ቀጥታ, ኲባ፡ ኣመሪካ ንራኡል ካስትሮ ተፈራርሕ፡ ቻይና መጠንቀቕታ ትህብ

ወዲ 94 ዓመት ካስትሮ፡ ምስቲ ኣብ 1996 ዝተፈጸመን ኣርባዕተ ሰባት ዝቐተለን ምውዳቕ ሓንቲ ንእሽቶ ነፋሪት ብዝተሓሓዝ'ዩ ተኸሲሱ ዘሎ። እቲ ሓዉ ንፊደል ካስትሮ ዝኾነ ራውል፡ ኣብቲ እዋን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ደሴት እዩ ነይሩ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኲናት ንምብቃዕ ዝዓለመ ዘተ ሰላም ክቕጽልኦ ተማሕጺኖም። እቲ ግጭት "ኣብ ኢራን ዝርከቡ ብዝሒ ዘለዎም ንጹሃን ሰባት ንመከራ ኣቃሊዑዎም እዩ፡" ኢሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
  • ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ተሓዲሱ ዘሎ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህን ዘሎ ግጭት ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
  • "ኣመሪካ፡ ሊባኖስ ካብ ሕዝቦላህ ርእሳ ንኽትከላኸል ንምሕጋዝ ምስኣ ክትሰርሕ እያ፡" ክብል ትራምፕ ኣፍሊጡ።
  • ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኢራናውያን ስፖርተኛታት ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክሳተፉ ከም ዘይክእሉ ካብ ወገን ኣመሪካ ዝነገሮም ሰብ ከም ዘየሎ ገሊጹ። እንተዀነ፡ "ብዙሓት ግብረ-ሽበራውያን 'ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን' ከም ጋዜጠኛታትን ኣሰልጠንቲ ስፖርትን ኣምሲሎም ናብ ሃገርና ሒዞሞም ክመጽኡ ኣይፍቀድን እዩ፡" ኢሉ።
  • ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ 20,000 ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ዝካየድ ሓጸርቲ በረራታት ክስርዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።ሉፍታንዛ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ተመራመርቲ ኦክስፎርድ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ሓድሽ ክታበት ኢቦላ ክነማዕብል ኢና ይብሉ

    ኣብ ቤተ ፈተነ እትመራመር ጓል ኣንስተይቲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ፡ ለበዳ ኢቦላ ደው ንምባል ክሕግዝ ዝኽእል ሓድሽ ክታበት ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ከምዘማዕበሉ ይገልጹ ኣለዉ።

    ብሰንኪ እቲ ለበዳ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ 177 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 750 ድማ ከምዝተለኸፉ ይጥርጠር።

    በቲ ቡንዲቡግዮ ዝተባህለ ሳሕቲ ዝረአ ዓይነት ቫይረስ ካብ ዝተለኽፉ ሰባት፡ እቶም ሲሶ ከምዝሞቱ ይግለጽ።

    እንተዀነ ዛጊት ነቲ ሕማም ዝከላኸል ውጽኢታዊ ክታበት የለን።

    ተመራመርቲ ኦክስፎርድ ግን፡ እዚ ክታበት ንምድላው ብቕልጡፍ ይሰርሑ ከምዘለዉ እዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

    እቲ ዘማዕብልዎ ክታበት ውጽኢታዊ ምዃኑ ገና ኣይተረጋገጸን።

    እንተዀነ ውጽኢታውነቱ ንምርግጋጽ መጀመርታ ኣብ እንስሳታት ድሕሪኡ ድማ ኣብ ደቂ ሰባት ክፍተን እዩ።

    እቶም ተመራመርቲ፡ ነቲ ክታበት ንምስራሕ ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ቴክኖሎጂ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ ዝተጠቐሙሉ ዓይነት እዩ።

  2. ፔፕ ጋርድዮላ ካብ ማንቸስተር ሲቲ ይለቅቕ ኣሎ

    ጋርድዮላ ዋንጫ እናሰዓመ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ሲቲ ፔፕ ጋርድዮላ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመተ ስፖርት ካብታ ክለብ ክለቅቕ እዩ።

    እታ ክለብ ሰንበት ኣንጻር ኣስቶንቪላ እትገብሮ ግጥም ድማ ናይ መወዳእታ ጸወታኡ ይኸውን ኣሎ።

    "ምኽንያታት ምልቃቐይ ኣይትሕተቱኒ። ምኽንያት የለን፡ ውሽጠይ እዋኑ ምዃኑ ይነግረኒ ኣሎ" ክብል ጋርድዮላ ካብታ ክለብ ዝፈላለየሉ ግዜ ከምዝበጽሐ ኣመልኪቱ።

    ጋርድዮላ ኣብ ማንቸስተር ሲቲ ዕውት ተኸታታሊ ዓመታት ኣሕሊፉ እዩ።

    ጓርድዮላ፡ እታ ክለብ ኣብ 2023-24 ዓመተ ስፖርት ብዘመዝገበቶ ዓወት ንኣርባዕተ ዓመታት ተኸታታሊ ዋንጫ ሊግ ኢንግሊዝ ዝዓተረት ቀዳመይቲ ጋንታ ኰይና ታሪኽ ንክትጽሕ ሓጊዙ እዩ።

    ፔፕ ጋርድዮላ ካብ ማንቸስተር ሲቲ ድሕሪ ምልቃቑ ንግዚኡ ካብ ኣሰልጣንነት ዕረፍቲ ክወስድ መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ’ሎ።

