ፖሊስ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣይሁዳውያን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ካራ ግብረ ራዕዲ’ዩ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፖሊስ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣይሁዳውያን ደቂተባዕትዮ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ካራ ስዒቡ ግብረ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀመ ኣፍሊጡ።
እቶም ክልተ ኣይሁዳውያን ኣብ ሰሜናዊ ለንደን ጎልደርስ ግሪን ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ መጥቃዕቲ ካራ ተፈፂምዎም። ፖሊስ እታ ሃገር፡ እዚ ተግባር ግብረ ራዕዲ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።
እቶም ግዳያት፡ ወዲ 34 ዓመት ሺሎሜ ራንድን ወዲ 76 ዓመት ሞሼ ሺንን ይበሃሉ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ከባቢ ሻቡ ንሻቡ ሕክምና ክግበረሎም እንከሎ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሆስፒታል ኣብ ደሓን ኵነታት ይርከቡ።
ወዲ 45 ዓመት ኣብ ሶማልያ ዝተወለደ ብሪጣንያዊ ውልቀሰብ፡ ብፈተነ ቅትለት ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ኣሎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ከር ስታርመር፡ ነዚ “ፀረ ሴማዊ መጥቃዕቲ” “ኣዝዩ ዘሰንብድን ተቐባልነት ዘይብሉን፡” ብምባል ኰኒንዎ።
ስታርመር ወሲኹ፡ “ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ማሕበረሰብና ዝፍፀም መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ብሪጣንያ ዝፍፀም መጥቃዕቲ’ዩ፡” ኢሉ።
ፖሊስ ሜትሮፖሊታን፡ ብረቡዕ ‘ሃይፊልድ’ ኣብ ዝበሃል ጐደና መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀመ ሪፖርት ምስ በፅሖ፡ በቲ ናይቲ ከባቢ ኣቈፃፅራ ሰዓት 11፡16 ፖሊስ ቅልጡፍ ምላሽ ከም ዝሃቡ ገሊፁ።
እቲ ጥርጡር፡ ንቕልጡፍ ምላሽ ናብቲ ቦታ ንዝኸዱ ፖሊስ ክወግእ ፈቲኑ’ኳ እንተ ነበረ፡ ዝወረደ ጉድኣት ግና የሎን።
ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ማእሰርቲ እቲ ጥርጡር፡ ከምኡ’ውን ፖሊስ ነቲ ውልቀሰብ “ኣብ ባይታ በጥ ክብልን” “ዝሓዞ ካራ ክድርብን” ብተደጋጋሚ እናኣዘዙዎ የርኢ።
ኮምሽነር ፖሊስ ሜትሮፖሊታን ሰር ማርክ ሮውሊ፡ ነቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ዘውዓሉ መኰንናት ፖሊስ፡ ኣብቲ ህሞት ዘይተዓጠቑ ምንባሮምን እቲ ጥርጡር ተፈንጃሪ ሒዙ ከይኸውን ሰጊኦም ምንባሮምን ብምግላፅ፡ ንትብዓቶም ንኢዱ።
እቲ ጥርጡር፡ ድሕረባይታ ከቢድ ዓመፅን ፀገም ጥዕና ኣእምሮን ከም ዝነበሮ ተገሊፁ።


















