ኣህጉራዊ መዓልቲ ሸቃሎ ስለምንታይ ሓደ ግንቦት ይዝከር?

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ብዙሓት ሃገራት፡ ‘መይ-ደይ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሸቃሎ የኽብራ እየን።

በዚ መሰረት፡ ወትሩ ሓደ ግንቦት ድማ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ዘካየድዎ ታሪኻዊ ቃልስን ዝተረኽበ መኽሰብን ንምዝካር ይደልያ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝሓሸ ኵነታት ስራሕን ማሕበራት ሰራሕተኛታት ዝያዳ ስልጣን ክረኽባን ዝጠልብ ተቓውሞታት ኣብ መላእ ዓለም ይካየድ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ዴሳውን ውዳበታትን ጕጅለታት ሸቃሎን የኽብራኦ ነይረን።

ናይዚ መበገሲ ዝዀነ ተቓውሞታት ኣብ ኣመሪካ ክካየድ እንከሎ፡ ኣብ መስከረም ፈላመይቲ ሰኑይ ይኽበር ነይሩ።

እዚ ዅሉ ግን ብኸመይ’ዩ ተጀሚሩ?

ኣብ 1886 ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ ማሕበራት ሰራሕተኛታት፡ ብሪጣንያዊ ክኢላ ማሕበራዊ ተሃድሶ ሮበርት ኦወን ዝሃቦ ሓሳብ መሰረት ብምግባር፡ መዓልታዊ ናይ ስራሕ ሰዓት ሸሞንተ ሰዓታት ጥራይ ክኸውን ዝጠልብ ኣድማ ኣካይደን።

ሮበርት፡ “ሸሞንተ ሰዓታት ስራሕ፡ ሸሞንተ ሰዓታት ምዝናይ፡ ሸሞንተ ሰዓታት ዕረፍቲ” ብዝብል ጭርሖ ኣብ መዓልቲ ሸሞንተ ናይ ስራሕ ሰዓታት ንኽህሉ ዝጠልብ ውጥን ኣውጺኡ።

እቲ ዝዓበየ ተቓውሞ፡ ብሓደ ግንቦት ኣብ ቺካጎ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ብማእከላይ ገምጋም 40 ሽሕ ሰራሕተኛታት ተሳቲፎም።

ኣብቲ ግዜ፡ ብዘይ ዝዀነ ገደብ ሰዓታትን ናይ ዕረፍቲ መዓልቲታትን ኣብ ፋብሪካታት ምስራሕ ልሙድ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ድማ፡ ቺካጎ ማእከል ኢንዳስትሪታት ኣመሪካን ውዳበታትን እያ ነይራ።

ኣብ ዝቕጽሉ መዓልቲታት፡ እቲ ተቓውሞታት - ብንግዳውን ፖለቲካውን ዓንኬላት ብጽቡቕ ዘይተራእየ - ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ካልኦት ዘይዕጉባት ሰራሕተኛታትን ፋሉላትን ተጸንቢሮምዎ።

ሽዑ፡ ፋሉላት ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣብ ዙርያ ምሕደራን ትግባረ ሕጋጋትን ዝተዋደደ ሕብረተሰብ ዝቃወሙ ሰባት እዮም ነይሮም።

እቲ ወጥሪ እናሓየለ መጺኡ፤ ኣብ መንጐ ፖሊስን ሰልፈኛታትን ብዝተኻየደ ግጭት ድማ ብውሑድ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ፣ ሓያሎ ድማ ቈሲሎም።

ብጭካነ ፖሊስ ዝተቘጥዑ መራሕቲ ሸቓሎን ተቓወምትን ብ4 ግንቦት ኣብ ፍሉጥ ኣደባባይ ‘ሃይማርኬት ቺካጎ’ ሰልፍታት ወዲቦም።

ክሳብ ሕጂ መንነቱ ዘይተፈልጠ ውልቀሰብ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ቦምባ ደርበየ፤ ብሰንኩ 7 ፖሊስ ሞይቶም፤ 67 ወሃብቲ ኣገልግሎት ድማ ቈሲሎም።

ኣብቲ እዋን፡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰልፈኛታት’ውን ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 30 ቈሲሎም።

ድሕሪ እቲ ኣብ ሃይማርኬት ዘጋጠመ ህልቂት ሸሞንተ ፋሉላት (ኣናርኪስትስ) ብቕትለት ተኸሲሶም፤ ገለ ካብኣቶም ድማ ንሞት ተፈሪዶም።

እቲ ፈጺሞምዎ ዝተባህለ ክሲ ግን ብግቡእ ኣይተረጋገጸን።

ብ1889 ነቶም ፍጻመታት ኣብ መይ-ደይ ንምዝካር ኣብ ኣኼባ ማሕበርነታውያን ውድባትን ሸቃሎን ከምኡ’ውን ካብ 20 ሃገራት ዝተዋጽኡ ወከልቲ ማሕበራት ሰራሕተኛታትን ተወሲኑ።