  3. ኲባ፡ ቻይና ንኣመሪካ ተጠንቅቕ

    ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሰ ራውል ካስትሮ ሰላምታ እናሃበ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣመሪካ ንኲባ "ንምፍርራሕ" ተካይዶ ዘላ ጐስጓሳት ደው ከተብሎ ቻይና ጸዊዓ።

    በይዢንግ ንሃቫና ዘለዋ "ጽኑዕ ደገፍ" እዋን ገሊጻ ኣላ።

    ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኲባ ነበር ራውል ካስትሮ ገበናዊ ክሲ ድሕሪ ምምስራታ'ያ ቻይና ተቓውሞኣ ተስምዕ ዘላ።

    ወዲ 94 ዓመት ካስትሮ፡ ምስቲ ኣብ 1996 ዝተፈጸመን ኣርባዕተ ሰባት ዝቐተለን ምውዳቕ ሓንቲ ንእሽቶ ነፋሪት ብዝተሓሓዝ'ዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣብታ ዴሳዊት ደሴት ዘሎ መንግስቲ ክኣልዮ ከምዝኽእል ክዛረብ ምጽንሑ ይዝከር።

    ኣመሪካ፡ ንፕረዚደንት ቨነዙዌላ ነበር ኒኮላስ ማዱሮ ብሓይሊ መንዚዓ ቅድሚ ምውሳዳ ኣብ ልዕሊኡ ምስ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስ ዝተሓሓዝ ክሲ መስሪታ ነይራ'ያ።

    እታ ብሓይልታት ኲባ ተሃሪማ ዝወደቐት ነፋሪት፡ ብኲባውያን-ኣመሪካውያን ዝመርሕዎ ኣንጻር ስርዓት ኲባ ዝቖመ ጉጅለ ዝተዋፈረት ኮይና፡ ሰለስተ ካብቶም ኣብኣ ዝነበሩ ኣመሪካውያን ዜጋታት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

    እቲ ሓዉ ንፊደል ካስትሮ ዝኾነ ራውል፡ ኣብቲ እዋን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ደሴት እዩ ነይሩ።

    ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ኩሉ ሳዕ ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክትግታእ ኣለዋ ኢሉ።

    "ኣመሪካ፡ እገዳን ሕጋዊ መሓውራትን ኣንጻር ኲባ ከም መሳርሒ ምስግዳድ ምጥቃም ደው ከተብል፡ ከምኡ'ው ንኣብ ኩሉ ኩርንዓት ሓይሊ ናይ ምጥቃም ምፍርራሕ ካብ ምግባር ክትሕየብ ኣለዋ።

    "ኲባ ሃገራዊ ልኡላውነታን ክብረታን ንከተውሕስ ቻይና ብጽኑዕ ትድግፋን ናይ ወጻኢ ምትእትታው ትቃወምን" ይብል ኣፈኛ ጉዎ ጂኣያኩን።

  4. ኣፍቀርቲ ተመሲሎም ንብዙሓት ዘታለሉ ንምሓዝ ዝተኻየደ ስርሒት

    ክሪስቲ ገስት

    ንብዙሓት ናብ ፍቕራዊ ስምዒት ብምእታው ኣታሊሎም ገንዘብ ብምጥፍፋእ ዝተጠርጠሩ ብዙሓት ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

    ኣብቲ ኣብ ብሪጣንያን ናይጀርያን ዝተኻየደ ስርሒት 31 ውልቀሰባት ተታሒዞም ኣለዉ።

    ሰብመዚ ጸጥታ ብሪጣንያ፡ ሓበሬታ ውልቃዊ ሕሳባት ባንኪ ብምሻጥ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ሒዞም ኣለዉ። ኣብ መንበሪ ገዝኡ £3,000 ፓውንድን 'ሮለክስ' ሰዓትን ከምዝጸንሐ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

    ኣብ ብሪጣንያ ጥራይ ብከምዚ ኣገባብ መደናገርቲ ዓመታዊ ልዕሊ 100 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝረኽቡ ጸብጻባት የመልክቱ።

    ኣብ ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ዝካየድ ዘሎ 'ስርሒት ሰራፊም' ነቶም ኣብቲ ገበናት ዝተዋፈሩ ውልቀሰባት ንምህዳን ዝዓለመ'ዩ።

    ሓንቲ ካብ ግዳያት ናይ ከምዚ ዝበለ ምጥፍፋእ ዝኾነት ክሪስቲ ገስት፡ ንሓደ ኣብ ስምዒት ፍቕሪ ዘእተዋ ዘይትፈልጦ ሰብ £80,000 ክትህቦ ከምዝገበራ ትዛረብ።

    እቲ ዛንታ ዝነበራ ዝምድና ኣብ ዝፈረሰሉ እዋን'ዩ ዝጅምር። ኣብቲ ተነቃፊት ዝነበረትሉ እዋን'ያ ነቲ "ፓትሪክ" ዝተባህለ ሰብ፡ ብመገዲ መጻምድቲ ኣብ ምርካብ ዝሕግዝ መርበብ ሓበሬታ ረኺባቶ።

    "ምሳይ ምቅርራብ ፈጢሩ። ዘሀውኽ ኣይነበረናን" ትብል ክሪስቲ፡ "ብዛዕባ ቁልዕነቱ፡ ብዛዕባ ዝነበረሉ ቦታታት ተዛሪብና፡ ኣበይ ከምዝዓበኹ ኣዕሊልና።

    "ስለዚ፡ ናብ ሕማቕ ነገር ይኸይድ'ዩ ዝብል ዝኾነ ስምዒት ኣይነበረንን፡ መጠንቀቕታ ዝብሃል ኣይነበረን" ኢላ።

    ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ክሰደላ ወይ ብተለፎን ከዛርባ እንከሎ ክሳብ ክንደይ ትሕጐስ ምንባራ ትዝክር። "መዓልተይ'ዩ ዘሐድሶ ነይሩ"።

