ናታንያሁ ትራምፕ ንዘቕረቦ 15 ነጥብታት ስለምንታይ ነጺግዎ?
![ዶናል ትራምፕ [ጸጋም] ቤንጃሚን ነታንያሁ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/dfad/live/1f90a7c0-947e-11f1-b2ab-0dd01740f9f6.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ ነቲ ትራምፕ ኣብ ቓዛ ሰላም ንምምጻእ ዘቕረቦ 15 ነጥብታት ከም ዝነጸጎ ብምግላጽ፡ ሓማስ ምሉእ ንምሉእ ዕጥቁ ከይፈትሐ ወተሃደራቱ ካብ ቓዛ ከም ዘየውጽእ ኣነጺሩ።
ትራምፕ ዝመስረቶ 'ቦርድ ሰላም' ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓማስን ካልኦት ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ዕጡቓትን ዕጥቖም ክፈትሑ ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ሓማስ ግን ዓጢቕዎ ዘሎ ከበድቲ ኣጽዋራት ክፈትሕ እንተ ኰይኑ፡ እስራኤል "ኵሉ ዓይነት መጥቃዕቲ" ደው ከተብልን ሓይላ ካብ ቓዛ ክትስሕብን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ዝምርኰስ ምዃኑ እዩ ገሊጹ።
እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብቲ ግዝኣት ፈለማ ተዅሲ ደው ንምባል ካብ እትሰማማዕ ንደሓር፡ ኣብ ልዕሊ ቓዛ መጥቃዕቲ ምክያዳ ብግብሪ ኣየቋረጸትን።
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ብሰንበት ምስ ካቢነ ምኒስትራቱ ኣብ ዝካየዶ ኣኼባ፡ እስራኤል ነቲ ብቦርድ ሰላም ዝቐረበ "15 ነጥብታት ዝሓዘ" ሰነድ ከም ዝነጸገታ እዩ ገሊጹ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ "ሓማስ ብሓቂ ዕጥቁ ክሳብ ዘይፈትሐ ዝዀነ ይዅን ምስሓብ ኣይክገብርን እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ሓይልታትናን ዜጋታትናን ዝፍጸም ስግኣት ምፍሻል ከኣ ክቕጽል እዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ሓደ ብዓል ስልጣን ሓማስ ትማሊ ሰንበት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጕጅለ ንትግባረ እቲ ስምምዕ ድሉው ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን "ብዕቱብን ብሓላፍነታዊ መንገዲ ኣብ ምትግባር፡" ክዋፈር ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።
ሓማስ ንኣሸማገልቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ለበዋ'ውን፡ "ኵሎም ወገናት ነቲ ዝተሰማምዕሉ ክስዕቡ፡" ጸዊዖም።
እስራኤል ነዚ ብቦርድ ሰላም ዝቐረበ ነጥብታት ምንጻጋ፡ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መስከረም ዝተገልጸ ውጥን ሰላም ትራምፕ ኣብ ቓዛ ዝሃርም ካልእ ጽፍዒት እዩ።
እቲ ውጥን ንኣፈጻጽማ እቲ ስምምዕ ዝከታተል ቦርድ ሰላም ምፍጣር፡ ከምኡ'ውን ምፍታሕ ኣጽዋር ሓማስ፡ ምስሓብ ሰራዊት እስራኤልን ዳግመ-ህንጸት ቓዛን ዘጠቓለለ እዩ።
ናታንያሁ ነቲ ነጥብታት ምንጻጉ ብዙሕ ዘገርም ኣይኰነን፡ እንተዀነ "ኣይቅበሎን እየ" ንምባል ክንድዚ መዓልታት ምውሳዱ፡ ምናልባት ላዕለዎት ሓለፍቲ እስራኤል ክሳብ ክንደይ ኣብ መዋጥር ከም ዘለዉ ዘርኢ እዩ።
በንያሚን ናታንያሁ በቲ ትራምፕ ዘቐረቦ ነጥብታት ክሳብ ክንደይ ሕጉስ ዘይምዃኑ ንጹር እኳ እንተዀነ፡ ማዕሪኡ ከኣ ንትራምፕ ንዘይምቕያም ካልእ መንቀራቕሮ ኰይንዎ ዘሎ ይመስል።
ትራምፕ፡ "ናብ ነባሪ ሰላምን ጸጥታን ዝወስድ ታሪኻዊ ስጕምቲ" ዝበሎ፡ ሓማስ ንመጀመርታ ግዜ ዕጥቁ ንምፍታሕ ከም ዝተሰማምዐን እስራኤል ከኣ ሓይልታታ ካብ ቓዛ ክትስሕብን ብዝብል ቅድመ-ዅነት ካብ ዝእውጅ ልዕሊ ሰሙን ገይሩ ኣሎ።
ናታንያሁ ግን እዚ ንሱ ኣብ ስልጣን እንከሎ ፈጺሙ ከም ዘይከውን ኣነጺሩ።