ብዙሓት ሃገራት ክቕበላኦ ዝጀመራ መዓልቲ

እቲ ኣብ ቺካጎ ዘጋጠመ ግጭታት፡ ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት ንብዙሓት ጸጋማውያን ውድባት ኣለዓዒሉ።

ኣብ ደቡባዊ ኣውሮጳ፡ ቀዳሞት ነዚ መዓልቲ ዘኽበሩ ኣብቲ ግዜ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኦስትርያን ሃንጋሪን ዝነበሩ ስሎቬንያውያንን ክሮኤሽያውያንን እዮም።

ከቢድ ኵነታት ስራሕ፡ ትሑት ደሞዝን ነዊሕ ሰዓታት ስራሕን፡ ኣብ ሰርቢያ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ኣብ 1893 ዝነበረ መይ-ደይ ሰልፊ ክውድቡ ደሪኽዎም።

ድሕሪ ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ ቅልጡፍ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ ከምኡ’ውን ጽልዋ ዴሳዊ ሰውራ ሩስያ ስለ ዝነበረ፡ ሰራሕተኛታት ኣብ መላእ ዓለም መሰረታዊ መሰላት ንምርካብ ይቃለሱ ነበሩ።

ኣብ ጀርመን፡ ብ1933 ሰልፊ ናዚ ናብ ስልጣን ምስ ደየበ ‘መይ-ደይ’ ወግዓዊ በዓል ኰነ።

ብኣንጻሩ ግን፡ እቲ በዓል ክብዓል ምስ ተወሰነ ነጻ ማሕበራት ፈሪሰን፤ (እተን ማሕበራት ሰራሕተኛታት ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዳግማይ ተሃኒጸን)።

ምብራቕን ምዕራብን

ድሕሪ ዓወት ኪዳን ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ዓለማዊ ኣቃውማ ተቐይሩ፤ ፖለቲካውን ቍጠባውን ፍልልይ ዝያዳ ጐሊሑ ክርአ ጀሚሩ።

መዓልቲ ሸቃሎ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ከም በዓል ኲባ፡ ሕብረት ሶቭየት ነበርን ቻይናን ዝኣመሰላ ማሕበርነታውያን ሃገራት፡ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ በዓላት ተባሂሉ ይኽበር ነይሩ።

መራሕቲ ዴሳዊ ስርዓታት፡ እዚ ሓድሽ ዝተመስረተ በዓልን ጽምብልን ኣብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ንዝርከቡ ደርብታት ሸቃሎ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ርእሰማላውነት ንኽጥርነፉ ዘነቓቕሕ እዩ ኢሎም ይኣምኑ ነይሮም።

ኣብ ማሕበርነታዊት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ዩጎዝላቭያ’ውን ተመሳሳሊ እምነት ነይሩ።

ዩጎዝላቪያ፡ ብ1945 መዓልቲ ሸቃሎ ብወግዒ መንግስታዊ በዓል ኢላ ኣዊጃ፤ እዚ ድማ፡ ብሰልፍታትን ወተሃደራዊ ምርኢታት ከምኡ’ውን ብሓያል መንግስታዊ ፕሮፖጋንዳ ተኸቢሩ።

ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም’ውን ማሕበራትን ሰራሕተኛታትን ዝሓሸ ኵነታት ዕዮ ንምሕታት ሰልፍታት ብምውዳብ የብዕላኦ ነይረን።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ክሊ እቶም ዝለዓሉ ጉዳያት ሽቕለት ኣልቦነትን ድኽነትን፡ ጉዳይ መሰላት ሰራሕተኛታት ኣገዳሲ ዛዕባ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ሕጂ፡ ዋላ’ኳ ምጕዳል ሽቕለት ኣልቦነትን ኣወንታዊ ዕብየት ስራሕን እንተሃለወ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወሰኽ ደሞዝ ምስ ዝቕባበ ገንዘብ ክኸይድ ስለ ዘይከኣለ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ጕጅለ-20 ሓቀኛ ደሞዝ ከም ዝነከየ ኣህጉራዊ ውድብ ሸቃሎ (ILO) ኣብ 2024 ኣብ ዘውጽኦ ትንበያ ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ቍጽሪ ኣብ ጽንኩር ድኽነት ዝነብሩ ሰራሕተኛታት - ብመንጽር ምዕሩይነት ሓይሊ ምዕዳግ (PPP) ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ትሕቲ 2.15 ዶላር ዝረክብ - ብደረጃ ዓለም ብኣስታት ሓደ ሚልዮን ከም ዝዓበየ እቲ ትካል ይገልጽ።

ከምኡ’ውን ቍጽሪ ኣብ ማእከላይ ድኽነት ዝነብሩ ሰራሕተኛታት ብኣስታት 8.4 ሚልዮን (ማለት ብመንጽር ምዕሩይነት ሓይሊ ምዕዳግ ንሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ትሕቲ 3.65 ዶላር ዝረኽቡ) ከም ዝወሰኸ የመልክት።