    ካብተን መዓልታት ሓንቲ ግን፡ ብስራሕ ከምዝገሸ ድሕሪ መግላጹ፡ ሃንደበት ሓደጋ ከምዘጋጠሞ ይነግራ።

    "ከምኡ ምስበለኒ፡ ክሕግዞ ጥራይ'የ ደልየ" ብምባል፡ ገንዘብ ከተሰጋግረሉ ናይ ባንኪ ሕሳቡ ሂቡዋ። ክሳብ ዝሓዊ ከተጻንሖ ስለዝሓተታ ድማ ክሳብ ትነጽፍ ቀጺላ። ካብ ሰብ ዘይደሊ ሃብታም ምንባሩ'ያ ትርዳእ ነይራ. . . ።

    'ድሕሪ ማይ ናብ ብዓቲ' ከምዝብሃል፡ ነገራት ክትርድኦ ምስ ጀመረት ብሕርቃን ተለፎና ናብ መንደቕ ክሳብ ምድርባይ በጺሓ።

    "ኣዝየ እየ ሓሪቐ፡ ምኽንያቱ እንታይ ከምዝገበርኩ ተረዲኡኒ. . .ዝነበረኒ ኩሉ'የ ኣጥፊአየ። እንታይ ዓይነት ሰብ ከምዝኾንኩ ከሕንኸኒ ጀሚሩ" ብምባል ሰባት ካብኣ ክመሃሩ ትምሕጸን።

  5. ክታበት ለበዳ ኢቦላ ንምድላው ትሽዓተ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል

    መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበሩ ክልተ ሰባት፡ መዐቀኒ ሙቐት እናተጠቕሙ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ክታበት ለበዳ ኢቦላ ንምድላው ትሽዓተ ኣዋርሕ ክወስድ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

    እዚ መጠንቀቕታ ዝወሃብ ዘሎ፡ ቁጽሪ ብለበዳ ኢቦላ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ።

    ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ብኢቦላ ከምዝተለኸፉ ዝተጠርጠሩ ሰባት 600 ከምኡ’ውን ዝሞቱ 139 ሰባት ከምዝሞቱ እኳ እንተገለፀ፡ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ንምፍላጥ ዝወስዶ ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው ግን እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

    ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ጀነቫ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብታ ፈላማይ መልከፍቲ ዝተመዝገበላ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ 51፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዩጋንዳ ድማ ክልተ መልከፍቲ ከምዝተረጋገጹ ሓቢሩ።

    ብሰንበት ውድብ ጥዕና ዓለም ህጹጽ ኩነታት ጥዕና ህዝቢ ዓለም ለኻዊ ስክፍታ ኣዊጁ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ኵነታት ግን ለበዳ ከምዘይኮነ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

  6. ሩስያን ቻይናን ንወተሃደራዊ ስጕምትታት ኣመሪካ ይነቕፋ

    ካብቲ ሩስያን ቻይናን "ምዕሟቕ ዝምድናታት ሰናይ ጕርብትና፡ ምሕዝነትን ምትሕብባርን" ዝብል ሓባራዊ መግለጺ ተወሳኺ ርእይቶታት ይህባ ኣለዋ።

    ሺን ፑቲንን "ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ዝፍጸም ብድዐ ዝመልኦ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ንኸምዚ ዓይነት መጥቃዕቲታት ንምድላው ድርድር ከም መሸፈኒ ምጥቃም፡ ቅትለት መራሕቲ ልኡላውያን ሃገራት፡ ምርግጋእ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት እዘን ሃገራትን ምትኹታኽ ናይ ስርዓት ለውጥን፡ ከምኡ'ውን ሃገራውያን መራሕቲ ብድፍረት ብምጭዋይ ናብ ፍርዲ ምውሳድ፡" ኰኒኖም።

    እቲ መግለጺ ኣብ መላእ ዓለም ንዝካየዱ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ወተሃደራዊ ምትእትዋት ዝኹንን ኰይኑ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኢራንን ቬንዙዌላን ዝወሰደቶ ተግባራት ዝነቅፍ ይመስል።

    ከምዚ ዓይነት ተግባራት "ንዕላማታትን መትከላትን ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ስርዓታት ኣህጉራዊ ሕግን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ብዓቢኡ ዝጥሕስ ኰይኑ፡ ኣብ መሰረታት ናይቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተመስረተ ስርዓት ዓለም ሰፍ ዘይብል ጉድኣት የስዕብ፡" ይብሉ።

    ኣብ ካልኣይ እብረ ፕረዚደንትነት ትራምፕ ኣብ ዙርያ ህሉው ስርዓት ዓለም ስክፍታታት ኣብ ዝፍጠረሉ ዘሎ እዋን፡ ሺን ፑቲንን ንነብሶም ኣብ ቅድሚ ሓድሽ ኣህጉራዊ ስርዓት እናቐመጡ ይመጽኡ ኣለዉ።

  7. ሺን ፑቲንን ካብ ልዕሊ 20 ቀዳሞት ስምምዓት ፈሪሞም

    ሺን ፑቲንን ኣብ መንጐ ቻይናን ሩስያን ዘሎ ስትራተጂካዊ ምውህሃድ ዝያዳ ንምሕያል፡ ከምኡ'ውን "ሰናይ ጕርብትናን ምሕዝነታዊን ምትሕብባር ምዕሟቕን፡" ዝብል ሓባራዊ ስምምዓት ፈሪሞም ኣለዉ።

    ሕጂ ድማ ኣብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ጉዳያት፡ እንተላይ ኣብ ስምምዓት ምትሕብባር ንግድን ቴክኖሎጅን ዝምልከት ተወሳኺ 20 ሰነዳት ክፍርሙ ትጽቢት ይግበር።

  8. ንቻይናን ሩስያን ዘተኣሳሰረን ገመድ እንታይ እዩ?

