ብሪጣንያ፡ ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ዕቝባ ስደተኛታት 10,000 ፓውንድ ክኸፍሉ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዕቝባ ዝተዋህቦም ሰባት፡ ኣታዊ ምርካብ ምስ ጀመሩ፡ ንመንበሪኦምን ዝተገብረሎም ደገፍን ኣስታት 10,000 ፓውንድ ክመልሱ ከም ዝግደዱ መንግስቲ ኣፍሊጡ።
እኹል ገንዘብ ዘለዎም ሰባት፡ ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ እማመ ኢምግሬሽንን ዕቝባን ዝተሓወሶ ሓድሽ ሕግታት ምስ ግዜ ክኸፍልዎ ክሕተቱ እዮም፤ እዚ ድማ ሎሚ ሰሉስ ናብ ባይቶ ክቐርብ እዩ።
እዚ ሓድሽ ሕጊ ዕቝባ ነቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ምስራሕ መሰል ዘለዎም ሓተትቲ ዕቝባ'ውን ዝምልከት እዩ። ኣብታ ሃገር ብቐዋምነት ክሰፍሩ ብቑዓት ቅድሚ ምዃኖም ድማ ክኸፍሉዎ ኣለዎ።
ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ሻባና ማሕሙድ፡ እቲ ለውጢ "ደገፍ ዕቝባ መሰል'ዩ፣ እንተዀነ ሓላፍነት'ውን እዩ፡" ኢላ።
ወሲኻ ድማ፡ "ሰባት ኣበርክቶ ክገብሩን ህዝቢ እንግሊዝ ንዝለገሰሎም ክመልሱን ምስ ዝኽእሉ፡ ከምኡ ክገብሩ ንጽበ፡" ኢላ።
ብመሰረት እቶም ውጥናት፡ ስራሕን ኣታውን ዘለዎም ስደተኛታት፡ ነዚ ገንዘብ ክመልሱ ክግደዱ እዮም፤ እዚ ድማ 10,000 ፓውንድ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ቅድሚ ወርሓዊ ክፍሊት ምፍጻሞም ኣታዊኦም ክንደይ ክኸዉን ከም ዘለዎ ግን ገና ኣይወሰነን።
እቲ ቤት ጽሕፈት፡ "እዚ ነቲ ከፋሊ ግብሪ ፍትሓዊ ምዃኑን ንዝዀነ ስደተኛ ናብ ንድየት ከም ዘይኣቱ ንምርግጋጽን፡" ኣብ መጻኢ ነቲ ክፍሊትን ደረት ምምላስ ገንዘብን ናይ ምትዕርራይ ስልጣን ክህልዎ እዩ።
እቶም ሕቶ ዕቝባ ዝተነጽጉ እውን ኣታዊኦም ምስቲ መንግስታዊ ዘውጽኦ ገደብ ክፍሊት ዝሰማማዕ እንተዀይኑ ነቲ ወጻኢታት ክመልሱ ክግደዱ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሓተቲ ዕቝባ ንምድጋፍ ኣስታት 4 ቢልዮን ፓውንድ ገንዘብ ከፈልቲ ግብሪ ከም ዝወጽአ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ሓቢሩ።
ንሓደ ሓታቲ ዕቝባ፡ ብህዝቢ ኣብ ዝውነን መንበሪ ኣባይቲ ንምቕማጥ ንሓደ ለይቲ ዝወጽእ ማእከላይ ወጻኢታት 23.25 ፓውንድ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ሆቴል ድማ 144 ፓውንድ እዩ።
ንመነባብሮኦም ዝኸውን ክፍሊት ድማ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ሰሙን ካብ 9.95 ክሳብ 49.18 ፓውንድ ይኸውን።
ቤት ምኽሪ ስደተኛታት፡ እቲ "ዘይፍትሓውን ዘይግብራውን" ዝበሎ ውጥናት "ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ተወሳኺ ግብሪ" ዘብጽሕ ምዃኑ፡ "ስድራቤታት ህይወቶም ዳግማይ ንምህናጽን እግሪ ንምትካልን ዝያዳ ከጸግሞም'ዩ፡" ኢሉ።
ዳይረክተር ጉዳያት ወጻኢ ኢምራን ሑሴን፡ "ብዙሓት ደገፍ ዕቝባ ዝደልይሉ ምኽንያት፡ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ሓተትቲ ዕቝባ ሕቶኦም ክሳብ ዝግምገም ንኸይሰርሑ ስለ ዝእግድ'ዩ፡" ኢሉ።
