እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውዕል መካ፡ ቱርኪ ስዑዲ ዓረብን ፓኪስታንን 'ኣስላማዊ ኔቶ' ክፈጥራ ይኽእላ ድየን?
ቱርኪ፡ ስዑዲ ዓረብን ፓኪስታንን ነቲ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ "ውዕል ሱኒ" ወይ'ውን "ኣስላማዊ ኔቶ" ኢሎም ዝጽውዕዎ ናይ ሓባር ናይ ምክልኻል ስምምዕ 'ውዕል መካ' ካብ ዝፈርማ ልዕሊ ሰሙን ኰይኑ ኣሎ።
ገሊኦም ድማ ንከም በዓል ኢራንን እስራኤልን ዝኣመሰላ ሃገራት ከም ናይ ምምካት ኣንፈት ገይሮም ተርጒሞሞ ኣለዉ።
ካልኦት ድማ እተን ሃገራት ንጸጥታ ኣብ ኣመሪካ ዘለወን ጽግዕተኛነት ንምንካይ ዘለወን ድሌት ዘንጸባርቕ እዩ ይብሉ።
ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ስምምዕ ንህዝቢ ገና ኣብ ዘይተዘርግሓሉ ዘሎ እዋን፡ ነቐፍቲ እቲ ስምምዕ፡ ሃገራዊ ረብሓታት እተን ንሓድሕደን ብመሬት ዘይዳወባ ሰለስቲአን ሃገራት ኣይክጋጠምን'ዩ ክብሉ ይምጕቱ ኣለዉ።
ገለ ክኢላታት'ውን፡ ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ ዘይምዝርግሑ ከቢድ ሕቶታት ከምዘልዕል ይዛረቡ።
ስለዚ ብዛዕባ እዚ ውዕል እንታይ ንፈልጥ፣ ብኸመይከ ይርአ ኣሎ?
ብዛዕባ ውዕል እዘን ሰለስተ ሃገራት ክሳብ ሕጂ ዝፈለጥናዮን ገና ክሳብ ሕጂ ዘይተነጸረ ኣብዚ ጽሑፍ ሰፊሩ ኣሎ።
ንቐደም በሉ!
'እስላማዊ ኔቶ'
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ካብተን ሰለስቲአን ሃገራት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ከም መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኵለን ክቝጸር እዩ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ሃካን ፊዳን እዚ ስምምዕ እዚ ምስ ዓንቀጽ 5 ናይ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] 'ብቴክኒካዊ መዳይ ሓደ እዩ' ብምባል'ዩ ገሊጽዎ።
ኣብ ክውንነት ክሳብ ዝፍተን ግን ቀስ ኢልካ'ዩ ክርአ።
ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ዝፍጸም ዝዀነ ዓይነት መጥቃዕቲ ፓኪስታንን ቱርኪን እንታይ ዓይነት ግብረ መልሲ'የን ክህባሉ ግዜ ዝምልሶ'ዩ ክኸውን።
ተንተንቲ፡ ነቲ ውዕል ከም ቀያዲ ቅዲ ናይ ኔቶ ዝመስል ቃልሲ ዘይኮነስ ከም "ምእዋጅ ዕላማ" ክንርእዮ ይግባእ ይብሉ።
ኣብ ክፍሊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዩኒቨርሲቲ ካድር ሃስ ፕሮፌሰር ሰርሃት ጉቨንች "ጽሑፍ ናይቲ ስምምዕ ክሳብ ዘይርኣናዮ፡ እቲ ስምምዕ ብኸመይ ከም ዝትግበር ንግምታት ክፉት'ዩ ክኸውን" ይብል።
ጉቨንች፡ ብኣንጻር ናይቲ ንነዊሕ እዋን ብመንጽር ፋይናንስን ኣጽዋርን ብኣመሪካ ዝዕብለል ዝነበረ ኔቶ፡ እዚ ውዕል ናይዘን ሰለስተ ሃገራት ግን 'ኪዳን ማዕረ' እዩ ብምባል ይገልጾ።
ነዚ ስምምዕ ምስ ናይቲ ብኣመሪካ ዝዕብለል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ብምንጽጻር ክገልጾ እንከሎ ኸኣ "እዚ ጽቡቕን ሕማቕን'ዩ፡ ምኽንያቱ ኵሉ ነገር ብዘተ ስለ ዝገብርዎን፡ ብብዙሕ መዳይ ድማ ንናይ ገዛእ ርእሶም ሃገራዊ ልኡላውነት ቀዳምነት ክህቡን'ዮም" ይብል።
ኣሊሰን ማይነር ካብ ቤት ምኽሪ ኣትላንቲክ እውን ምስዚ ትሰማማዕ።
ንሳ ንቢቢሲ ኡርዱ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "እቲ ዝቕየርን ኣብ ገለ እዋናት ድማ ዝተፈላለየ ረብሓታትን ስትራተጂታትን ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ኪዳን እዚ ከምቲ ኔቶ ዝገብሮ ንዝተፈላለዩ ቅልውላዋት ኵለመዳያውን ምሉእ ብምሉእ ዝተወሃሃደን ወተሃደራዊ ምላሽ ክህብ ተኽእሎ የለን" ትብል።
ኣብ መጻኢ ናብ ተኣማንነት ዘለዎ ወተሃደራዊ ኪዳን ክምዕብል ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ከኣ ገና ኣብ ሕቶ ከምዘሎ ብንጹር ይርአ።
እዚ ኪዳን ንኢራን ንምምካት ዝዓለመ ድዩ?