    ፕረዚደንታት ሺ ጂንፒንን ቭላድሚር ፑቲንን፡ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ቲያንኣንመን ኣደባባይ በይጂንግ እናተዛወሩ፡ ብዛዕባ ዕድመ ደቅ-ሰብ ዝናውሓሉ ተኽእሎታት ከዕልሉ ተሰሚዖም ነይሮም።

    እዚ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ዕላል፡ እዞም ክልተ መራሕቲ ዘለዎም ርክብ ክሳብ ክንደይ ሱር ዝሰደደ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

    ፑቲን ኣብዛ ሰሙን ናብ በይጂንግ ክምለስ እዩ፣ እዚ ድማ ክልተአን ሃገራት ስምምዕ ካብ ዝፈራረማ መበል 25 ዓመት ምስ ዝገበራሉ ተጋጢሙ ኣሎ።

    ሺን ፑቲንን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  9. ውዕል ሰናይ-ጕርብትናን ምሕዝነታዊ ምትሕግጋዝን እንታይ እዩ?

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና፡ ውዕል ሰናይ ጉርብትናን ምሕዝነታዊ ምትሕግጋዝን ቻይናን ሩስያን ከም ዝተናውሐ ጸብጺበን ኣለዋ።

    እቲ ስትራተጂካዊ ውዕል፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ሰላማዊ ዝምድና፡ ቁጠባዊ ምትሕብባር፡ ከምኡ’ውን ዲፕሎማስያውን ጂኦፖለቲካውን ምርኰሳ ክህሉ ዝጠልብ እዩ።

    ብተወሳኺ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ውዕላት ምክልኻልን ዝምልከት ድንጋገታት ዘጠቓለለ እዩ።

    እቲ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ውዕል፡ ኣብ 2001 ብፑቲንን ሽዑ መራሒ ቻይና ዝነበረ ጂያንግ ዘሚንን ዝተኸተመ እዩ።

    ኣብ ለካቲት 2022 ድሕሪ ምውድኡ ንተወሳኺ 5 ዓመት ተናዊሑ፤ ሕጂ ድማ መሊሱ ከም ዝተናውሐ ይግለጽ።

  10. ፑቲን፡ ነዚ ኣኼባ ንነዊሕ እዋን ክጽበዮ ከም ዝጸንሐ ይዛረብ

    ፑቲን፡ ምስ ቻይናዊ መዘንኡ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሩስያ ታስ፡ ፑቲን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሮ ንሺ "ክቡር ዓርኪ" ኢሉ ጸዊዑዎ።

    "ዋላ'ውን ንሓንቲ መዓልቲ እንተዘይተራኸብና፡ ሰለስተ ቀውዒ ዝሓለፈ ኰይኑ'ዩ ዝስምዓና" ዝብል ሓደ ምሳልያ ኣዘራርባ'ውን ኣዘኪሩ።

    እዚ ብልሙድ፡ ሓደ ትርጉም ዘለዎ ፍጻመ ንኽፍጸም፡ ወይ ድማ ሓደ ዕላማ ንኽዕወት ዝግበር ኣጸጋሚ ትጽቢት ንምግላጽ ዝጥቀመሉ ነይሩ።

    ርክብ ሞስኮን ቤጂንግን "ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ልዑል ደረጃ" ከም ዝበጽሐ ፑቲን ገሊጹ።

    ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ መንጐ ሩስያን ቻይናን ዝግበር ንግዳዊ ምልውዋጥ ልዕሊ 30 ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ኣመልኪቱ ይብል ጸብጻብ ታስ።

    ፑቲን፡ ንሺ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናብ ሩስያ ክበጽሕ ዓዲሙ'ሎ፤ ዝምድና ቤጂንግን ሞስኮን "ዓለማዊ ምርግጋእ ኣብ ምምጻእ ይሕግዝ ኣሎ፡" ክብል'ዉን ተዛሪቡ።

    ሺ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት እዩ ናብ ሩስያ በጺሑ።

  11. 'ልዕልና ሓደ ወገን እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ' - ቻይና

    መራሒ ቻይና፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለም ናይ 'ሓደ ወገን ልዕልና ይእናዓበየ' ይመጽእ ኣሎ ምባሉ ጸብጻባት የመልክቱ።

    ከምቲ ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ርክብ ቻይናን ሩስያን ናብዚ ደረጃ ዝበጽሐሉ ምኽንያት ክልቲአን ሃገራት "ብቐጻሊ ሓድሕዳዊ ፖለቲካዊ ምትእምማንን ስትራተጂካዊ ምትሕግጋዝን" ከዕሙቓ ስለ ዝኸኣላ ምዃኑ ገሊጹ።

    ህሉው ኣህጉራዊ ኩነታት "ዝተሓላለኸን ዘይርጉእንኰይኑ፡ ልዕልና ሓደ ወገን ይዓቢ ኣሎ፡" ይብል ፕረዚደንት ቻይና።

    ቻይናን ሩስያን ከም ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ኣገደስቲ ሓይልታት ዓለምን መጠን "ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ስትራተጂካዊ ኣረኣእያ" ክሕዛን "ዝያዳ ፍትሓውን ርትዓውን ዓለማዊ ስርዓተ ምሕደራ፡" ንምህናጽ ክተሓባበራን ይግባእ ይብል ሺ።

