ነታንያሁ ኣብ እዋን ኲናት ኢራን 'ብምስጢር ናብ ኢማራት በጺሐ' ይብል፡ ኢማራት ግን ካልእ

ስእሊ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ ምስ ኢራን ኣብ ዝነበረ ኲናት፡ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ "ብምስጢር ከም ዝበጽሐን" ምስ ፕረዚደት እታ ሃገር ከም ዝተራኸበን ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ነታንያሁ ኣብ መንጐ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤልን ፕረዚደንት ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድን ዝተኻየደ ርክብ "ታሪኻዊ ለውጢ" ከም ዘርኣየ ገሊጹ።

እንተዀነ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢማራት ዓረብ፡ ብዛዕባ ምብጻሕ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣመልኪቱ ዝቐረበ ሓበሬታ "ምሉእ ብምሉእ መሰረት ዘይብሉ" ኢሉ ብምንጻግ፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ "ዘይወግዓዊ ምድላዋት" ዝተመርኰሰ ከም ዘይኰነ ኣመልኪቱ።

ኢራን ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ኢማራት ሓያሎ ዒላማታት ሃሪማ'ያ፤ ቴህራን ድማ ነታ ሃገር ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ዘለዋ ጥቡቕ ርክብ ኢላ እትጥምቶ ዝምድና ብተደጋጋሚ ክትነቅፍ ጸኒሓ እያ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ ነታንያሁ "ኣገልግሎት ጸጥታ ኢራን ቅድሚ ነዊሕ እዋን ንዝበሎ ኣግሂዱ፡" ክብል ንመራሕቲ እታ ሃገር ገሊጹ። ወሲኹ ድማ ምስ እስራኤል ምትሕብባር "ይቕረ ዘይበሃሎ" ምዃኑን እቶም ከምኡ ዝገብሩ ድማ "ክሕተቱ እዮም" ኢሉ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነታንያሁ ይዅን ካልእ ወተሃደራዊ ልኡኽ እስራኤል ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ኣካይዱ ንዝብል ጸብጻባት ነጺጉ።

"ኢማራት ዓረብ ምስ እስራኤል ዘለዋ ዝምድና ወግዓውን ኣብ ውሽጢ እቲ ፍሉጥን ብወግዒ ዝተኣወጀን ስምምዓት ኣብርሃም ከም ዝካየድን፣ ኣብ ዘይግሉጽ ወይ ዘይወግዓዊ ምድላዋት ዝተመርኰሰ ከም ዘይኰነን ደጊማ ተረጋግጽ።"

ስምምዓት ኣብርሃም ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓያሎ ሃገራት ዓረብን ንቡር ዝምድና ንምምስራት ዝተበጽሐ ስምምዓት እዩ።

ሮይተርስ ንሓደ ምንጪ ብምጥቃስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ኣብ መንጐ ነታንያሁን ፕረዚደንት ኢማራትን ዝተኻየደ ርክብ ኣብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ዖማን እትርከብ ከተማ ኣል-ዓይን ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ንሓያሎ ሰዓታት ዝቐጸለ እዩ።

ብሰሉስ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ እስራኤል ማይክ ሃካቢ፡ እስራኤል ኢማራት ዓረብ መጥቃዕቲ ኢራን ንምምካት ንምሕጋዝ ካብ ስርዓት ኣይሮን ዶም፡ ባትሪታት ጸረ-ሚሳይላት ከም ዝልኣኸት ገሊጹ።

ኣይሮን ዶም፡ ንዝተፈላለዩ ናይ ኣየር ሚሳይላት፣ ሮኬታትን ድሮናትን ንምዕጋትን ንምጥፋእን ዝጥቀመሉ ምዕቡል ስርዓተ ምክልኻል ኣየር እስራኤል እዩ።

ሃካቢ፡ ምውፋር ኣይሮን ዶም ውጽኢት ናይቲ ኣብ ስምምዓት ኣብርሃም ዝተመርኰሰ "ኣብ መንጐ ኢማራትን እስራኤልን ዝተፈጥረ ፍሉይ ዝምድና፡" ምዃኑ ገሊጹ።