ገለ ተንተንቲ ንውዕል መካ ከም ምላሽ ናይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭትን ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ኢራንን ገይሮም'ዮም ዝርእይዎ።
ቀንዲ ኣንቅዶ ናይቲ ሰምምዕ'ውን ኣብ ዙርያ እዚ ዝተማእከለ ምዃኑ ይማጐቱ።
ካብተን ነዚ ውዕል ዝፈረማሉ ሃገራት፡ ቱርኪን ፓኪስታንን ምስ ኢራን ብመሬት ዝዳወባ ክዀና እንከለዋ፡ ብብዝሒ ሱኒ ዘለውወንን ሃገራት'የን።
ስዑድያ'ውን ብባሕሪ ምስ ኢራን ትዳወብ'ያ፡ ብዓቢኡ ከኣ ምስ ኢራን ኣብቲ ዞባ መን ዓብለል ኣብ ከቢድ ውድድር ዘላ ሃገር'ያ።
ካብዚ ብምብጋስ'ዩ እቲ ኣብ መካ ዝተፈረመ ውዕል፡ ንኢራን ንምኽባብ ዝግበር ስጕምቲ'ዩ ተባሂሉ ተተርጒሙ ዘሎ።
ይዅን እምበር፡ ሰበስልጣን ቱርኪ፡ እቲ ናብቲ ውዕል ዝመርሕ መስርሕ፡ ቅድሚ እቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ግጭትን ወጥሪን ከምዝነበረን፡ ናብዚ ኪዳን እዚ ንምብጻሕ ዘተ ኣብ ታሕሳስ 2024 ከምዝተጀመረን ይሕብሩ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታንን ምክትል ቀዳማይ ምኒስተርን ኢሻቕ ዳር'ውን እቲ ውዕል ኣንጻር ዝዀነት ሃገር ዝቐንዐ ከምዘይኮነ ኣስሚሩሉ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባጋይ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ "እዚ ውዕል ኣንጻር ኢራን እዩ ኢልና እንጭነቐሉ ምኽንያት የለን" ኢሉ።
ኣብ ክንድኡ፡ እተን ኣብ መካ ውዕል ዝተኣታተወ ስዑድያ፡ ቱርኪን ፓኪስታንን ሰለስቲአን ሃገራት "ኣብ ጸጥታዊ መዳይ ኣብ ኣመሪካ ክምርኮሳ ከምዘይክእላ ከም ዝደምደማ" ዘርኢ ምልክት'ዩ ብምባል'ዩ ነቲ ኪዳነን ኣነኣኢስዎ።
ካብዚ ስምምዕ ካብ ሰለስቲኤን እታ ዝያዳ እትረብሕ መን'ያ?
ሰለስቲአን ሃገራት ካብቲ ስምምዕ ከም ዝኸስባ'የን ዘረድኣ፡ እንተዀነ መጠን ረብሐአን ዝተፈላለየ'ዩ።
ስዑዲ ዓረብ ፋይናንሳዊ ጸጋታት፡ ዲፕሎማስያዊ ጽልዋን ብዘለዋ ነዳድን ዓባይ ቁጠባዊት ሓይሊ እያ።
እንተኾነ እታ ሃገር ኣብዚ እዋን ብመጥቓዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኢራን፡ መጥቃዕቲ ሑቲን ምዝባዕ ወሰንቲ ንግዳዊ መስመራት ባሕሪ ኣጋጢምዋ ኣሎ፡ በዚ ኸኣ እናዓበየ ብዝኸይድ ዘሎ ሓደጋታት ትናወጽ ኣላ።
ሪካርዶ ጋስኮ ካብ ትካል ፖለቲካዊ ምርምር ኢስታንቡል፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ስዑዲ ዓረብ ካብቲ ውዕል ዝበዝሐ ረብሓ ክትረክብ ከምእትኽእል ይዛረብ።
ንሱ፡ ውህደት "ቴክኖሎጂ ቱርኪን ወተሃደራዊ ዓቕምን ስትራተጂያዊ ተመኵሮን ፓኪስታንን" ኣብ ምክልኻል ውጽኢታዊ ለውጢ ክፈጥር ከምዝኽእል ይኣምን።
ቱርኪ ኣባል ኔቶ ኰይና፡ ሓንቲ ካብተን ዝዓበየ ወተሃደራዊ ሰራዊት ዘለዋ ሃገር'ያ።
ብጂኦግራፍያውን ዲፕሎማስያውን መዳይ ኣብ መንጎ እተን ነዚ ውዕል ዝፈረማ ሃገራትን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ድልድል ክትከውን'ውን ድሌት ኣለዋ።
ብዓቢኡ እዚ ንሰደድን ናውቲ ምክልኻል ቱርኪን ሓድሽ ዕድላት ክፈጥረሉ ከም ዝኽእል'ውን ዘርኢ'ዩ።