  12. ቤጂንግን ሞስኮን ንሓድሕደን ክተሓጋገዛ ኣለወን - ሺ

    ልኡኻት ቻይናን ሩስያን ኣብ ቤጂንግ ተራኺቦም። ፕረዚደንት ሺ፡ ኣብ መኽፈቲ መደረኡ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ልምዓትን ምሕዳስን ክተሓጋገዛ ከም ዘለወን ንፑቲን ከም ዝገለጸሉ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና ጸብጺበን።

    ሩስያዊ መዘንኡ ፑቲን ብወገኑ፡ ዝምድና ሩስያን ቻይናን ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ደረጃ ከም ዝበዝጸሐ ምግላጹ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

    ክልቲኦም መራሕቲ፡ በይናዊ ዝርርብ ዘካየዱ ኰይኖም፡ እዚ "ጸቢብ ቅርጺ ዘለዎ ኣኼባ" ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

    እዚ፡ ብልሙድ ዝያዳ ተነቃፊ ጉዳያት ዝዝረበሉ ንእሽቶ ኣኼባ እዩ።

  13. ሞትን መልከፍትን ሕማም ኢቦላ ይውስኽ ምህላዉ ስግኣት ፈጢሩ

    ሓደ ንቢቢሲ ዝተዛረበ ሰብ ኣብ ከባቢ እቲ ሕማም ዝተራእየሉ ቦታ፡ ኣብ ጥቓ ቀጠልያ ቦታ ሕርሻ ኣብ ዝርከብ ገዛ ይርአ

    ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ተቐልቂሉ ዘሎ ደግሲ ሕማም ኢቦላ ብናህሪ ይላባዕ ከይህሉ ስግኣት ከምዘለዎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

    ገለ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ቀልጢፎም ይሞቱ ምህላዎም ፍርሒ ፈጢርሎም ከምዘሎ ተዛሪቦም።

    ቁጽሪ ናይቶም በቲ ሕማም ዝሞቱ 131 በጺሑ ከምዘሎን፡ ልዕሊ 513 ከምዝተለኽፉን ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    እቲ ሕማም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ከይሰፍሕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ዛጊት ኣብ ዩጋንዳ ሓደ ሰብ ሞይቱ'ሎ።

    ኣመሪካ ብሰንኪ እቲ ኩነታት ኣብ ዩጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳንን ኮንጐን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታታ ኣግልግሎት ቪዛ ምሃብ ከተቋርጽ ተገዲዳ ምህላዋ ይፍለጥ።

    ሓደ ምስ ገባሪ ሰናይ ማሕበር ዝሰርሕ ዝነበረ ኣመሪካዊ ሓኪም፡ በቲ ሕማም ድሕሪ ምልካፉ ኣብ ጀርመን ይእለ ከምዘሎ ሰበስልጣን ጀርመን ሓቢሮም። ካልኦት ነቲ ቫይረስ ዝተቓልኡ 6 ዜጋታቶም ንምውጻእ ይሰርሑ ከምዘለዉ'ውን ሰብመዚ ምቁጽጻርን ምክልኻልን ኣመሪካ ገሊጾም ኣለዉ።

  14. ኢቦላ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ይውስኽ ኣሎ

    መርመራ ኢቦላ ዝግበረላ ጓልኣንስተይቲ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ዳግም ተቐልቂሉ ዘሎ ሕማም ኢቦላ ዓለምለኻዊ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

    ዛጊት፡ ብውሕዱ 100 ሰባት በቲ ሕማም ሞይቶም ከምዘለዉ ሰብመዚ ጥዕና ኣፍሪቃ ሓቢሮም ኣለዉ።

    ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ ከምዝበሎ፡ 395 ሰባት በቲ ቀታሊ ቫይረስ ተለኺፎም ክኾኡ ከምዝኽእሉ ተጠርጢሩ'ሎ።

    እቲ መልከፍቲ ኣብ ኮንጐ ኣጋጢሙ ዘሎ'ኳ እንተኾነ፡ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ከየስፋሕፍሕ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።

    ኣብ ዩጋንዳ ድሮ ክልተ ሰባት በቲ ሕማም ተታሒዞም ከምዘለዉ ሓላፊ ናይቲ ትካል ጂን ካሰየ ኣፍሊጡ።

    ሰብመዚ ጥዕና ኮንጐ ብወገኖም፡ ኣብታ ርእሰከተማ ምብራቓዊት ዞባ ኢቱሪ ዝኾነት ቡኒያ ንሕሙማት ንምክንኻን ዘገልግል ተወሰኽቲ ማእከላት ተኸፊቶም ኣለዉ።

    ንፈለማ እዋን ኣብ 1976 ኣብ 'ዛየር' (ናይ ሕጂ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ) ዝተቐልቀለ ኢቦላ፡ ካብ መንካዕ ዝተበገሰ ምዃኑ'ዩ ዝእመን።

    ሕማም ኢቦላ፡ ቫይረስ 'ቡንዲቡጊዮ' ዝስዕብ ኮይኑ ዛጊት ፈውሲ ይኹን ክታበት ኣይተረኽቦን።

    ኣብዛ መበል 17 ክስተት ናይቲ ሕማም ኣጋጢምዋ ዘሎ ሃገር፡ ካብ 2018 ክሳብ 2020 ዝነበረ እዋን ዝበዝሑ (2,300) ግዳያት ዝቐዘፈሉ እዩ ነይሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ ኣስታት 15,000 ሰባት በቲ ሕማም ሞይቶም ኣለዉ።

    ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶ'ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዛዕባ ኩነታት ኢቦላን፡ እቲ ካልእ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ሃንታቫይረስን ብዝምልከት ሎሚ ጋዜጣዊ መብርሂ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ።

  15. ኬንያ፡ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ምድስካል ዘስዓበ ኣድማን ተቓውሞን

    ክልተ ኢዱ ንላዕሊ ብምግባር ተቓውሞኡ ዝገልጽ ኬንያዊ፡ ኣብ ከባቢ ብሓዊ ዝተቓጸለ ጎማን ብኣእማን ዝተዓጽወ ጐደና

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ኣብ መላእ ኬንያ ክካየድ ዝወዓለ ተቓውሞታት ንንግዳዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ኣልሚስዎ ውዒሉ።

    እቲ ብቐንዱ ብወነንቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝተወደበ ኣድማ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሰራሕተኛታትን ተመሃሮን ዝርከብዎም ሰባት ዓዲ-ውዒል ክኾኑ ኣገዲዱ ይርከብ።

    ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ፡ ናዕበኛታት ጐደናታት ክዓጽዉን ጐማታት ከቃጽሉን ተራእዮም።

    እቲ ተቓውሞታት ብሰንኪ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተወሰነ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዝተበገሰ እዩ።

    ሰብመዚ እታ ሃገር፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ንፈለማ እዋን ዋጋ ነዳዲ ብ20% ወሲኾም ኣለዉ።

    እቲ ንመላእ ዓለም ቅልውላው ኣስዒቡ ዘሎ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ንኬንያ'ውን ግዳይ ኮይና ኣላ

  16. ጕዕዞ በይጂንግ ትራምፕ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ‘ማጋ’ ስክፍታታት ይፈጥር

    ፕረዚደንታት ኣመሪካን ቻይናን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2016 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝገበሮ ናይ መረጻ ቅስቀሳ፡ ቻይና ቀንዲ ቍጠባዊ ተጻራሪት ኣመሪካ ምዃና ብንጹር ገሊጹ ነይሩ።

    እዚ ጸረ-ቻይና ዘረባታትን ስትራተጅያዊ ጸቕጥታትን ንዓሰርተ ዓመታት ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ኣብ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ’ውን ምስቶም ጸረ-ቻይና መርገጺ ዘለዎም ሰበስልጣን ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያትን ሓለፍትን ብምዃን፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ቻይና ዝኣትዉ ኣቑሑ ናይ ታሪፍ ወሰኽ ብምግባር ቍጠባዊ ውግእ ኣዊጁ እዩ።

    ይዅን’ምበር፡ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን እዚ ናብ ቤጂንግ ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ፡ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ብምቅርራብ ተራኺቡ፡ ርክብ ክልተአን ሃገራት ካብ ግምት ንላዕሊ ጽቡቕ ክኸውን ምዃኑ ገሊጹ።

    ኣብቲ ዘተ "ሉዑል ናይ ንግዲ ስምምዓት" ከም እተገብረ እኳ እንተ ተሓበረ፡ ብሰንኪ እቲ ንታይዋን ዝወሃብ 11 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ኣጽዋር መሸጣን ምስ ምስጢራዊ ድጋፍ ፋብሪካታት ቻይና ንኢራንን ዘለዎ ምስሕሓብ ግን ኵሉ እቲ ጸገማት ገና ኣይተፈትሐን።

    ኣብ ውሽጢ ምንቅስቓስ Make America Great Again (MAGA) ዘለዉ ሓለፍትን ተንተንትን ግን፡ እዚ ዝተቐየረ ዝመስል ቃና ትራምፕ ንመላእ ሰዓብቱ ክጸሉ ከም ዝኽእልን መጻኢ ታይዋን ኣብ ትሕቲ ሕቶ ምልክት ከም ዘሎን ይገልጹ።

  17. ኣመሪካ፡ ንመራሒ ኩባ ዝነበረ ራኦል ካስትሮ ክትከስስ መደብ ከም ዘለዋ ተገሊጹ

    ፊደል ካስትሮ (ጸጋማይ) ምስ ሓዉ ራኦል ካስትሮ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ፊደል ካስትሮ (ጸጋማይ) ምስ ሓዉ ራኦል ካስትሮ

    ምኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ንዝተፈጸመ ናይ ክልተ ነፈርቲ ምውዳቕ ፍጻመ ብምግንዛብ፡ ኣብ ሽምግልና ንዝርከብ መራሒ ኩባ ነበር ራኦል ካስትሮ ብገበን ንምኽሳስ ምድላዋት ይገብር ከም ዘሎ ተገሊጹ።

    ብመሰረት ዝተረኽበ ጸብጻብ፡ እቲ ብቤት ምኽሪ ዳኛታት ኣመሪካ ክጸድቕ ዝግበኦ ክሲ ዝወጽአ፡ ዳይረክተር ማእከላይ ትካል ስለያ ኣመሪካ (CIA) ምስ ሰበስልጣን ኩባ ንምዝታይ ናብ ሃቫና ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ እዩ።

    ዕድሚኡ 94 ዓመት ዝዀነ ካስትሮ፡ ኣብ 2021 ካብ መሪሕነት ዴሳዊ ሰልፊ ኩባ ብምውራድ፡ ነቲ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ-ዘመን ዝቐጸለ ናይ ስድርኦም ስልጣን ዛዚሙዎ እዩ።

    ራኦል፡ ሓዉ ፊደል ካስትሮ ካብ ስልጣን ምስ ወረደ ነታ ሃገር ን15 ዓመታት መሪሑዋ እዩ።

    እዚ ክውሰድ ተዳልዩ ዘሎ ናይ ክሲ ስጕምቲ፡ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባ እተካይዶ ዘላ ቍጠባዊ እገዳ ነዳድን ሰፊሕ እገዳታትን ዘጠቓልል ናይ ጸቕጢ ወፍሪ መቐጸልታ ክፋሉ እዩ።

