ስዑዲ ዓረብ 4 ኢትዮጵያውያን ብሞት ትቐፅዕ፡ ኢትዮጵያ 1600 ብምሕረት ከም ዝተፈትሑ ትገልፅ

ኣብዚ ሰሙን፡ ስዑዲ ዓረብ ንኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ብሞት ከምዝቐፅዐት ክትሕብር እንከላ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 1,600 ዜጋታታ መሕረት ከም ዝተገብረሎም ገሊፁ።
ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ፡ ብ1 ሰነን 3 ሰነን 2018 [ግ] ክልተ ኢትዮጵያውያን ብማሕነቕቲ ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።
እቲ ቅትለት ብ1 ሰነ 2018 ኣብ ኣውራጃ ናጅራን፡ 3 ሰነ 2018 ድማ ኣብ ኣውራጃ ኣሲር ከምዝተፈጸመ እቲ ምኒስትሪ ዘውጽኦ መግለፂ የመልክት።
እቶም ኣርባዕተ ሞት ዝተፈርዶም ኢትዮጵያውያን፡ ሓሺሽ ሒዞም ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምእታዎም ከምዝዀነ እቲ መግለፂ ወሲኹ ሓቢሩ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ንዝርከቡ 1,655 ኢትዮጵያውያን፡ ምሕረት ተገይሩሎም፡ ክሶም ክቋረፅ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ብ13 ሚያዝያ 2018 [ግ] ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ንሰለስተ ኢትዮጵያውያን ብሞት ክቕፅዑ እንከለዉ፡ ፍርዲ ሞት ካልኦት 65 ዜጋታት ግን ከምዝተናውሐ ይሕብር።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ እቲ ምኒስትሪ፡ ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሪያድን ዋና ቈንስል ኣብ ጅዳን ብምውህሃድ ዝገበሮ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ስዒቡ፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ይቕረታ ከምዝተገብረሎም ሓቢሩ።
እንተዀነ እቲ መግለፂ፡ ብዛዕባ እቶም ብሞት ክቕፅዑ ዝፅበዩ ዘለዉ ኰነ፡ ብዛዕባ እቶም ዛጊድ ብሞት ዝተቐፅዑ ዝበሎ የለን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንሞት ዝተፈርዱ ኢትዮጵያውያን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሃይማኖታዊ መልእኽትን ሕጊ ሸሪዓን ብምጥቃስ ኣስማት እቶም ግዳያት ይዝርዝር።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣቐዲሙ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብውሕዱ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ምስ ዕጸፋርስ ብዝተኣሳሰር ገበን፡ ናይ ሞት ፍርዲ ይጽበዮም ከምዘሎ ጸብጺቡ ነይሩ።
እቲ ዓለማዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብ21 ሚያዝያ 2018 [ግ] ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ብፍላይ ምስ ዕጸፋርስ ዝተኣሳሰሩ ገበናት፡ ኢትዮጵያውያን ዝርከቡዎም ብዙሓት ወጻእተኛታት ከምዝቐተለት ሓቢሩ።
ስዑዲ ዓረብ፡ ብዘይጐነጻዊ ገበናት ዝተኸሱ፡ መሰረታዊ ግቡእ መስርሕ ዝተኸልከሉ ወጻእተኛታት ብሞት ንምቕፃዕ ዘለዋ ድልውነት፡ ንመሰልን ህይወትን እቶም ግዳያት ዘሎ ከቢድ ሸለልትነት ከምዘርኢ፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ይኸስስ።
እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ መሻርኽቲ ስዑዲ ዓረብ ብቕልጡፍ ጣልቃ ክኣትዉን እቲ ፍርዲ ቅድሚ ምፍፃሙ፡ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ክስረዝ ፅዕንቶ ክፈጥሩን ጸዊዑ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽኦ ፀብፃብ፡ ኣማኢት ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ተዳጒኖም ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ "ልዕሊ 200 ንሞት ዝተፈርዱ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካሚስ ሙሻይት ተኣሲሮም፡" ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ እቶም ዝበዝሑ ተጋሩ ዝርከቡዎም ኢትዮጵያውያን ዜጋታት፡ ኣብ ፃዕሪ ኣፍ ሞት ከም ዝርከቡ ንግዳያትን ኣባለት ስደራን ኣዘራሪቡ ሰፊሕ ሓተታ ምስንድኡ ይዝከር።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