ፓኪስታን እውን ወተሃደራዊት መዳይ ሓያል ሃገር'ያ፣ ካብተን ሰለስተ ድማ እታ እንኮ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐት ሃገር'ያ።
እዚ ውዕል እዚ እማ ኣብቲ ድሮ ኣብ ስራሕ ዘሎ ዝምድናታትን ስምምዓትን እዘን ሃገራት ዝተሃነጸ'ዩ።
ዑመር ካሪም ካብ ማእከል ምርምርን እስላማዊ መጽናዕትን ንጉስ ፋይሳል፡ እቲ ስምምዕ ምስ ስዑዲ ዓረብ ብዝያዳ ብምትሕብባር ቍጠባውን ምክልኻላውን ረብሓታት እናኣበረኸ ኣብ ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕ ዘለዎ መርገጺ ክብ ከብል ከምዝኽእል ይምጉት።
ብመሰረት ኣሊሰን ማይነር ካብ ቤት ምኽሪ ኣትላንቲክ ግን እቲ ዝዓበየ ረብሓ ሓባራዊ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እዚ ሽርክነት ሰለስቲአን ሃገራት ሓያል ፖለቲካዊ መልእኽቲ ንምልኣኽ፣ ዲፕሎማስያዊ ክብደተን ንምዕባይን ስትራተጂያዊ ብልጫታት ንምርካብን ዕድል ዝህብ እዩ ትብል።
እቲ ኪዳን ኣብ መጻኢ እንታይ ክመስል'ዩ?
ብርግጽ ነዛ ሕቶ እዚኣ ምምላስ ክኸብድ ይኽእል'ዩ፡ እንግሊዛውያን ንኸምዚ ዓይነት ሕቶ "That is the million-dollar question" ብምባል'ዮም ዝገልጽዎ።
ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን "ራእይና ኣብዘን ሰለስተ ሃገራት ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ ዝያዳ ክንዓቢን እንተ ተኻኢሉ ድማ ሓደ መዓልቲ ኵለን ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ እዚ ጽላል እዚ ክጥርነፋን'ዩ" ኢሉ።
ግብጺ ኣብቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ፓኪስታንን ቱርኪን ኣቐዲመን ዝተሰማምዓሉ ንኣርባዕቲአን [ንግብጺ ሓዊሱ] ዝሓቘፈ ዘይወግዓዊ ኪዳን ኣትያ ስለዝነበረት፡ ነዚ ሕጂ እዘን ሰለስተ ሃገራት ኣብ መካ ዝተፈራረማሉ ኪዳን ኣብ ሓጺር እዋን ክትጽንበሮ ዓቢ ትጽቢት'ዩ ዘሎ።
እቲ ስምምዕ ምስተፈረመ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ሃካን ፊዳን ግብጺ "ተፈጥሮኣዊት መሻርኽቲ" ምዃና ብምግላጽ፡ ኣብ መወዳእታ ክትጽንበር ከም እትኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ብወገኑ ሃገሩ ነቲ ውዕል "ኣዝያ ብዕቱብ" ተጽንዖ ከምዘላ'ዩ ገሊጹ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣሕመድ ዓቡዱ ካብ ቻታም ሃውስ፡ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ፡ ግብጺ ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ብኣሉታ ንኸይጽሎ፡ ናብ ዝዀነ ኪዳን ንኽትጽንበር ክትጥንቀቕ ምጽናሓ ይሕብር።
ንገለ ካብተን ግብጺ ዘለዋ ርክባት ብኣሉታ ከይጽሎ ኢላ እትሕልወን ሃገራት ከኣ ኢራን፡ እስራኤል፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ግሪኽ፡ ቆጵሮስን ህንድን ዝኣመሰላ ሃገራት ይርከበአን።
እዘን ሰለስተ ፈረምቲ ሃገራት፡ ኣብቲ ብኲናት መልክዑ ኣመና ዝተቐየረ ዞባ ዝፈጣራኦ ኪዳን ብመናወራ ንምምራሕ ኣብ ዝፍትናሉ እዋን፡ እዚ ሓደጋ'ዚ ንዓኣተን እውን ዝጠፍአን (ዝኽወለን) ኣይኰነን።