ንሱ፡ ሓማስ መጀመርታ ዕጥቁ ናይ ብሓቂ ብዘእምን መንገዲ ክፈትሕ ከም ዘለዎ እዩ ሓቢሩ። እዚ ከኣ ሓማስ ምሉእ ንምሉእ ዕጥቁ ምስ ፈትሐ ጥራይ እስራኤል ሰራዊታ ካብ ቓዛ ከም እተውጽእ ዘነጽር እዩ።
ናታንያሁ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምስ ዝዀነ ብዓልመዚ ኣመሪካ ከም ዘይተዘራረበ እዩ ዝሕብር።
ናታንያሁ፡ "ሓሳብ ኣለዎም፡ ገለ ካብቲ ነጥብታት ንቕበሎ ኢና ገለ ከኣ ኣይንቕበሎን። ኣብ ከምዚ ኵነታት ከኣ ከመይ ገይርና ኣብ መርገጺና ከም እንጸንዕ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና፡" ኢሉ።
መረጻ እስራኤል ኣዋርሕ እዩ ተሪፍዎ ዘሎ፤ ናታንያሁ ካብቶም ሕሉፋት የማናውያን ዝዀኑ ወገናቱ ኣብ ጉዳይ ቓዛ ተሪር ጸቕጢ እናኣጋጠሞ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕድገታት ክገብር ብዙሕ ትጽቢት ኣይግበረሉን እዩ።
ንናታንያሁ ጉዳይ ቓዛ ብቕልጡፍ ክፈትሖን ሓድሽ ካቢነ ክመርጽን ዝብል ጻውዒት ይቐርበሉ ኣሎ።
ናታንያሁ ነቲ ብትራምፕ ዝቐረበ ነጥብታት ምንጻጉ ዝደገፍዎ'ውን ውሑዳት ኣይኰኑን፡ ምኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ኢታማር ቤን ግቪር ሓደ ካብቶም ንናታንያሁ ዝደገፉ ኰይኑ፡ ነቲ ነጥብታት "ንጹግ እዩ" ብምባል ገሊጽዎ።
ሓደ ካብቶም ነጥብታት ከተግብር ብዶናልድ ትራምፕ ዝተመዘዘ ኒኮላይ ምላድኖቭ፡ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ገና ዘተታት ይካየድ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ብእወታዊ ክውዳእ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ላዕለዋይ ወኪል ናይቲ ቦርድ ኒኮላይ ምላድኖቭ፡ ንናይ እስራኤል ማዕከን ዜና ቻነል 12 ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እስራኤል ከምቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ዳግማይ ንኸየጋጥም እዚ እቲ እንኮ ኣማራጺ ምዃኑ ከም እትኣምን ብምግላጽ፡ ሕቶ እስራኤል ኣብ ኣገባብ ኣፈጻጽማ ምዃኑ ኣብሪሁ።
ኒኮላይ ምላድኖቭ፡ እቲ ውጥን "ክረጋገጽ ዝኽእል፡ ንድሕሪት ዝምለስ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ደው ክብል ዝኽእል፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብድሆታት እንታይ ምዃኑ ኣዝዩ ንጹር ርድኢት ሒዝና ኢና ሃኒጽናዮ፡" ብምባል ገሊጹ።
ንሱ ብተወሳኺ፡ እስራኤል ሓማስ ምሉእ ንምሉእ ዕጥቁ ከም ዝፈትሐ ከየረጋገጸት ሰራዊታ ካብ ቓዛ ከተውጽእ ትጽቢት ከም ዘይግበረላ ገሊጹ።
ኵናት ቓዛ ካብ ዝጅመር 1.9 ሚልዮን (90 ምኢታዊት ካብ ነበርቲ ቓዛ) ካብ ቤቶምን ንብረቶምን ከም ዝተፈናቐሉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
እዚ ኵናት'ዚ፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣስታት 1200 ሰባት ቀቲሉ 251 ሰባት ጨውዩ ምስ ወሰደ እዩ ተወሊዑ።
እስራኤል ግብረ-መልሲ ንምሃብ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብዝወሰደቶ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከኣ ዛጊት ልዕሊ 73, 000 ሰብ ከም ዝተቐትሉ፡ በቲ ጸብጻቡ ብሕቡራት ሃገራት ቅቡል ዝውሰድ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ዝወጽአ ጸብጻብ ይሕብር።
![ተመስገን ገብረስላሴ [ጣኒቆ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/f2c4/live/c6c20530-9473-11f1-9c5d-d98f7a576cad.png.webp)











![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