  18. ትራምፕ፡ ላዕለዋይ መራሒ ውድብ ሕብረት ምስልምና ከም ዝተቐትለ ገሊጹ

    ሰራዊት ናይጀርያ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓይልታት ኣመሪካን ናይጀርያን ኣብ ኣፍሪቃ ብዘካየድዎ ወተሃደራዊ ስጕምቲ፡ ነቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጃ “ካልኣይ መራሒ ውድብ ሕብረት ምስልምና (ISIS)” ኰይኑ ዝነጥፍ ዝነበረ ሰብ ከም ዝቐተሉዎ ገሊጹ።

    ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ እቲ ሓባራዊ ስጕምቲ፡ “ነቲ ኣብ ዓለም ብዝለዓለ ደረጃ ንጡፍ ዝነበረ ግብረ-ሽበራዊ” ኣቡ-ቢላል ኣል-ሚኑኪ ንምውጋድ፡ “ብዘይኰነ ይዅን ጌጋ ፍጹም ብዝዀነ መንገዲ ከም ዝተፈጸመ” ገሊጹ።

    ኣል-ሚኑኪ ብ2023 ብዋሽንግተን ፍሉይ ዓለምለኻዊ ግብረ-ሽበራዊ ተባሂሉ ተረቚሑ ነይሩ።

    ወተሃደራዊ ሓይሊ ናይጀርያ ግን ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝሃቦ መግለጺ የሎን።

    እዚ ቅትለት’ዚ እንተ ተረጋጊጹ፡ ስዒቡ ምስቲ ብ2019 ዝተፈጸመ ቅትለት መራሒ እቲ ጕጅለ ኣቡ በክር ኣል-ባቕዳዲ፡ ንውድብ ሕብረት ምስልምና (IS) ካልእ ዓብዪ ስዕረት ክኸውን ይኽእል እዩ።

    ቢቢሲ ንመንግስቲ ኣመሪካን ሰብስልጣን ናይጀርያን ርእይቶኦም ንምሃብ ኣዘራሪቡዎም ኣሎ።

    ኣል-ሚኑኪ (ኣቡ በክር ኢብን ሙሓመድ ኢብን ዓሊ ኣል-ማይኑኪ ተባሂሉ እውን ዝፍለጥ)፡ ነቶም ምስ ውድብ ሕብረት ምስልምና (IS) ምትእስሳር ዘለዎምን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝርከቡን ዋህዮታት ይመርሕ ነይሩ።

    ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ሓውሲ ተፋሰስ ቀላይ ጫድን ሳሕልን ዓሪዱ ዝርከብ ምስ ኒጀር፡ ጫድን ማሊን ዶብ-ሰገር ምትእስሳር ዘለዎ ግዝኣት ውድብ ሕብረት ምስልምና ምዕራብ ኣፍሪቃ ይመርሕ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ ኣሎ።

    እቲ ናይ ትራምፕ መልእኽቲ ብዛዕባ እቲ ስጕምቲ ወይ እቲ ሓባራዊ ልኡኽ ዝተፈጸመሉ ግዜ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። ትራምፕ፡ ሞት ናይዚ መራሒ ንኣፍሪቃን ዓለምለኻውን መርበባት ውድብ ሕብረት ምስልምና (IS) ሓያል ውቅዒት ምዃኑን ንእዝን ቍጽጽርን ከም ዝተበታተነ ገሊጹ።

  19. ሓድሽ ለበዳ ኢቦላ ብዙሓት ሰባት ይቐትል

    መድሃኒ ብመርፍእ ካብ ብልቃጥ እትስሕብ፡ ኣፋን ኣፍንጫኣን ዝተሸፈነት ብዓልቲ ሰማያዊ ጓንቲ ዝኾነት ብዓልቲ ሞያ ጥዕና

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ንፈለማ እዋን ኣብ 1976 ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ዝተቐልቀለ ኢቦላ፡ ካብ መንካዕ ዝተበገሰ ምዃኑ'ዩ ዝእመን

    ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ለብዒ ሕማም ኢቦላ ብውሕዱ 65 ሰባት ከምዝቐተለ ይግለጽ ኣሎ።

    ኣብቲ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ኢቱሪ ዝተራእየ ለበዳ፡ ኣስታት 246 ሰባት ተለኺፎም ከምዘለዉ'ውን ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ (Africa CDC) ሓቢሩ።

    ንወከልቲ እታ ሃገር፡ ከምኡ'ውን ጐረባብታ ዝኾና ዩጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ዘሳተፈ ህጹጽ ኣኼባ ክግበር ጸዊዑ ምህላዉ'ውን እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

    ንፈለማ እዋን ኣብ 1976 ኣብ 'ዛየር' (ናይ ሕጂ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ) ዝተቐልቀለ ኢቦላ፡ ካብ መንካዕ ዝተበገሰ ምዃኑ'ዩ ዝእመን።

    ኣብዛ መበል 17 ክስተት ናይቲ ሕማም ኣጋጢምዋ ዘሎ ሃገር፡ ካብ 2018 ክሳብ 2020 ዝነበረ እዋን ዝበዝሑ (2,300) ግዳያት ዝቐዘፈሉ እዩ ነይሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ ኣስታት 15,000 ሰባት በቲ ሕማም ሞይቶም ኣለዉ።

  20. ሓላፊ ስለያ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኲባ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

