ስታርመር መጻኢ ፖለቲካዊ ህይወቱ ዝግምግመሉ፡ በርንሃም ድማ ናብ ዌስት ምኒስተር የምርሕ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty / PA Media
ሰር ኬር ስታርመር፡ ሎሚ ንግሆ ወይ ድሕሪኡ ብቕልጡፍ፡ ካብ ዳውኒንግ ስትሪት ዝወርደሉ ገደብ ግዜ ከፍልጥ ይኽእል እዩ።
ዝሓለፈ ሰሙን ኣንዲ በርንሃም ኣብ መረጻ መከርፊልድ ምስ ዓወተ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጸቕጥታት እናበዝሖ መጺኡ ኣሎ።
ብምልኡ እዚ ቅንያት፡ ሓያሎ ፖለቲከኛታትን ኣባላት ሰልፊ ዕዮን እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ብዛዕባ መጻኢ ህይወቱ ክሓስብ በይኑ ገዲፎሞ።
ሎሚ እዚ ስቕታ ከብቅዕ ተኽእሎ ኣሎ፤ ምኽንያቱ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ስታርመር ስልጣኑ ክለቅቕን ንተካኢኡ ስልጣን ዘረክበሉ መደብ ከም ከፍልጥን ይጽበዩ ኣለዉ።
እቲ መደብ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ክወስድ ዝኽእል እንተዀይኑ ዛጊት ኣይተፈልጠን።
ውድድር ንመራሕነት ክህሉ ዝከኣል እኳ እንተዀነ፡ ከይተወዳደረ ስልጣን ምሓዝ ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዎ ይመስል - በርንሃም ድማ እቲ ቀዳማይ ተረባሒ ክኸውን እዩ።
ንሱ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤትምኽሪ ኮመንስ ከም ኣባል ፓርላማ ቃለማሕላ ክገብር ተመዲቡ ኣሎ።
እንግሊዝ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር እንተ ረኺባ - ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ሓምሻይ ግዜ - ሓድሽ ካቢነ ክምዘዝን ሓድሽ መደብ ስራሕ ወይ ፖሊሲ ክውጠን እዩ።
ተቓወምቲ ሰልፍታት ድማ እቲ ተካኢ ስታርመር ስልጣን ወይ ውክልና ኣለዎ ድዩ ኢሎም ክሓቱ ተኽእሎ ኣሎ።


















