካላትና ሓድሕዶም ብኸመይ ከም ዝጸላለዉ ኣብ ግምት ከም ዘየእተዉ ይእመኑ።
እቲ መጽናዕቲ ኣብ ጉዳይ 'እርጋን' ጥራይ ዘተኰረ እኳ እንተዀነ፡ ንኻልኦት ተወሳኺ መጽናዕትታት ግን መገዲ ክኸፍት ከም ዝኽእል ተስፋ ይግበረሉ።
"ኣብ መወዳእታ፡ ዓበይቲ ረቛሒታት እርጋን ምስ ካልኦት ረቛሒታት ምውህሃድ፡ ናብ ኵለመዳያዊ ክልሰ-ሓሳብ ንምብጻሕ በሪ ክኸፍት ይኽእል እዩ፡" ይብል እቲ መጽናዕቲ።
ወሲኹ እውን፡ "ነዚ ኣጸቢቕካ ንምርዳእ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ዝተዋደደ ጻዕርታት ክሓትት እዩ፤ እዚ ድማ በዳሂ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ ግብራዊ ክኸውን ዝኽእል ተስፋ ዝህብ እዩ፡" ይብል።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም፡ ፕሮፌሰር ሞለኪዩላዊ ባዮጀሮንቶሎጂ ኣብ ኢንስቲትዩት ነድሪን እርጋንን ጆኣው ፔድሮ ደ ማጋልሃስ፡ ኣገባብ እቲ መጽናዕቲ፡ "መሳጢ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ውሱን ግምታት ዝምርኰስ እዩ፡" ይብል።
"ዝዀነ ይዅን ኣብ 'ኣካላዊ ዘርኣዊ-ምዝባዕ' (ሶማቲክ ሚውቴሽን) ጥራይ ዝተመርኰሰ ልዑል ደረት ግምት ዕድመ ደቂ-ሰባት፡ ሓደ ኣገባብ እርጋን ጥራይ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተሰርሐ እዩ፡" ክብል የረድእ።
ማጋልሃስ ባዕሉ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ እርጋን ብሞለኪዩላዊ ማህሰይቲ ጥራይ ዝመጽእ ዘይኰነስ፡ ምስ መረዳእታዊ ከይዲ ዋህዮታት (cellular information) ዝተሓሓዝ ክኸውን ከም ዝኽእል ተኽእሎታት የልዕል።
"ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እርጋን ካብ ምብስባስን ማህሰይትን ዋህዮታት ንላዕሊ፡ ናይ ሓበሬታ ጸገም እዩ፡" ይብል።
ዋህዮታትና ዳግማይ 'ፕሮግራም' ብምግባር፡ ደቂ-ሰባት ክሳብ 200 ዓመት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክሳብ 20,000 ዓመታት ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ይእምት።
እንተዀነ፡ ምስቶም ሩስያውያን ተመራመርቲ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ይሰማማዕ፤ ንሱ ድማ ዝያዳ መጽናዕትን ምትሕብባርን ከም ዘድሊ እዩ።
"እቲ ቍምነገር፡ ስለምንታይ እርጋን ቀልጢፉ ከም ዝመጻና ብዝበለጸ ክንርዳእ ኣለና" ብምባል ድማ ይድምድም።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