እስራኤልን ኣመሪካን ምስ ኢራን ዝገበርኦ ኲናት ነቲ ዝምድናታት ዘዕሞቐ ይመስል - ብመዳይ ወተሃደራዊ ኪዳን እውን ዝማዕበለ እዩ።

መሓመድ ቢን ዛይድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣማኻሪ መሓመድ ቢን ዛይድ ከም ዝብሎ፡ ኢማራት ዓረብ ሕጂ'ውን ንዲፕሎማሲ ተወፋይነት ኣለዋ ኢሉ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ እዋን ኲናት፡ ኢራን ተኸታታሊ ሚሳይላትን ድሮናትን ናብ ኢማራት ዓረብ ወንጪፋ።

ብ10 ግንቦት ምኒስትሪ ምክልኻል ኢማራት፡ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ሃገሩ ካብ ኢራን ዝተወንጨፋ ክልተ ድሮናት ከም ዝዓገተን፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ መወዳእታ ለካቲት ንኢራን ኣብ ዘጥቅዓሉ እዋን ኲናት ካብ ዝጅምር ብድምር 551 ባሊስቲክ ሚሳይላት፡ 29 ክሩዝ ሚሳይላትን 2,265ን ከም ዘጋጠሞን ገሊጹ።

ብሰኑይ፡ ዎል ስትሪት ጆርናል ኢማራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኢራን እውን መጥቃዕቲታት ከም ዝፈጸመት ጸብጺቡ።

እዚ ድማ ገና ብግልጺ ኣፍልጦ ዘይሃበትሉን ኣብ መጀመርታ ምያዝያ ኣብ ደሴት ላቫን ኢራን ኣብ ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዘጠቓልልን ኣመልኪቱ።

ኣቐዲሙ ብረቡዕ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢማራት ኣንዋር ጋርጋሽ፡ ሃገሩ ኣብ ዲፕሎማሲ ተወፋይነት ከም ዘለዋ፡ እንተዀነ ንነብሳ ናይ ምክልኻል መሰል ከም ዘለዋ ገሊጹ።

ጋርጋሽ ኣብ ጽሑፉ፡ ኢማራት ዓረብ ነቲ ኲናት ከም ዘይደለየትን ካብኡ ንምውጋድ ከም ዝሰርሐትን ብምግላጽ፡ "ርክብ ዓረብን ኢራንን ኣብ ረጽምን ግጭትን ወሽመጥ ዓረብ ክህነጽ ኣይክእልን፡" ኢሉ።

ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ተዅሲ ደው ምባል ካብ ዝካየድ ኣስታት ሓደ ወርሒ ኣቝጺሩ ኣሎ።

ይዅን እምበር ኢራን ንመጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ንምምላስ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ምዕጋታ ቀጺላ ኣላ።

እዚ ድማ ዋጋ ነዳዲ ዓለም ክውስኽ ምኽንያት ኰይኑ፤ ብንቡር ኣስታት 20% ካብ ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዓለምና በቲ መጻብቦ ይሓልፍ።

ኣመሪካ ብወገና፡ ተዅሲ ደው ንምባል እተቕርቦም ዘላ እማመታት ንኽትቅበል ኣብ ልዕሊ ቴህራን ጸቕጢ ንምፍጣር ኣብ ወደባት ኢራን ዕጽዋ ክትገብር ጸኒሓ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኢራን ነቲ ኲናት ከብቅዕን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንምኽፋትን ናብ ኣመሪካ ጠለባታ ልኢኻ እያ። ትራምፕ ኢራን ንእማመ ምቍራጽ ኲናት ኣመሪካ ዝሃበቶ ምላሽ 'ፍጹም ተቐባልነት የብሉን' ኢሉ። ነዚ፡ "ጐሓፍ" ክብል'ውን ነጺጉዎ።

ኣፈኛ ባይቶ ኢራን መሓመድ ጋሊባፍ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን "ንዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብን ትምህርቲ ንምምሃርን ድሉዋት እዮም፡" ኢሉ።