    ጆን ራትክሊፍ ምስ ሰብመዚ ጸጥታን ስለያን ኲባ ኣብ ኣኼባ፡ ሃቫና

    ምንጪ ስእሊ, CIA

    ዳይረክተር ሲ-ኣይ-ኤ ምስ መራሕቲ ኲባ ንምዝርራብ ናብ ርእሰከተማ ሃቫና ኣትዩ።

    ምስ ኲባዊ መዘናኡ ብምርኻብ ዝተዘራረበ ጆን ራትክሊፍ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከብጽሕ ከምዝኸደ ምንጭታት ሲ-ኣይ-ኤ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ሓቢረን።

    ብወገን ኲባ ዝወጸ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ ምብጻሕ ናይቲ ሓላፊ ስለያ ኣብ መንጐ ዋሽንግተንን ሃቫናን ዘሎ ሓርፋፍ ዝምድና ንምምሕያሽ ዝዓለመ እዩ። ሰበስልጣን ሃቫና፡ ኲባ ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ስግኣት ከምዘይኮነት ከምዝገለጽሉ'ውን ሓቢሮም ኣለዉ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኲባ ካብ ቨነዙዌላ ትረኽቦ ዝነበረት ቀረብ ነዳዲ ደው ድሕሪ ምባሉ ቅልውላው ጸዓት ኣጋጢምዋ ምጸንሑ ይፍለጥ።

    ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ማሕበረ-ቁጠባዊ ብድሆታት ንምፍታሕ ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ደገፍ ክትህብ ደጊማ ኣረጋጊጻ ኣላ። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ፡ ሃቫና ነቲ ሓገዝ ከምዝነጸገቶ ተዛሪቡ'ኳ እንተነበረ፡ ሰብመዚ ኲባ ግን ሓቂ ከምዘይኮነ'ዮም ዝገልጹ።

    ከልቢ ሒዛ ጐደና እትሳገር ሰበይቲ፡ ኣብ ከባቢኣ ጐሓፍ ይርአ

    ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock

    ኣብቲ ርክብ፡ ወዲ-ወዱ ንፕረዚደንት ነበር ራኡል ካስትሮ ዝኾነ ራኡል ሮድሪገዝ ካስትሮ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ላዛሮ ኣልቫረዝ ቻዛስ፡ ከምኡ'ውን ሓላፊ ስለያ ኲባ ተረኺቦም ነይሮም።

    ክልቲኦም ወገናት፡ "ብዛዕባ ስለያዊ ምትሕግጋዝ፡ ቁጠባዊ ምርግጋእ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ጸጥታዊ ጉዳያት" ከምዝተዘራረቡ ሓደ ብዓልስልጠን ሲ-ኣይ-ኤ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ኣመሪካዊ ማዕከን ዜና ሲ-ቢ-ኤስ ጠቒሱ።

    ብወገን ኲባ ዝወጸ መግለጺ ከምዝብሎ ድማ "ክልቲኦም ወገናት፡ ምእንቲ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት፡ ዞባዊን ዓለምለኻዊን ጸጥታ፡ ኣብ መንጐ ትካላት ኣኽበርቲ ሕጊ ክልቲአን ሃገራት ምትሕግጋዝ ክህሉ ዘለዎም ድሌት ኣረጋጊጾም" ኣለዉ።

    እቲ ኣመሪካ ክትህቦ መዲባ ዘላ ደገፍ ብመንገዲ ትካላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ካልኦት ማሕበራት ሰብኣዊ ረዲኤትን ዝዕደል ምዃኑ፡ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ዘውጽኦ ጸብጻብ ይጠቅስ።

    ሩብዮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቫቲካን ብምኻድ ምስ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ብምርኻብ ተዘራሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

    ሃቫና ምስ ዋሽንግተን ዘለዋ ርክብ ንምምሕያሽ "መሰረታዊ ለውጥታት" ክትገብር ከምዘለዋ'ውን እቲ ብስሙ ዘይተጠቕስ ብዓልመዚ ሲ-ኣይ-ኤ ገሊጹ ኣሎ።

    ኣብ መጋቢት 2016 ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ናብታ ዴሳዊት ደሴት ወግዓዊ ምብጻሕ ብምክያድ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንምምሕያሽ ዓቢ ስጉምቲ ወሲዱ ነይሩ።

    እንተኾነ ንዕኡ ተኪኡ ናብ ዋይት ሃውስ ዝኣተወ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ኲባ ተሪር ፖሊሲ ከምዝኽተል ብምግላጽ፡ ንገለ ውሳኔታት ምልዓል እገዳ ኦባማ ሰሪዙዎ።

    ባራክ ኦማባ ምስ ራኡል ካስትሮ ኣብ ሃቫና፡ 2016

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ 1959 ብፊደል ካስትሮ ዝምራሕ ዴሳዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሃቫና ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ንትካላት ብሕቲ ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ብምህጋሩ፡ ዋሽንግተን ሰፊሕ ማዕቀብ ኣንቢራ።

    ኲባ እቲ ዘይፍትሓዊ እትብሎ፡ ኣብ ልዕሊኣ ሓያል ቁጠባዊ ሃስያ ዘስዓበ ዕጽዋ (ኢምባርጐ) ክለዓለለ እያ ትጠልብ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ንራኡል ካስትሮ ተኪኡ መሪሕነት ዝተረከበ ፕረዚደንት ሚገል ዲያስ-ካነል፡ ዋሽንግተን ኣብ ክንዲ ደገፍ ምሃብ ነቲ ዕጽዋ ብምልዓል ኩነታት ከተጣጥሕ ከምዝደሊ ተዛሪቡ ነይሩ።