"ደገፍ ዕቝባ ነቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት ጥራይ እዩ ዝወሃብ፣ ስለዚ እዚ ሓድሽ ፋይናንሳዊ ጾር ነቶም ዋላ ሓንቲ ከይሓዙ ኣብ ገማግም ባሕርና ዝበጽሑ ጥራይ እዩ ዝጐድእ"።
ማይግሬሽን ኦብዘርቫተሪ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፈርድ፡ ኣብዚ እዋን ስደተኛታት ትሑት መጠን ስራሕን ኣታዊታትን ከም ዘለዎም ብምምልካት፡ መንግስቲ ብጭቡጥ በዚ ኣገባብ ክንደይ ገንዘብ ክመልስ ከም ዝኽእል ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ።
ዶክተር ማድሊን ሳምፕሽን፡ "ኣብ 2023፡ ብግምት 13% ካብቶም ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዕቝባ ዝተዋህቦም ሰባት፡ እንተ ወሓደ 20,000 ፓውንድ ይረኽቡ ነይሮም፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ዘይሰርሑ ወይ ድማ ብዝተሓተ ኣታዊታት ዝነብሩ'ዮም፡" ክትብል ብኣብነት ጠቒሳ።
ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ርብዒ ካብ 16 ክሳብ 64 ዓመት ዝዕድሚኦም ካብ 2015 ክሳብ 2023 ዕቝባ ካብ ዝተዋህቦም ስደተኛታት፡ ኣብ ውሽጢ ተመሳሳሊ ዓመት ስራሕ ይሰርሑ ነይሮም።
እቲ ኣሃዝ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ዕቝባ ምስ ጸደቐሎም ናብ 50 ሚእታዊት ደይቡ።
ካብቶም ዕቝባ ምስ ረኸቡ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ስራሕ ዝነበሩ፡ እቶም 37 ሚእታዊት ቀዋሚ ስራሕ ክረኽቡ ከለዉ፡ ማእከላይ ኣታዊኦም 23,000 ፓውንድ እዩ። እቶም 40 ሚእታዊት ጥራይ ካብቲ ዝተሓተ መጠን ደሞዝ ንላዕሊ ዝረኽቡ እዮም።
ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ክሪስ ፊልፕ፡ ሰልፊ ዕዮ "ካልእ" ፖሊሲ ዓቃባውያን ከም ዝወሰደ ብምግላጽ፡ "እዚ ውጥን፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ምምሕያሽ እማመ ኢምግሬሽን ብኣና ዝቐረበ ኰይኑ፡ ሰልፊ ዕዮ ዓጊትዎ፡" ኢሉ።
ምኒስተራት፡ እቲ እማመ ኢምግሬሽንን ዕቝባን፡ ጽኑዕ ግን ከኣ ፍትሓዊ ስርዓት ዕቝባ ዝፈጥር፡ ንዘይሕጋዊ ስደት ዝድርኹ ረቛሒታት ዝቕንሱ እማመታት ኣብ ግብሪ ከውዕል ተስፋ ኣለዎም።
ይዅን'ምበር፡ ገለ ክፋል ናይቲ እማመ ካብ ገለ ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ዕዮ ተቓውሞ ክገጥሞ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተወሳኺ 20 ሆቴላት ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ናይ ቀደም ወተሃደራዊ ድፋዓት ንምስፋር መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ ኢምግሬሽን፡ ንስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝወስድ ሓደስቲ "ውሑስን ሕጋውን" መስመራት ንምኽፋት መደባት ዘጠቓልል ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
እዚ ድማ ሸኽሚ ወጻኢታት ከፋሊ ግብሪ ንምንካይ፡ ከም ዩኒቨርሲቲታት፡ ማሕበረሰባዊ ጕጅለታትን ትካላት ንግዲን ዝኣመሰሉ ትካላት ንሓደ ሰብ ምወላ ብምግባር ከምጽኡ ይኽእሉ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
